YouVersion Logo
Search Icon

ቈላስይስ 3

3
ናብራ ቕድስና
1 # ኤፌ. 1፡20። እምበኣር ምስ ክርስቶስ፥ ካብ ሞት ተሲእኹም እንተ ደኣ ዄንኹም፥ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐሚጥዎ ዘሎ፥ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። 2ኣእምሮኹም፥ ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፥ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። 3#ማቴ. 6፡19፥ ሮሜ 6፡2፥11፥ ገላ. 2፡20። ንስኻትኩም ሞይትኹም ኢኹምሞ፥ ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ኣሎሞ። 4#ዮሓ. 3፡2። እቲ ህይወትና ዝኾነ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለፁ ኢኹም።
5 # ገላ. 5፡24። ስለዙይ ኣባኻትኩም ንዘሎ ምድራዊ ድልየትኩም ቅተሉ፤ እዙይ ከዓ፦ ዝሙት፥ ርኽሰት፥ ፍትወት ስጋ፥ ክፉእ ትምኒት፥ እቲ ኣምልኾ ጣዖት ዝኾነ ስስዐ እዩ። 6#ኤፌ. 5፡6። ብሰንኪ እዝ ነገራት እዙይ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይእዘዙ ውሉድ ክወርድ እዩ። 7#ኤፌ. 2፡2፥ ቲቶ 3፡3። ንስኻትኩምውን፥ ቀደም ነዝ ነገራት እዙይ እናገበርኩም ትነብሩ ኔርኩም። 8#ኤፌ. 4፡29። ሕዚ ግና ንስኻትኩም፥ ቍጥዓ፥ ንደት፥ ክፍኣት፥ ካብ ኣፍኩም ፀርፊ፥ ዘፀይፍ ዘረባን፥ ነዚኣቶም ኵሎምን፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ። 9-10#ኤፌ. 4፡24-25። ከምኡውን ነቲ ኣረጊት ሰብነት፥ ምስ ኵሉ ግብሩ ቐንጢጥኩም፥ ነቲ ንፈጣሪኡ ምእንቲ ኽመስል፥ ብፍልጠት ዝሕደስ ዘሎ ሓድሽ ሰብነት ስለ ዝለበስኩም፥ ንስንሳትኩም ኣይትተሓሳሰዉ። 11#ገላ. 3፡28። ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፥ ኣብኡስ ግሪካውን ኣይሁዳውን፥ ግሩዝን ዘይግሩዝን፥ ዝሰልጠነን ዘይሰልጠነ ኣረማውን፥ ባርያን ጭዋን ዝብል፥ ኣፈላላይ የለን።
12 # ኤፌ. 4፡1-2። እምበኣር እግዚኣብሄር ዝሓረዮም ቅዱሳንን ፍቑራትን ህዝቢ ኸም ምዃንኩም፥ ምሕረት፥ ለውሃት፥ ትሕትና፥ ሕያዋይነት፥ ትዕግስቲ፥ ልበሱ። 13#ኤፌ. 4፡32። ንስንሳትኩም ተኸኣኣሉ፤ ሓደ ሰብ፥ ኣብ ካልእ ቅር ዘብል ነገር እንተ ሃልይዎ፥ ይቕረ ተበሃሃሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ይቕረ በሉ። 14#ሮሜ 13፡8፥ 1 ጴጥ. 4፡8። ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ መእሰሪ ፍፁምነት እያ እሞ፥ ንፍቕሪ ልበስዋ። 15#ኤፌ. 2፡14፥ ፊልጵ. 4፡7። ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኴንኩም፥ ንሰላም ተፀዊዕኹም ኢኹም እሞ፥ ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፤ ኣመስገንቲ እውን ኩኑ። 16#ኤፌ. 5፡19። ቃል ክርስቶስ ብምልኣት ይሕደርኩም፤ ብዅሉ ጥበብ ንስንሳትኩም ተመሃሃሩን ተመዓዓዱን፤ መዝሙርን ቅኔን መንፈሳዊ ዜማን፥ ብልብኹም ንእግዚኣብሄር ዘምሩ። 17#1 ቆሮ. 10፡31፥ ኤፌ. 5፡20። ብቓል ኮነ ወይ ብግብሪ እትገብርዎ ዅሉ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግበርዎ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኣመስግንዎ።
ኣመራርሓ ስድራ ክርስቲያን
(ኤፌ. 5፡22—6፡91 ጴጥ. 2፡18—3፡7)
18ኣትን ኣንስቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ብዘብል መንገዲ፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። 19ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ፍተዉወን፤ መረርቲ እውን ኣይትኹንወን። 20ኣቱም ውሉድ፥ ንእግዚኣብሄር የሐጕስ እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም። 21ኣቱም ወለዲውን፥ ተስፋ ምእንቲ ኸይቘርፁ፥ ንደቕኹም ኣይተቘጥዕዎም። 22ኣቱም መገልገልትውን፥ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩም ዝኾኑ፥ ንገፅ ረአ፥ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኮነስ፥ ብቕኑዕ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራሕኹም፥ ብዅሉ ተኣዘዝዎም። 23-24#ሮሜ 12፡11። ነቲ ርስቲ፥ ከም ዓስቢ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ ፈሊጥኩም፥ ኵሉ እትገብርዎ፥ ንሰብ ዘይኮነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፥ ካብ ልቢ ግበርዎ። እቲ እተገልግልዎ ጐይታ፥ ክርስቶስ እዩ እሞ። 25እቲ ኽፉእ ዝገበረ፥ ክንዲ እቲ ኽፉእ ግብሩ ኽፍደ እዩ፤ ኣብ እግዚኣብሄር ኣድልዎ የለንሞ።

Currently Selected:

ቈላስይስ 3: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in