ዘዳግም 16
16
ፋሲካ
(ዘፀ. 12፡1-20)
1“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ወርሒ ኣቢብ ካብ ግብፂ ብለይቲ ኣውፂኡኩም እዩ እሞ፥ ንወርሒ ኣቢብ ሓልዉ፤ ፋሲካ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ኣብዕሉ። 2ኣብታ እግዚኣብሄር ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ኣባጊዕኹም ወይ ካብ ከፍትኹም ፋሲካ ሕረዱ። 3ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ዘይበዅዐ፥ ናይ መከራ ቕጫ ምስኡ ብልዑ። ካብ ግብፂ ብህፁፅ ወፂእኹም ኢኹም እሞ፥ ነታ ኻብ ግብፂ ዝወፃእኹምላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኹም ምእንቲ ኽትዝክርዋ፥ ዝበዅዐ ነገር ምስኡ ኣይትብልዑ። 4ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ኵሉ ምድሪኹም ብዅዕ ኣይረአ። በታ መጀመርታ መዓልቲ ምሸት ዝሓረድኩምዎ ስጋ ኽሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።
5-6“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ እምበር፥ ኣብ ዝኾነ ኻልእ ከተማ በጊዕ ፋሲካ ኽትሓርዱ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኣብኣ በታ ኻብ ግብፂ ዝወፃእኹምላ ጊዜ፥ ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ፥ ሕረድዎ። 7ነቲ ሕሩድ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ኣብሲልኩም ብልዕዎ። ንፅባሒቱ ድማ ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ። 8ሽዱሽተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ፤ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ ጉባኤ ይኹን፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ። #ዘፀ. 12፡1-20፥ ዘሌ. 23፡5-8፥ ዘሑ. 28፡16-25።
በዓል ሰሙናት
(ዘፀ. 34፡22፥ ዘሌ. 23፡15-21)
9“ካብታ ምዕፃድ እኽሊ እትጅምሩላ ሸውዓተ ሰሙን ቍፀሩ። 10ከም መጠን እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም በረኸት ከዓ ብፍቓድኩም ዝወሃብ መባእ ኣቕሪብኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም በዓል ሰሙናት ኣብዕሉ። 11ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንስሙ መፀውዒ ዝሓረያ ቦታ ምስ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣገልጋሊኹምን ኣገልጋሊትኩምን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ዘለዉ ሌዋውያንን ኣብ ማእኸልኩም ዘለዉ ስደተኛታትን ደኽታማትን መበለታትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደስ ይበልኩም። 12ንስኻትኩም ኣብ ግብፂ ባሮት ከም ዝነበርኩም ዘክሩ እሞ፥ ነዝ ስርዓት እዙይ ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ ግበሩዎውን። #ዘሌ. 23፡15-21፥ ዘሑ. 28፡26-31።
በዓል ዳስ
(ዘሌ. 23፡33-43)
13“ፍርያት ካብ ዓውድኹምን ካብ መፅመቝ ወይንኹምን ምስ ኣከብኩም፥ በዓል ዳስ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብዕሉ። 14ምስ ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን መገልገሊኹምን መገልገሊትኩምን ኣብ ውሽጢ ኸተማታትኩም ዘለዉ ሌዋውያንን ስደተኛታትን ደኽታማትን መበለታትን ድማ ብበዓልኩም ደስ ይበልኩም። 15እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዅሉ እቶትኩምን ብዅሉ ስራሕኹምን ክባርኸኩም እዩ፤ ንስኻትኩም ድማ ምሉእ ሓጐስ ክትሕጐሱ ኢኹም እሞ፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ኣብዕሉ። #ዘሌ. 23፡33-36፥39-43፥ ዘሑ. 29፡12-38።
16“ዝኾነ ሰብኣይ፥ ሰለስተ ሻዕ ኣብ ዓመት፥ ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሓረያ ቦታ ብምኻድ ኣብ ቅድሚኡ ይረአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ጥራሕ ኢዶም ኣይረአዩ። 17ከም መጠን እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም በረከት ከከም ክእለትኩም ሃቡ።
ፈራዶ
18“ኣብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ኵለን ከተማታትኩም ንነገዳትኩም ፈራዶን ኣሕሉቕን ሹሙ። ንህዝቢ ኸዓ ቕኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ። 19ፍርዲ ኣይተቐይንኑ፤ ኣድልዎውን ኣይትግበሩ። ጉቦ፥ ዓይኒ ለባማት የዕውር፤ ነገር ፃድቃን ድማ የቐይንን እዩ እሞ፥ ጉቦ ኣይትቀበሉ። #ዘፀ. 23፡6-8፥ ዘሌ. 19፡15። 20ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ እውን ኽትወርሱስ ፍፁም ቅንዕና ተኸተሉ።
21“ኣብ ጥቓ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እትሰርሕዎ መሰውኢ፥ ዝኾነ ናይ ኣምልኾ ዓፀድ ኣይትትከሉ። #ዘፀ. 34፡13። 22ኣምላኽኩም እግዚኣብሄር ዝፀልኦ ዓምዲ ንኣኻትኩም ኣይተቑሙ።” #ዘሌ. 26፡1።
Currently Selected:
ዘዳግም 16: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: