መክብብ 11
11
ጥበበኛ ሰብ ክገብሮ ዝግባእ
1እንጀራኻ ኣብ ልዕሊ ማይ ደርቢ፥ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ክትረኽቦ ኢኻሞ።
2ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝመፅእ መከራ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፥ ንገንዘብካ ኣብ ሸውዓተ ወይ ኣብ ሸሞንተ ቦታ መቓቒልካ ኣቐምጥ።
3ደመና ዝናም እንተ መልአ ናብ ምድሪ የፍስሶ፤ ኦም ናብ ደቡብ ወይ ናብ ሰሜን ኣቢሉ እንተ ወደቐ፥ ኣብቲ ዝወደቐሉ ቦታ ይነብር። 4ንፋስ ዝፅበ ሰብ ኣይዘርእን፤ ንደመና ዝምልከትውን ኣይዓፅድን። 5ከምቲ መንገዲ ንፋስ ዘይትፍለጥ፥ ከምቲ ኣዕፅምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ከም ዝውጠን ዘይፍለጥ፥ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ዅሉ ዝገበረ እግዚኣብሄር ኣይትፈልጦን ኢኻ። 6ኣየንኡ ኸም ዝበቍል፥ ሓዲኡ ወይ ክልቲኡ እንተ ፀበቐ ኣይትፈልጥን ኢኻሞ፥ ዘርእኻ ንግሆ ዝራእ፤ ምሸትውን ኢድካ ኣይትኸልክል። 7ብርሃን ጥዑም እዩ፤ ኣዒንቲ ንፀሓይ ክጥምታኣ እንተለዋ ኸዓ ደስ ይብለን። 8ሰብ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ነበረ ብዅላተን ይተሓጐስ፤ ይኹን እምበር ዘመን ፀልማት ከም ዝበዝሕ ይዘክር። ኵሉ እቲ ዝመፅእ ነገር ከንቱ እዩ።
ምኽሪ ንመንእሰይ
9ኣታ ጐበዝ፥ ኣብ ጊዜ ጕብዝናኻ ደስ ይበልካ፤ በዘን መዋእል ጕብዝናኻ ልብኻ ይተሓጐስ፤ እትደልዮ ግበር፤ ልብኻ ብዝብህጎ መንገድን፥ ኣዒንትኻ ብዝጥምታኦን ተመላለስ፤ ግና እግዚኣብሄር ብዛዕባ ዅሉ እዙይ፥ ናብ ፍርዲ ኸም ዘቕርበካ ፍለጥ።
10ንእስነትን ጕብዝናን ቀልጢፉ ይሓልፍ እዩ እሞ፥ ጓሂ ኻብ ልብኻ፥ ሕሰም ካብ ሰብነትካ ኣርሕቕ።
Currently Selected:
መክብብ 11: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in