ዳንኤል 6
6
ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ
1ንዳርዮስ ኣብ ኵላ መንግስቱ፥ ሚእትን ዕስራን መሳፍንቲ ኽሸይም ቅኑዕ ኮይኑ ተርኣዮ። 2እቲ ንጉስ ምእንቲ ኸይጕዳእ፥ ነቶም መሳፍንቲ ዝቈፃፀርዎም፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ሰለስተ ኣሕሉቕ ሸመ። ሓደ ኻብኣቶም ከዓ ዳንኤል ነበረ። 3ዳንኤል ግና፥ ፍሉይ ናይ ጥበብ መንፈስ ስለ ዝሓደሮ፥ ካብቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን በሊፁ ተረኽበ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብ ኵላ መንግስቱ ኽሸሞ ሓሰበ። 4ሽዑ እቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን፥ ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጉዳይ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ደለዩ፤ ግና ጥንቁቕን እሙንን ስለ ዝነበረ፥ ዝኾነ ጌጋ ወይ መንቀፊ ስለ ዝሰኣኑሉ፥ መኽሰሲ ምኽንያት ክረኽቡሉ ኸቶ ኣይከኣሉን። 5ሽዑ እቶም ሰባት “ንዳንኤል ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኹ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ መኽሰሲ ኽንረኽበሉ ኣይንኽእልን ኢና” በሉ።
6ድሕሪዙይ እቶም ኣሕሉቕን መሳፍንትን፥ ናብቲ ንጉስ ከይዶም “ኦ ንጉስ ዳርዮስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን። 7ኵላትና ኣሕሉቕ መንግስትን ሹመኛታትን መሳፍንትን ኣማኸርትን ምስለኔታትን፥ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኣተን ንኣኻ እንተ ዘይኮይኑ፥ ንዝኾነ ይኹን ኣምላኽ ወይ ንሰብ ዝፀለየ፥ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዝድርበ ኽትእዝዝ፥ ብርቱዕ ኣዋጅውን ክትእውጅ ሓቢርና መኺርና ኣለና። 8ኦ ንጉስ፥ ከምቲ ዘይልወጥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ክኸውን እሞ ኸይልወጥ፥ ስምካ ፅሒፍካ ነቲ ኣዋጅ ኣፅንዓዮ” ኢሎም ተዛረብዎ። 9ንጉስ ዳርዮስ ድማ፥ ነቲ ፅሑፍ ኣዋጅ ኣፅንዖ። 10ዳንኤል ድማ እዝ ሕጊ እዙይ ብኣዋጅ ከም ዝወፀ ምስ ፈለጠ፥ ናብ ቤቱ ኸደ። እታ ኣብ ደብሪ ዝነበረት ቤቱ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢለን ዝጥምታ መሳዅቲ ነበራኣ። እተን መሳዅቲ ብኽፉታተን ከዓ፥ ከምቲ ቐደም ዝገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሻዕ ኣብ መዓልቲ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ ፀለየን ኣመስገነን።
11ሽዑ እቶም ሰባት ተኣኻኺቦም ከይዶም፥ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኽፅልን ክምህለልን እንተሎ ረኸብዎ። 12ሽዑ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቀሪቦም ንዳንኤል ከሰስዎ፦ “ኦ ንጉስ፥ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኣተን፥ ንኣኻ እንተ ዘይኮይኑ፥ ንዝኾነ ይኹን ኣምላኽ ወይ ንሰብ ዝለመነ፥ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ክድርበ እዩ፥ ኢልካዶ ኣዋጅ ኣይኣወጅካን ኢኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
እቲ ንጉስ ድማ “እዝ ነገር እዙይ ከምቲ ኽልወጥ ዘይከኣል፥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኮይኑ ፀኒዑ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።
