ቈላስይስ 1
1
1ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ ኻብ ዝኾነ ጳውሎስን፥ ካብ ሓውና ጢሞቴዎስን፥ ናብቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ኣሕዋትናን፥ ኣብ ቈላስይስ ዘለዉ ቕዱሳንን፥ 2ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ይኹነልኩም።
ፀሎትን ምስጋናን
3-4ብዛዕባ እታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘላትኩም እምነትን፥ ንዅሎም ምእመናን ዘለኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፥ ኵልሻዕ ምእንታኻትኩም እንትንፅሊ፥ ንእግዚኣብሄር፥ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ነመስግኖ ኣለና፤ 5እቲ ቓል ሓቂ ዝኾነ ወንጌል፥ ቅድሚ ሕዚ ናባኻትኩም ምስ መፀ፥ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝህቦ ተስፋ ሰሚዕኹም ኔርኩም። ስለዙይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን፥ ኣብቲ ኣብ ሰማይ ተዓቝሩልኩም ዘሎ ተስፋ ዝተመስረተ እዩ። 6#ማቴ. 24፡14፥ ማር. 4፡8፥ ሮሜ 10፡17-18። ከምቲ ወንጌል ኣብ ኵሉ ዓለም ፍረ የፍርን ይጋፋሕን ዘሎ፥ ካብታ ፀጋ እግዚኣብሄር ዝሰማዕኹምላን፥ ሓቂ ምዃና ዝተረዳእኹምላን መዓልቲ ጀሚሩ፥ ኣባኻትኩምውን ፍረ የፍርን ይሰፍሕን ኣሎ። 7#ቈላ. 4፡12። እቲ ፍቑር መሳርሕትና ኤጳፍራስ እዩ፥ ነዙይ ዝመሃረኩም። ንሱ፥ ክንዳኻትኩም #1፡7 ክንዳኻትኩም፦ ገሊኣቶም ብራናታት “ክንዳና” ይብሉ። እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ እዩ። 8ብዛዕባ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዘለኩም ፍቕሪውን ዝነገረና፥ ንሱ እዩ።
9 #
ሮሜ 12፡2። ስለዙይውን እዩ፥ ንሕና ኻብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፥ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ፥ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ምስትውዓልን ክመልአኩም፥ ብዛዕባኻትኩም ካብ ምፅላይ፥ ኣቋሪፅና ኣይንፈልጥን። 10#ኤፌ. 4፡1። ብዅሉ ሰናይ ተግባር ፍረ እናፈረኹም፥ ንእግዚኣብሄር ብምፍላጥ እናዓበኹም፥ ንእኡ ብዝበቅዕ ህይወት እናነበርኩም፥ ንጐይታ ብዅሉ ምእንቲ ኽተሐጕስዎ፥ ንፅሊ ኣለና። 11#ኤፌ. 3፡16። በቲ ኽቡር ሓይሉ፥ ብዙሕ ትዕግስትን ፅንዓትን ረኺብኩም፥ ብዅሉ ሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፥ 12በቲ ግደ ርስቲ ቕዱሳን፥ ብብርሃን ክንሳተፍ ዘብቅዐና ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ክተመስግኑ ንፅሊ ኣለና። 13#ኤፌ. 2፡6። ንሱ፥ ካብ ናይ ፀልማት ስልጣን ኣውፅአና፤ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱውን ኣእተወና። 14#ኤፌ. 1፡7። ንሱ ብደሙ ተቤዘወና፥ እዙይውን ስርየት ሓጢኣት እዩ።
ክርስቶስ ልዕሊ ዅሉ እዩ
15 #
ዮሓ. 14፡9፥ 2 ቆሮ. 4፡4፥ ራእይ 3፡14። ክርስቶስ ናይቲ ዘይረአ እግዚኣብሄር ኣምሳልን፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት በዅርን እዩ። 16#ዮሓ. 1፡3። ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ፥ ዝረአን ዘይረአን፥ ሓይልታት ይኹኑ ገዛእቲ፥ ኣሕሉቕ ይኹኑ ስልጣናት፥ ኵሎም ብእኡ ዝተፈጥሩ እዮም እሞ፥ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ ዝተፈጥረ። 