YouVersion Logo
Search Icon

ዘዳግም 34

34
ሞት ሙሴ
1ሙሴ ድማ ኻብ ጐልጐል ሞኣብ ናብ እምባ ናባው፥ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ ዘሎ ፈስጋ ደየበ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዅላ ሃገር ገለዓድ፥ ክሳዕ ከተማ ዳን ኣርኣዮ። 2ከምኡ እውን ንዅላ ምድሪ ንፍታሌምን ምድሪ ኤፍሬምን ምናሴን፥ ብምልእታ ምድሪ ይሁዳን ክሳዕ ምዕራብ ባሕሪ፥ 3ደቡብ ይሁዳን ጐልጐል ለሰ ኢያሪኮን፥ ከተማ ተምርን ክሳዕ ፆኣር ኣርኣዮ። 4እግዚኣብሄር ድማ፦ “እታ ንኣብርሃምን ንይስሓቅን ንያእቆብን፥ ‘ንዘርእኻ ኽህባ እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ፥ እዚኣ እያ፤ ብዓይንኻ ኣርአኹኻ፤ ናብኣ ግና ኣይትሳገርን ኢኻ” በሎ። #ዘፍ. 12፡7፥ 26፡3፥ 28፡13።
5ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ሞተ። 6እግዚኣብሄር ድማ፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ፥ ኣብ መንፅር ቤት ፌጎር ዘሎ ለሰ ቐበሮ። ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኸዓ ንመቓብሩ ዝፈለጦ ሰብ የለን። 7ሙሴ ኽመውት እንተሎ፥ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት ነበረ፤ ምስ እዝ ዅሉ ግና ኣዒንቱ ኣይፈዘዛን፤ ሓይሉ እውን ኣይደኸመን ነበረ። 8ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ። ብድሕሪኡ ሓዘኖም ወድኡ።
9ንኢያሱ ወዲ ነዌ ድማ፥ ሙሴ ኢዱ ስለ ዘንበረሉ፥ መንፈስ ጥበብ መልኦ። ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ ንሙሴ ዝተኣዘዝዎ ገይሮም ተኣዘዝዎ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝሃቦም ትእዛዛት ከዓ ሓለውዎ።
10ድሕሪኡ፥ ኣብ እስራኤል፥ ከም ሙሴ ዝበለ፥ ንእግዚኣብሄር ገፅ ንገፅ ዘዛረቦ ነቢይ ኣይተስአን። #ዘፍ. 33፡11። 11ኣብ ግብፂ ኣብ ፈርዖንን፥ ኣብ ሹመኛታቱን ኣብ ዅላ ምድሩን ምልክትን ተኣምራትን ዝገበረ ኻልእ ነቢይ ኣይተስአን። 12ከምቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ዝገበሮ፥ ዓብዪ ሓይልን ዘፍርሕ ነገርን ዝገበረ የለን።

Currently Selected:

ዘዳግም 34: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in