ኣሞፅ 6
6
ጥፍኣት እስራኤል
1እቶም ኣብ ፅዮን ሃዲኦም ዝቕመጡ፥ ኣብ እምባ ሰማርያ ድማ ተኣማሚኖም ዝነብሩ ቤት እስራኤል፥ ናብኣቶም ዝመፁዎም፥ መራሕቲ ኣህዛብ ወይለኦም! 2ናብ ካልኔ ሕለፉን ጠምቱን፤ ካብኡ ድማ ናብታ ዓባይ ከተማ ሃማት ኪዱ፤ ቀፂልኩም ከዓ ናብ ጌት ከተማ ፍልስጥኤማውያን ውረዱ። ንሳተን ካብዘን መንግስታት እዚኣተን ይሐሻ ዲየን? ወይ ወሰናተን ካብ ወሰናታትኩምዶ ይሰፍሕ እዩ? 3ንኽፍእቲ መዓልቲ ኻባኻትኩም ንእተርሕቑ፥ ወንበር ዓመፅ ንተቕርቡ፥ 4ኣቱም ብስኒ ሓርማዝ ኣብ ዝተሰርሐ ዓራት እትድቅሱ፥ ኣብ ልዕሊ መንፀፍኩም ድማ ተደላዲልኩም ንእትቕመጡ፥ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጥቦታት፥ ካብ ደምበ ኸፍቲ ምራኹት እትበልዑ፥ 5ብበገና እትደርፉ ኸም ዳዊት መሳርሒ ሙዚቃ እተዳልዉ፥ 6ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ እትሰትዩ፥ ዝተመረፀ ሽቱ ኸዓ እትቕብኡ፥ ብመከራ ዮሴፍ ግና ዘይትሓዝኑ ወይለኹም!
7“ስለዙይ ሕዚ ምስቶም ኣቐዲሞም ዝማረኹ ኽትማረኹ ኢኹም። እቲ ኣብ ማእዲ እተውክዕዎ ዝነበርኩም ድማ ኽውዳእ እዩ።”
8ኣምላኽ ሰራዊት ጐይታ እግዚኣብሄር “ንትዕቢት ያእቆብ እፅየፎ እየ፤ ኣደራሻቱ ኸዓ ፀላእኹ። ነታ ኸተማውን ምስቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ፥ ኵሉ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ” ኢሉ ብርእሱ መሓለ።
9ከምዙይ ድማ ክኸውን እዩ፦ ኣብ ሓንቲ ቤት ዓሰርተ ሰባት እኳ እንተ ተረፉ ኽሞቱ እዮም። 10ዘመድ እቲ መዋቲ ምስ እቲ ዘቃፅሎ ሰብ፥ ነቲ ሬሳ ኻብ ገዛ ኸውፅኦ ምሰልዓሎ፥ ነቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዘሎ ኸዓ “ገናዶ ዝኾነ ሰብ ምሳኻ ኣሎ” ኢሉ ኽጥይቖ እዩ። ንሱ ድማ ሽዑ “ሓደ እኳ የለን” ኢሉ ኽምልሰሉ እዩ። እቱይ ድማ “ስም እግዚኣብሄር ክንሰሚ ኣይግብአናን እዩ እሞ፥ ስቕ በል” ክብሎ እዩ።
11እንሆ፥ እግዚኣብሄር ክእዝዝ እዩ እሞ፥ እታ ዓባይ ቤት ክትፈርስ፥ እታ ንእሽተይ ቤት ከዓ ምእንቲ ኽትደቅቕ ክውቅዓ እየ። 12ኣፍራስዶ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ይጋልቡ እዮም? ኣብዑርከ ኣብ ልዕሊኡዶ ይሓርሱ እዮም? ንስኻትኩም ግና ንፍርዲ ናብ መርዚ፥ ንፍረ ፅድቂ ናብ ዕረ ለወጥኩምዎ።
13ንስኻትኩም “ብኸንቱ ነገር እትሕጐሱ፥ ብሓይልናዶ ኣይኮናን ኣቕርንቲ ዝወሰድና እትብሉ ዘለኹም።
14“ስለዙይ ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፥ እንሆ ህዝቢ ኸተስአልኩም እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኻብቲ መእተዊ ሃማት ጀሚሮም፥ ክሳዕ ሩባ ዓረባ ከጨንቑኹም እዮም” ይብል ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
Currently Selected:
ኣሞፅ 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: