ኣሞፅ 8
8
ራእይ ፍረ ዝመልአ ኸፈር
1ጐይታ እግዚኣብሄር ነዙይ ኣርኣየኒ፦ እንሆ ኸዓ ፍረ ቐሪም ዝመልአ ኸፈር ነበረ። 2እግዚኣብሄር ከዓ “ኣታ ኣሞፅ፥ እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ።
ኣነ ኸዓ “ፍረ ዝመልአ ኸፈር እርኢ ኣለኹ” በልኩ።
እግዚኣብሄር ከዓ “ናይ ህዝበይ እስራኤል መወዳእታ በፂሑ እዩ።
ድሕሪ ደጊም ሸለል ኢለ ኣይሓልፎምን እየ” በለኒ።
3“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ዝማሬ ቤተ መቕደስ፥
ናብ ብኽያት ክልወጥ እዩ፤
ሬሳታት ሰብ ክበዝሕ እዩ፤
ኣብ ኵሉ ቦታ ኸዓ፥ ብስቕታ ኽድርበዩ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ጥፍኣት እስራኤል
4ንስኻትኩም ኣቱም ነቲ ምስኪን እትውሕጡ፥ ነቶም ፅጉማት እታ ሃገርውን ክተጥፍኡ እትደልዩ፥ 5ንስኻትኩም “መስፈሪ እናንኣስና፥ ሕልፊ እናኽፈልና፥ ብሓሳዊ ሚዛን እናጠበርና እኽሊ ኽንሸይጥስ፥ ሰርቂ ወርሒ መኣዝ ኮን ይሓልፍ? ቆፎ ስርናይ ክንከፍትከ፥ ሰንበት መኣዝ ኮን ትሓልፍ?” እትብሉ፤ 6“ጕርዲ ስርናይ ክንሸይጥ ኢና፤ ነቲ ድኻ፥ ብብሩር፥ ነቲ መስኪን ከዓ፥ ብሓንቲ ፅምዲ ሳእኒ ኽንገዝኦ ኢና” እትብሉ ነዙይ ስምዑ።
7እግዚኣብሄር ብኽብሪ ያእቆብ ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ኣነ ንዅሉ ግብሮም ንዘለኣለም ከቶ ኣይርስዖን እየ፤ 8እዛ ምድሪ እዚኣ በዝ ምኽንያት እዙይዶ ኣይተንቀጥቅጥን እያ? እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዅላቶምከ ኣይሓዝኑንዶ? ንሳ ብምልእታ ኸም ወሓዚ ኽትለዓል፥ ከም ፈለግ ግብፂ መሊኣ ቐምበይ ቀምበይ ክትብልን፥ ጐዲላ ኸዓ ትሕት ክትብልን እያ። 9በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ቀትሪ እንተሎ ንፀሓይ ከዕርባ፥ ድሙቕ መዓልቲ እንተሎውን ንምድሪ ኸፀልምታ እየ፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር። 10ንበዓላትኩም ድማ ናብ ሓዘን፥ ንዅሉ መዝሙርኩም ከዓ ናብ ብኽያት ክልውጦ እየ፤ ኵሉ ጐድኒ ወጮ ኸም ዝኽደን፥ ኵሉ ርእሲ ድማ ኸም ዝንፀ ኽገብር እየ። ብሞት ሓደ ውሉዶም ከም ዝሓዝኑ፥ መወዳእታውን ከም መራር መዓልቲ ኽገብር እየ።
11“እንሆ፥ ኣነ ናብታ ምድሪ ጥሜት ዝሰደለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር። እዝ ጥሜት እዙይ ግና ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር፥ ጥሜት እንጀራን ፅምኢ ማይን ኣይኮነን። 12ሰባት ቃል እግዚኣብሄር ክደልዩ፥ ናብዙይን ናብቱይን ክጐዩ እዮም። ካብ ባሕሪ ናብ ባሕሪ፥ ካብ ሰሜን ናብ ምብራቕ ኰለል ክብሉ እዮም፤ ግና ኣይረኽብዎን። 13በታ መዓልቲ እቲኣ እተን ፅቡቓት ደናግልን እቶም ኣጓብዝን ብፅምኢ ኸሕለልዉ እዮም። 14እቶም ‘ኣታ ዳን ኣምላኽካ ህያው እዩ’ ወይ ‘መንገዲ ቤርሳቤህ ህያው እዩ’ እናበሉ ብሓጢኣት ሰማርያ ዝምሕሉ ኽወድቁ እዮም፤ መሊሶምውን ኣይትስኡን እዮም።”
Currently Selected:
ኣሞፅ 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: