ቈላስይስ መእተዊ
መእተዊ
እዛ መልእኽቲ ጳውሎስ እዚኣ ዝተፅሓፈት፥ ካብ ኤፌሶን ብወገን ምብራቕ፥ ኣብ ንእሽቶይ እስያ እትርከብ፥ ኣብ ቈላስይስ ናብ ዘላ ቤተ ክርስቲያን እያ። እዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ፥ ብስብከት ጳውሎስ ዝቖመት ኣይነበረትን። እንተ ኾነ ጳውሎስ ካብታ ግዝኣት ሮም፥ ኣብ እስያ ዓባይ ከተማ ዝኾነት፥ ካብ ኤፌሶን ኣገልገልቲ ይልእኽ ስለ ዝነበረ፥ ሓላፍነት ይስምዖ ነበረ። ጳውሎስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቈላስይስ “ንእግዚኣብሄር ንምፍላጥን፥ ምሉእ ድሕነት ንምርካብን፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ንናይ መናፍስቲ ሓይላትን ስልጣናትን፥ ክሰግድ ኣለዎ” ዝብሉ ሓሰውቲ መምህራን ምንባሮም ሰሚዑ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እዙይ፥ እዞም መምህራን እዚኣቶም፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ከም ግርዘት ንዝመሳሰሉ ስርዓታት ክፍፅም፥ ብዛዕባ ምግብን ካልእ ነገራትን ንዝምልከት ሕጊ፥ ብፅኑዕ ክሕሉ ኣለዎ ይብሉ ነበሩ።
ጳውሎስ ከዓ፥ ነዝ ትምህርቲ እዙይ ንምቅዋም፥ ሓቀኛ ትምህርቲ ክርስትና ዝሓዘ መልእኽቲ ፀሓፈ። እቲ ዘቕረቦ ዓብዪ ነገር ከዓ “ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምሉእ ድሕነት ክህብ ይኽእል እዩ፤ እዝ ካልእ እምነትን ተግባራትንውን፥ ካብኡ ኸርሕቕ ይኽእል” ዝብል እዩ። እግዚኣብሄር ንዓለም ብክርስቶስ ፈጠሮ፤ ብክርስቶስ ገይሩ ኸዓ፥ ናብኡ ይመልሶ ኣሎ። ዓለም ናይ ምድሓን ተስፋ ዝህልዎ፥ ምስ ክርስቶስ ብምሕባር ጥራሕ እዩ። በዙይ መሰረት፥ ጳውሎስ እዝ ዓብዪ ትምህርቲ እዙይ፥ ኣብ ህይወት ኣመንቲ፥ ከመይ ገይሩ ኽትርጐም ከም ዝኽእል የረድእ።
ነዝ መልእኽቲ እዙይ ካብ ጳውሎስ ተቐቢሉ፥ ናብ ቈላስይስ ከብፅሕ፥ ምስ ቲኪቆስ ሓቢሩ ዝተልኣኸ ኣናሲሞስ ነበረ። ብዛዕባ እዝ ኣናሲሞስ ዝተብሃለ ሓሽከር ከዓ፥ ጳውሎስ ስሙ ጠቒሱ፥ ናብ ፊልሞና ካልእ መልእኽቲ ፅሒፉ ኣሎ።
ትሕዝቶ
1. መእተዊ 1፡1-8
2. ናይ ክርስቶስ ባህርይን ተግባሩን 1፡9-2፡19
3. ብክርስቶስ ዝርከብ ሓድሽ ህይወት 2፡20-4፡6
4. መደምደምታ 4፡7-18
Currently Selected:
ቈላስይስ መእተዊ: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in