ኣሞፅ 2
2
ሞኣብ
1እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣዕፅምቲ ንጉስ ኤዶምያስ ሓመድ ክሳዕ ዝኸውን ኣቃፂልዎ እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ሞኣብ፥ መቅሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን። 2ስለዙይ ኣነ ናብ ምድሪ ሞኣብ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ቂርዮት ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ። ሞኣብ ድማ ብዕግርግርን ብኣውያትን፥ ብድምፂ መለኸትን ክመውት እዩ። 3#ኢሳ. 15፡1—16፡14፥ 25፡10-12፥ ኤር. 48፡1-47፥ 25፡8-11፥ 2፡8-11። ንፈራዲኣ ኻብ ማእኸላ ኸጥፍእ እየ፤ ምስኡ ድማ ንዅሎም ኣሕሉቓ ኽቐትል እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
ይሁዳ
4እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሕጊ እግዚኣብሄር ጥሒሶም እዮምሞ፥ ትእዛዛተይውን ኣይሓለዉንሞ፥ ኣቦታቶም ዝተኸተልዎ ሓሰቶም ኣስሒትዎም እዩሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት ይሁዳ፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን። 5ስለዙይ ናብ ይሁዳ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻት ኢየሩሳሌም ከዓ ህሙኽ ከብሎ እዩ።”
ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል
6እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ነቲ ፃድቕ ስለ ገንዘብ፥ ነቲ ፅጉም ድማ ስለ ሓደ ፅምዲ ሳእኒ ሸይጦምዎ እዮምሞ፥ ስለ ሰለስተ ወይ ስለ ኣርባዕተ ሓጢኣት እስራኤል፥ መቕሰፍተይ ካብ ምግባር ኣይምለስን። 7ንርእሲ ድኻታት ኣብ ልዕሊ ሓመድ ምድሪ ይረግፅዎ። ንመንገዲ ትሑታት ይጠዋውይዎ። ነቲ ቕዱስ ስመይ ከርክስዎ ኸዓ፥ ኣቦን ወድን ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ይኣትዉ። 8ኣብቲ ጥቓ ዅሉ መሰውኢ፥ ነቲ ብትሕጃ ዝተወሰደ ኽዳውንቲ ተነፂፎምዎ ይድቅሱ፤ ኣብ ውሽጢ ቤት ኣምላኾም ድማ፥ ነቲ ንኻሕሳ ዝተወሰደ ወይኒ ይሰትዩ።
9 #
ዘዳ. 3፡8-11። “ኣነ ግና፥ ነቲ ቑመቱ ኸም ቁመት ዝግባ፥ ምፅንዑ ድማ ኸም ኣውሊዕ ንዝነበረ ኣሞራዊ፥ ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፋእኽዎ። ንፍረኡ ኻብ ላዕሊ፥ ንሰራውሩውን ካብ ታሕቲ ኣጥፋእኽዎ። 10ምድሪ እቲ ኣሞራዊ ምእንቲ ኽትወርሱ፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፃእኹኹም፤ ኣርብዓ ዓመት ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳ መራሕኩኹም። 11#ዘሑ. 6፡1-8። ካብ ኣወዳት ደቅኹም ንነቢያት፥ ካብ ኣጓብዝኩም ከዓ ንናዝራውያን #2፡11 ናዝራውያን፦ ዘሑ. 6፡1-8 ረአ። ኣተሳእኹ። ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ እዙይ ከምኡዶ ኣይኮነን? ይብል እግዚኣብሄር። 12ንስኻትኩም ግና ነቶም ናዝራውያን ወይኒ ኣስተኹምዎም፤ ንነቢያት ከዓ ‘ኣይትነበዩ’ ኢልኩም ኣዘዝኩምዎም። 13እንሆ፥ ከምቲ እንዳእቲ ዝመልአት ሰረገላ እትስጕድ፥ ከምኡ ኣነውን ክስጕደኩም እየ። 14ካብ ጐያዪ ህድማ ይጠፍእ፤ ብርቱዕውን ብብርተዐኡ ኣይብርትዕን፤ እቲ ሓያልውን ንነፍሱ ኣየድሕንን። 15በዓል ቀስቲ እውን ኣይቐውምን፤ እቲ ፈጣንውን ኣይድሕንን፤ ፈረሰኛውን ንባዕሉ ኣየድሕንን። 16ኣብ ማእኸል እቶም ሓያላትውን፥ እቲ የመና ተባዕ እኳ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራሕ ዝባኑ ይሃድም” ይብል እግዚኣብሄር።
Currently Selected:
ኣሞፅ 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in