17#ሮሜ 11፡36፥ ዕብ. 1፡3። ንሱ ኸዓ፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት ዝነበረ እዩ፤ ኵሉ ፀኒዑ ዝቖመውን ብእኡ እዩ። 18#1 ቆሮ. 15፡20፥ ኤፌ. 1፡22። ንሱ፥ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፥ ርእሲ እዩ፤ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ክኸውን፥ ንሱ መጀመርታ፥ ካብ ምዉታትውን በዅሪ እዩ። 19#ቈላ. 2፡9። ናይ መለኮት ምልኣት ኣብ ወዱ ምእንቲ ኽሓድር፥ ናይ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ፍቓድ ኮይኑ እዩሞ። 20#2 ቆሮ. 5፡18። እግዚኣብሄር፥ በቲ ወዱ ኣብ መስቀል፥ ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ፤ ነቲ ዅሉ ኣብ ምድሪ ዘሎን፥ ኣብ ሰማያት ዘሎን፥ ምስ ባዕሉ ዓረቖ።
21 #
ሮሜ 5፡10፥ ኤፌ. 2፡1-3። ንስኻትኩም፥ ቀደም ካብ እግዚኣብሄር ዝረሓቕኩም፥ ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን፥ ፀላእቱ ነበርኩም። 22ንሱ ግና፥ ነውርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸቑመኩም፥ ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ዓረቐኩም። #1፡22 ዓረቐኩም፦ ግእዝ “ተዓረቐኩም” ይብል። 23#ኤፌ. 1፡4፥ 5፡27፥ ዕብ. 3፡14። እዙይ ከዓ ተመስሪትኩምን ደልዲልኩምን፥ ካብቲ ብወንጌል ዝረኸብኩምዎ ተስፋ እንተይተነቓነቕኩም፥ ኣብ እምነትኩም እንተ ፀኒዕኹም እዩ። እዙይ ከዓ፥ እቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጥረት ዝተሰብከ፥ ወንጌል እዩ፤ ኣነ ጳውሎስውን፥ ነዝ ወንጌል ኣገልጋሊ ኾንኩ።
ኣገልግሎት ጳውሎስ
24 #
ፊልጵ. 2፡17፥ 2 ቆሮ. 1፡5-6፥ ኤፌ. 3፡13፥ 2 ጢሞ. 2፡10። ሕዚ ኸዓ ምእንታኻትኩም መከራ ብምቕባለይ እሕጐስ ኣለኹ። ምእንቲ እታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ከዓ፥ ነቲ ኻብ ክርስቶስ መከራ ዝተረፈ፥ ብስጋይ እምልእ ኣለኹ። 25#ኤፌ. 3፡7። ከምቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበኒ መጋቢነት፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ብምልኣት ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ ኾንኩ። 26#ሮሜ 16፡24-25፥ 1 ቆሮ. 2፡7። እዝ ምስጢር እዙይ፥ ካብ ዘለኣለም፥ ንውሉድ ወለዶ ተሰዊሩ ነበረ፤ ሕዚ ግና፥ ንቕዱሳኑ ተገልፀ። 27#ኤፌ. 3፡8፥17። እግዚኣብሄር ነዚኣቶም፥ እዝ ምስጢር እዙይ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፥ ሃብቲ ኽብሩ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ኸም ዝኾነ፥ ከፍልጦም መረፀ። እዝ ምስጢር ከዓ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ናይ ክብሪ ተስፋ ዝኾነ ክርስቶስ እዩ። 28#ግ.ሓ. 20፡20፥ 2 ቆሮ. 11፡2፥ ኤፌ. 4፡13። ንሕና ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ፍፁም ጌርና ምእንቲ ኽነቕርብ፥ ብጥበብ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፥ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና፥ ንእኡ ንሰብኽ ኣለና። 29#1 ቆሮ. 15፡10። ነዙይ ድማ፥ በቲ ንሱ ኣብ ውሽጠይ ብሓይሊ ዝገብሮ ዘሎ ዅሉ ተግባራት፥ እናተጋደልኩ እፅዕር ኣለኹ።
Currently Selected:
ቈላስይስ 1: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: