ኣሞፅ 4
4
1ኣትን ኣብ እምባ ሰማርያ እትነብራ፥ ንድኻታት እተጥቅዓ፥ ሽግረኛታትውን እተጨንቓ፥ ንጐይተቶም ድማ “ኣምፅኡ ንስተ” እትብላ፥ ኣላሕም ባሳን እዝ ቃል እዙይ ስምዓ። 2ጐይታ እግዚኣብሄር ንኣኻትክን ብመሳርሒ ውግእ፥ ተረፋትክንውን ብመቝለብ እትሰሓባለን መዓልቲታት ክመፃ እየን ኢሉ፥ ብቕድስናኡ መሓለ። 3ንስኻትክን ነፍሲ ወከፍክን በቲ ኣብ ቅድመኽን ዝተነፀለ መንደቕ ክትወፃ ኢኽን፤ ናብ ሬማንውን ክትድርበያ ኢኽን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እስራኤላውያን ካብ ስሕተቶም ኣይተምሃሩን
4ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ነዙይ ፈቲኹም ኢኹምሞ፥ ናብ ቤቴል ንዑ እሞ ሓጢኣት ግበሩ፤ ናብ ጌልጌላውን ኪዱሞ ሓጢኣት ኣብዝሑ። ንግሆ ንግሆ መስዋእትኹም፥ ኣብ ሰሳልስቲ መዓልቲ ኸዓ ኣስራትኩም ኣቕርቡ። 5መባኵዕቲ ዘለዎ መስዋእቲ ምስጋና ኸዓ ኣቕርቡ። ብፍቓድኩም ንተቕርብዎ ውህብቶ ኣውጁን ኣውርዩን፤ ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
6“ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ስኒ ምፅራይ፥ ኣብ ኵለን ስፍራታትኩምውን እንጀራ ምስኣን ሃብኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።
7“ቀውዒ እንተይበፅሐ ቕድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝናም ከላእኩኹም። ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኸተማ ኣዝነምኩ፤ ኣብታ ኻልእ ከተማ ግና ኣየዝነምኩን። ኣብ ሓደ ወገን ዘነመ፤ ኣብቲ ኻልእ ወገን ግና ኣይዘነመን፤ ስለዙይውን ሃጐጐ። 8ናይ ክልተ ወይ ናይ ሰለስተ ኸተማታት ሰባት ናብ ሓንቲ ኸተማ ማይ ክሰትዩ ኸዱ፥ ግና ኣይረወዩን፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።
9“ብሃጕን ብሕሞድያን ወቓዕኩኹም፤ ንብዝሒ ኣትኽልትኻትኩምን ወይንኻትኩምን ኣዋልዕኹምን ኣንበጣ በልዖ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።
10“ከምቲ ኣብ ግብፂ ዝገበርክዎ፥ መቕሰፍቲ ለኣኽኩልኩም፤ ኣጓብዝኩም ኣብ ኲናት ከም ዝቕተሉ፥ ኣፍራስኩም ከም ዝማረኹ ገበርክዎም። ነቲ ናይ ሰፈርኩም ብድብድ ናብ ኣፍንጫኹም ኣውፃእኹ፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።
11 #
ዘፍ. 19፡24። እግዚኣብሄር “ከምቲ ንሰዶምን ንገሞራን ኣቐዲመ ዝገልበጥኩወን፥ ገልበጥኩኹም፤ ንስኻትኩም ከዓ ኻብ ሓዊ ኸም ዝተመንጠለ ትንታግ ኮንኩም፤ ግና ንስኻትኩም ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።
12“ስለዙይ ኣታ እስራኤል፥ ኣነ ኸምዙይ ክገብረካ እየ፤ ከምዙይ ስለዝገብረካውን ኣታ እስራኤል፥ ኣምላኽካ ንኽትራኸብ ተዳሎ።”
13ንእምባታት ዝሰርሐ፥ ንንፋሳት ከዓ ዝፈጠረ፥
ሓሳቡውን ንሰብ ዝነግር፥
ንወጋሕታ ፀልማት ዝገብር፥
ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታታት ምድሪ እውን ዝረግፅ፥
ስሙ ኣምላኽ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
Currently Selected:
ኣሞፅ 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in