ዘዳግም 27
27
ኣብ እምባ ጌባል ዝነበረ መሰውኢ
1ሙሴ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ኮይኑ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ “እዝ ዅሉ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዝ ሓልውዎ። 2ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝህበኩም ምድሪ፥ በታ ንፈለግ ዮርዳኖስ እትሳገሩላ መዓልቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣቑሙ እሞ፥ ብኖራ ለቕልቕዎ። 3ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዘተስፈዎ ናብታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ምእንቲ ኽትኣትዉ ምስ ተሳገርኩም፥ ንቓላት እዝ ሕጊ እዙይ ኣብኡ ፀሓፍዎ። 4ንፈለግ ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም ድማ፥ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ነዝ ኣእማን እዙይ፥ ኣብ እምባ ጌባል ኣቑምዎ፤ ኖራ ኸዓ ለቕልቕዎ። 5ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ሓፂን ብዘይነኽኦ ኣእማን፥ መሰውኢ ንደቑ። 6ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መሰውኢ ብዘይተወቕረ ኣእማን ንደቕዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። #ዘፀ. 20፡25። 7መስዋእቲ ምስጋና ሰዊእኹም ኣብኡ ብልዑ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተሓጐሱ። 8ኵሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ድማ ግሉፅን ፅቡቕን ጌርኩም ኣብቲ ኣእማን ፀሓፍዎ።”
ኣብ እምባ ጌባል ዝተብሃለ መርገም
9ሙሴ ምስቶም ሌዋውያን ዝኾኑ ኻህናት ኮይኑ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኦ እስራኤል! ስቕ ኢልኩም ስምዑ፤ ሎሚ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኴንኩም ኢኹም። 10እምበኣር ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተኣዘዙ፤ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ከዓ ፈፅምዎ።”
11ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ህዝቢ ኸምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ 12ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፥ ነገዳት ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዮሴፍ፥ ብንያም ኣብ እምባ ገሪዛን ቆይሞም ንህዝቢ ይባርኹ። #ዘዳ. 11፡29፥ ኢያሱ 8፡33-35። 13ነገዳት ሮቤል፥ ጋድ፥ ኣሴር፥ ዛብሎን፥ ዳን፥ ንፍታሌም ድማ ኣብ እምባ ጌባል ቆይሞም ይርገሙ።
14ሌዋውያን ድማ፥ ንዅሎም ህዝቢ እስራኤል ብዓብዪ ድምፂ ኸምዙይ እናበሉ ይዛረብዎም፦
15ብእግዚኣብሄር ዝተፀልአ፥ በእዳው ብልሓተኛ ዝተገብረን፥ ዝተወቕረን፥ ብፍሲ ምስሊ ዝተገብረን፥ ሓቢኡ ኸዓ ዘንብሮ፥ ርጉም ይኹን።
ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል። #ዘፀ. 20፡4፥ 34፡17፥ ዘሌ. 19፡4፥ 26፡1፥ ዘዳ. 4፡18፥ 5፡8።
16ኣቦኡን እኖኡን ዘቃልል ርጉም ይኹን።
ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል። #ዘፀ. 20፡12፥ ዘዳ. 5፡16።
17ናይ ብፃዩ ናይ ወሰን ምልክት ዝደፍእ ርጉም ይኹን።
ኵሉ ህዝቢ ኸዓ፥ “ኣሜን” ይበል። #ዘዳ. 19፡14።
18ንዕዉር መንገዲ ዘጋግዮ ርጉም ይኹን።
ዅሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል። #ዘሌ. 19፡14።
19ንስደተኛን ንደኽታምን ንመበለትን ፍርዲ ዘቐይንን ርጉም ይኹን።
ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል። #ዘፀ. 22፡21፥ 23፡9፥ ዘሌ. 19፡33-34፥ ዘዳ. 24፡17-18።
20ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝድቅስ፥ ክዳን ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፥ ርጉም ይኹን።
ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል። #ዘሌ. 18፡8፥ 20፡11፥ ዘዳ. 22፡30።
21ምስ ዝኾነ እንስሳ ዝድቅስ ርጉም ይኹን።
ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል። #ዘፀ. 22፡19፥ 18፡23፥ 20፡15።
22ብኣቦ ኾነ ብእኖ ሓፍቱ ምስ ዝኾነት ዝድቅስ ርጉም ይኹን።
ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል። #ዘሌ. 18፡17፥ 20፡14።
23ምስ ሓማቱ ዝድቅስ ርጉም ይኹን።
ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል። #ዘሌ. 18፡17፥ 20፡14።
24ንብፃዩ ብስዉር ዝወቅዕ ርጉም ይኹን።
ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል።
25ንንፁህ ሰብ ክቐትል ጉቦ ዝቕበል ርጉም ይኹን።
ኵሉ ህዝቢ ኸዓ “ኣሜን” ይበል።
26ንቓል እዝ ሕጊ እዙይ ክፍፅሞ ኢሉ ዘየፅንዖ ርጉም ይኹን።
ኵሉ ህዝቢ ድማ “ኣሜን” ይበል። #ገላ. 3፡10።
Currently Selected:
ዘዳግም 27: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: