YouVersion Logo
Search Icon

ዳንኤል 10

10
ዳንኤል ኣብ ፈለግ ጤግሮስ ዝረኣዮ ራእይ
1ቂሮስ ኣብ ፋርስ ምስ ነገሰ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ብልጣሶር ንዝተብሃለ ዳንኤል ራእይ ተርኣዮ። እቲ ነገር ሓቂ እዩ፤ ንሱውን ዓብዪ ውግእ ዝገልፅ ነበረ። ነቲ መልእኽቲ ምእንቲ ኽርዳእ፥ ብራእይ ምስትውዓል ተውሃቦ።
2በቲ ጊዜ እቱይ፥ ኣነ ዳንኤል ሰለስተ ሰሙን ምሉእ ሓዚነ ነበርኩ። 3እተን ሰለስተ ሰሙን ክሳዕ ዝውድኣ፥ ጥዑም መብልዕ ኣይበላዕኹን፤ ስጋን ወይንንውን ኣብ ኣፈይ ኣይኣተወን፤ ዘይትውን ኣይተቐባእኹን።
4ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ መጀመርታ ወርሒ፥ ኣብ ወሰን እቲ ዓብዪ ፈለግ ጤግሮስ ነበርኩ። 5ዓይነይ ቈላሕ ምስ ኣበልኩ ድማ፥ እንሆ፥ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተኣልመ ዓለባ ዝተኸድነ፥ ኣብ ሕቘኡ ድማ ፅሩይ ወርቂ ዝናር ዝተቐነተ ሰብኣይ ረአኹ። 6#ራእይ 1፡13-15፥ 2፡18፥ 19፡12። ሰብነቱ ኸም ዘንፀባርቕ ዕንቊ፥ ገፁ ኸም መብረቕ፥ ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ፋና፥ ቀላፅሙን ኣእጋሩን ከም ርሱን ነሃስ፥ ድምፂ ቓላቱ ድማ ኸም ድምፂ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ።
7ነቲ ራእይ ዝረአኽዎ ኣነ በይነይ ዳንኤል እየ፤ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት፥ ነቲ ራእይ ኣይረአይዎን፤ ግና ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ወዲቕዎም ክሕብኡ ሃደሙ። 8ሽዑ ኣነ በይነይ ተረፍኩ፤ ነዝ ዓብዪ ራእይ እዙይውን ረአኹ፤ ሓይሊ ኣይተረፈንን፤ ሕብሪ ገፀይውን ተለወጠኒ። 9ድምፂ ቓሉ ሰማዕኹ፤ ድምፂ ቓሉ ምስ ሰማዕኹ፥ ደንጊፀ ናብ ምድሪ ብግምባረይ ተደፋእኹ። 10እንሆ ሓደ ኢድ ዳህሰሰኒ፤ ብብርከይን ብኢደይንውን ኣቖመኒ።
11ንሱውን “ኣታ ዝተፈተኻ ዳንኤል፥ ኣነ ሕዚ ናባኻ ተልኢኸ ኣለኹ፤ ቀጥ ኢልካ ደው በል እሞ፥ ነዝ ዝነግረካ ቓል ኣስተውዕሎ” በለኒ። እዝ ቓል እዙይ ምስ ተዛረበኒ፥ እናንቀጥቀጥኩ ደው በልኩ።
12መሊሱ ኸምዙይ በለኒ፦ “ዳንኤል፥ ኣይትፍራሕ፥ ካብታ ምስትውዓል ክትረክብ ኢልካ፥ ርእስኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘትሓትካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ፀሎትካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተሰሚዑ እዩ እሞ፥ ኣነውን ምእንቲ ቓልካ መፂአ እኒሀኹ። 13#ራእይ 12፡7። እቲ ሓለቓ መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ። እንሆ ኸዓ ሓደ ኻብቶም ዋናታት ኣሕሉቕ፥ ሚካኤል ክሕግዘኒ መፀ። ኣነውን ምስቶም ነገስታት ፋርስ ኣብኡ ሓደግክዎ። 14እዝ ራእይ እዙይ ንኽፍፀም፥ ገና ብዙሕ ዘመን ስለ ዝተረፎ፥ ንቕድሚት ንዳሕረዋይ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ዝኸውን ክገልፀልካ፥ ሕዚ ናባኻ መፂአ ኣለኹ” በለኒ።
15ነዝ ቃላት እዙይ እናተናገረኒ እንተሎ፥ ገፀይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ፤ በሃምውን ኮንኩ። 16ድሕሪኡ ወዲ ሰብ ዝመስል ከናፍረይ ነኽአኒ፤ ሽዑ ኣፈይ ከፊተ ተዛረብኩ። ነቲ ኣብ ቅድመይ ቆይሙ ዝነበረውን ከምዙይ በልኩዎ፤ “ኦ ጐይታ፥ ካብቲ ራእይ ዝተልዓለ ተሳቐኹ፤ ሓይልውን ስኢነ ኣለኹ። 17ኣነስ ዝኾነ ሓይሊ ኣይተረፈንን፤ ምትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ፥ ኣነ ባርያኻ፥ ምሳኻ ምስ ጐይታይ፥ ከመይ ኢለ ኽዛረብ እኽእል?” በልክዎ።
18ሽዑ እቲ ሰብ ዝመስል፥ ዳህሰሰኒ፤ ኣበርትዐኒውን። 19ንሱ ኸዓ “ኣታ የመና ዝተፈተኻ ሰብ፥ ኣይትፍራሕ፤ ሰላም ንኣኻ ይኹን፤ በርትዕ፤ ፅናዕ” በለኒ።
እናተዛረበኒ እንተሎ፥ በርታዕኹ እሞ፥ “ኦ ጐይታ፥ ኣበርቲዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ተዛረብ” በልኩዎ።
20ንሱ ድማ፥ “ስለ ምንታይ ናባኻ ኸም ዝመፃእኹዶ ፈሊጥካ ኣለኻ? ሕዚ ኸዓ ምስ ሓለቓ ፋርስ ክዋጋእ ቀልጢፈ ኽምለስ እየ። ኣነ ኽወፅእ እንተለኹ፥ እንሆ፥ እቲ ሓለቓ ግሪክ ክመፅእ እዩ። 21#ራእይ 12፡7። ኣቐዲመ ግና፥ እቲ ኣብ መፅሓፍ ሓቂ ዝተፅሓፈ እነግረካ ኣለኹ፤ ነዚኣቶም ንምቅዋም፥ ብዘይ ሚካኤል፥ እቲ ሓለቓኹም፥ ሓደ እኳ ዝረድአኒ የለን።”

Currently Selected:

ዳንኤል 10: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in