13ሽዑ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ “እምበኣር እዝ ካብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ ዝኾነ ዳንኤል፥ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሻዕ፥ ልመናኡ ናብ ኣምላኹ ይፅሊ ኣሎ። ኦ ንጉስ፥ ንኣኻ ወይ ነቲ ዝኣወጅካዮ ኣዋጅ ኣየኽብርን” በልዎ።
14እቲ ንጉስ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዐ የመና ጐሃየ፤ ንዳንኤል ምእንቲ ኸናግፎ ኸዓ ምኽንያት ደለየ፤ ፀሓይ ክሳዕ እትዓርብውን ከድሕኖ ፀዓረ። 15ሽዑ እቶም ሰባት ናብ ንጉስ ተመሊሶም “ኦ ንጉስ፥ እቲ ንጉስ ዘፅንዖ ኣዋጅን ትእዛዝን ከይልወጥ፥ ናይ ሜዶንን ፋርስን ሕጊ ኸም ዝኾነ ፍለጥ” ኢሎም ንንጉስ ተዛረብዎ።
16ሽዑ እቲ ንጉስ ድማ ኣዘዘ፤ ንዳንኤል ኣምፂኦም ከዓ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ደርበይዎ። እቲ ንጉስ ድማ ንዳንኤል “እቲ ዅልሻዕ እተምልኾ ኣምላኽ የናግፍካ” በሎ። 17ሓደ እምኒ ኣምፂኦም ከዓ፥ ነቲ ኣፍ ጕድጓድ ዓፀውዎ። እቲ ንጉስ ድማ፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ዳንኤል ዝተፈፀመ ኸይልወጥ፥ ብማሕተሙን ብማሕተም መኳንንቱን ሓተሞ። 18እቲ ንጉስ ናብ ቤተ መንግስቱ ተመለሰ፤ ፆሙ ኸዓ ሓደረ፤ ዝብላዕውን ኣየምፅኡሉን። ድቃስ ድማ ኻብኡ ረሓቐ።
19ንፅባሒቱ እቲ ንጉስ ኣንጊሁ ተስአ፤ ቀልጢፉ ኸዓ ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ከደ። 20ናብቲ ጕድጓድ ምስ በፅሐ፥ ንዳንኤል እናሕቘንቈነ ብድምፂ ሓዘን ፀውዖ፤ “ኣታ ዳንኤል ባርያ ህያው ኣምላኽ፥ እቲ ዅልሻዕ እተምልኾ ኣምላኽስ፥ ካብ ኣናብስ ከናግፈካዶ ኽኢሉ?” በሎ።
21ሽዑ ዳንኤል ንንጉስ “ኦ ንጉስ፥ ንዘለኣለም ህያው ኩን። 22ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንፁህ ስለ ዝኾንኩ፥ ንኣኻ ድማ ስለ ዘይበደልኩ፥ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፥ ኣፍ ኣናብስ ዓፀወለይ፤ ንሳቶምውን ኣይጐድኡንን” ኢሉ መለሰሉ።
23ሽዑ እቲ ንጉስ እምብዛ ተሓጐሰ፤ ንዳንኤል ከዓ ኻብቲ ጕድጓድ ከውፅእዎ ኣዘዘ፤ ኣውፅእዎውን። ኣብ ኣምላኹ ተኣሚኑ ስለ ዝነበረ፥ ዝኾነ ጕድኣት ኣይረኸቦን። 24እቲ ንጉስ ከዓ፥ ነቶም ከሰስቲ ዳንኤል ምስ ደቆምን ምስ ኣንስቶምን ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ክድርብይዎም ኣዘዘ። ገና ኣብ ፍርቂ ጕድጓድ እንተይበፅሑ ድማ፥ እቶም ኣናብስ ጐበጥዎም፤ ኵሉ ኣዕፅምቶምውን ሰባበሩ።
25ድሕሪዙይ ንጉስ ዳርዮስ ነቶም ኣብ ኵላ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ንዝዛረቡን፥ ከምዙይ ኢሉ ፀሓፈ፦
“ሰላም ይብዝሐልኩም! 26ንኣምላኽ ዳንኤል ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስተይ፥ ፍርሕዎን ኣኽብርዎን ኢለ እእዝዝ ኣለኹ።
ንሱ ንዘለኣለም ዝነብር ህያው ኣምላኽ እዩሞ፤
መንግስቱ ኣይትጠፍእን እያ፤
ግዝኣቱውን መወዳእታ የብሉን።
27ንሱ የናግፍን የድሕንን፤
ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከዓ፥
ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር፤
ንዳንኤል ካብ ኣፍ ኣናብስ ዘድሓነ ድማ ንሱ እዩ።”
28እዝ ዳንኤል እዙይ ኣብ መንግስቲ ዳርዮስን ኣብ መንግስቲ ቂሮስ በዓል ፋርስን የመና ኽቡር ነበረ።
Currently Selected:
ዳንኤል 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: