መክብብ 10
10
1ዝሞቱ ፅንፅያታት ነቲ ብጥዑም ጨና ተቐሚሙ ዝተሰርሐ ሽቱ ኸም ዘጭንውዎ፥ ንእሽተይ ዕሽነትውን ንጥበብን ክብርን ተበላሽዎ።
2ልቢ ጥበበኛ ኣብ የማኑ፥ ልቢ ዓሻ ግና ኣብ ፀጋሙ እዩ። 3ዓሻ ብመንገዲ ኽመላለስ እንተሎ ምስትውዓል ይጐድሎ፤ ኩሉ ዝሓስቦውን ዕሽነት እዩ።
4ትዕግስቲ ንዓብዪ በደል ተህድእ እያ እሞ፥ ገዛኢ እንተ ተቘጥዐካ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።
5ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝረአኽዎ ኽፍኣት ኣሎ፤ ንሱ ኸዓ ብገዛእቲ ዝፍፀም ጌጋ እዩ። 6ዓያሹ መዓርግ ኣብ ዘለዎ ስፍራ ተቐሚጦም፤ ሃብታማት ግና ኣብ ትሑት ቦታ ተቐመጡ። 7ባሮት በፍራስ፥ መሳፍንቲ ኸዓ ኸም ባሮት ብእግሪ ክኸዱ እንተለዉ ረአኹ።
8 #
መዝ. 7፡15፥ ምሳ. 26፡27። ጕድጓድ ዝዅዕት ናብኣ ይወድቕ፤ መካበቢያ ዘፍርስ ድማ ተመን ይነድፎ።
9ኣእማን ዝፈናቕል ብእኡ ይሓምም፤ ዕንፀይቲ ዝፍልፅውን ብእኡ ይጕዳእ። 10ሓፂን እንተ ጐተመ እሞ ንብልሑ ኸዓ እንተ ዘይስሒልካዮ፥ ብዙሕ ሓይሊ የድሊ፤ ጥበብ ግና ስራሕኻ የስልጠልካ። 11ተመን እንተይተዓዘመ እንተሎ እንተ ነደፈ፥ ዓዛሚ ጥቕሚ የብሉን። 12ጥበበኛ ሰብ ዝዛረቦ ሞገስ የውህቦ፤ ንዓሻ ግና ኸንፈሩ ይውሕጦ። 13መጀመርያ ነገሩ ዕሽነት እዩ፤ መወዳእታ ዘረብኡ ኸዓ ሕሱም ዕብደት እዩ። 14ዓሻ ዘረባ የብዝሕ፤ ሰብ ከዓ ነቲ ዝኸውን ኣይፈልጦን፤ ነቲ ብድሕሪኡ ዝኸውን ድማ መን ይነግሮ?
15ንሰነፍ ስራሑ የድክሞ፤ ናብ ከተማ ምውፃእ ኣይፈልጥን እዩሞ።
16ንጉስኪ ቘልዓ ዝኾነ፥ መሳፍንትኺ ድማ ኣንጊሆም ዝበልዑ ሃገር፥ ወይለኺ! 17ንጉስኪ ወዲ ኽቡራት ዝኾነ፥ መሳፍንትኺ ድማ ንምስካር ዘይኮነስ፥ ሓይሊ ኽረኽቡ ብግቡእ ጊዜ ዝበልዑ ሃገር ብርኽቲ ኢኺ።
18ብሰንኪ ትህኺት፥ ናሕሲ ይንህል፤ ብሰንኪ ህኩያት ኣእዳው ከዓ ቤት የንጥብ።
19ድግስ ንሰሓቕ፥ ወይኒ ኸዓ ንህይወት ደስ የብል፤ ግና ዅሉ ብገንዘብ እዩ ዝዕደግ።
20ንንጉስ ብሓሳብ እኳ ኣይትሕመዮ፤ ንሃብታምውን ኣብ መደቀሲኻ ዄንካ ኣይትፅረፎ። ዒፍ ሰማይ ነቲ ቓልካ ኽተብፅሖ እያ፤ በራሪ ዒፍውን ነገርካ ኽተውርየልካ እያ።
Currently Selected:
መክብብ 10: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: