ግብሪ ሃዋርያት 28
28
ጳውሎስ ኣብ ደሴት መላጥያ
1ብድሓን ናብ ምድሪ ምስ በፃሕና፥ እታ ደሴት “መላጥያ” #28፡1 መላጥያ፦ ወይ “ማልታ” ከም እትብሃል ፈለጥና። 2እቶም ደቂ ዓዲ ድማ፥ የመና ራህርሁልና፤ ፅቡቕ ድማ ገበሩልና፤ ሽዑ ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረ፥ ቍሪውን ስለ ዝነበረ፥ ሓዊ ኣንዲዶም ብፅቡቕ ተቐበሉና። 3ጳውሎስ ከዓ፥ ብዙሕ ጭራሮ ኣኪቡ፥ ናብ ሓዊ ኸእቱ እንተሎ፥ ካብ ሙቐት እቲ ዝነድድ ሓዊ ዝተልዓለ፥ ኣፍዑት ወፂኣ ንኢዱ ነኺሳ ተንጠልጠለት። 4እቶም ደቂ ዓዲ ኸዓ፥ እታ ኣፍዑት ኣብ ኢዱ ኣንጠልጢላ ምስ ረአዩዋ፥ ንስንሳቶም “እዝ ሰብኣይ እዙይ ብርግፅ ቀታሊ ነፍሲ እዩ፤ ካብ ባሕሪ እኳ እንተ ደሓነ፥ ፍርዲ እግዚኣብሄር ብህይወት ክነብር ኣይሓደጎን” ተበሃሃሉ። 5#ሉቃ. 10፡19። ጳውሎስ ግና ነታ ኣፍዑት፥ ናብቲ ሓዊ ነፀጋ፤ ሓደኳ ጕድኣት ኣይረኸቦን። 6ንሳቶም ግና ዝሓብጥ እሞ፥ ሽዑ ንሽዑ ዝመውት መሲልዎም ነበረ። እናረአይዎ ድማ ንነዊሕ ጊዜ ፀንሑ፤ ዝኾነ ጕድኣት ከም ዘይበፅሖ ምስ ረአዩ፥ ቃሎም ለዊጦም “እዙይስ ኣምላኽ እዩ” በሉ።
7ኣብታ ቦታ፥ ፑፕልዮስ ዝበሃል ገዛኢ እታ ደሴት ከዓ፥ ኣብ ጥቓ እታ ስፍራ እቲኣ መሬት ነበሮ። ንሱ ብፅቡቕ ተቐቢሉ ንሰለስተ መዓልቲ፥ ኣብ ገዛኡ ኣአንገደና። 8ኣቦ ፑፕልዮስ ድማ፥ ረስንን ውፅኣትን ሓሚሙ ነበረ፤ ጳውሎስ ከዓ ናብኡ ኣትዩ ፀለየሉ፤ ኣእዳዉ ኣንቢሩውን ኣሕወዮ። 9ከምኡውን ኣብታ ደሴት ዝነብሩ ሕሙማት፥ ናብኡ እናመፁ ተፈወሱ። 10ንሳቶም ከዓ ብዙሕ ኣኽበሩና፤ ብመርከብ ክንለዓል እንተለናውን፥ ንጕዕዞና ዘድልየና ዅሉ ሂቦም፥ ኣፋነውና።
ጳውሎስ ናብ ሮሜ ከም ዝበፅሐ
11ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኸዓ፥ በታ ኣብታ ደሴት ከሪማ ዝነበረት፥ ናይ ዲዮስቆሮስ ዝተብሃለት፥ ናይ መንታ ኣማልኽቲ ምልክት ዝነበራ መርከብ እስክንድርያ ጌርና ተልዓልና። 12ኣብ ሰራኩስ ምስ በፃሕና ድማ፥ ኣብኣ ሰለስተ መዓልቲ ፀናሕና። 13ካብኣ ሓሊፍና ኸዓ፥ ናብ ሬጊዩም ኣተና፤ ንፅባሒቱ ተልዒልና፥ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ንፋስ ደቡብ ነፈሰ እሞ፥ ብኻልአይቲ መዓልቲ ፑቲዮሉስ #28፡13 ኣብ ግእዝ “ናይ ሃገር ኢጣልያ” ዝብል ይርከብ። በፃሕና። 14ኣብኣ ድማ ኣሕዋት ረኸብና እሞ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ምስኣቶም ክንቅኒ ለመኑና፤ ብድሕሪኡ ናብ ሮሜ ከድና። 15እቶም ኣሕዋት ወረና ምስ ሰምዑ፥ ክሳዕ እቲ ኣጵያስ ዝበሃል ዕዳጋን ክሳዕ “ሰለስተ መሕደሪ” እትብሃል ቦታን መፂኦም ተቐበሉና፤ ጳውሎስ ከዓ ምስ ረአዮም፥ ንእግዚኣብሄር ኣመስገነ፤ የመናውን ተፀናንዐ።
ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ከም ዝሰበኸ
16ኣብ ሮሜ ምስ ኣተና ኸዓ፥ እቲ ሓለቓ ሚእቲ፥ ነቶም እሱራት፥ ንሓለቓ ሰራዊት ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንጳውሎስ ግና፥ ምስ ሓደ ዝሕልዎ ወታደር ንበይኑ ኽቕመጥ ፈቐደሉ።
17ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፥ ጳውሎስ ነቶም መራሕቲ ኣይሁድ ፀዊዑ ኣከቦም። ምስ ተኣከቡ ድማ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ምስ ህዝብና ኾነ ወይ ምስ ስርዓት ኣቦታትና፥ ዝፃረር ነገር እኳ ኣይገበርኩን፤ እንተ ኾነ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ብእሱረይ፥ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕሊፎም ሃቡኒ። 18ንሳቶም መርሚሮም፥ ናብ ሞት ዘብፅሕ ምኽንያት ምስ ሰኣኑለይ ከዓ፥ ክፈትሑኒ ደለዩ። 19ኣይሁድ ምስ ተቓወሙኒ ግና፥ ንህዝበይ ዝኸሰሉ ነገር ዘይብለይ እንተለኹ፥ ናብ ቄሳር ይግባይ ክብል ተገደድኩ። 20እምበኣር ብዛዕባ እታ ተስፋ እስራኤል እየ፥ በዝ መቝሕ እዙይ ተኣሲረ ዘለኹ። በዝ ምኽንያት እዙይ እየ ኸዓ፥ ክሪአኩምን ክዛረበኩምን ዝፀዋዕኩኹም” በሎም።
21ንሳቶም ከዓ “ንሕና ብዛዕባኻ፥ ካብ ሃገር ይሁዳ መልእኽቲ ኣይተቐበልናን፤ ካብ ኣሕዋትውን መፂኡ ዝገለፀልና ወይ ብዛዕባኻ ኽፉእ ዝነገረና የለን። 22ብዛዕባ እዛ እምነት እዚኣ ግና፥ ኣብ ኵሉ ቦታ ኸም ዝቃወምዋ፥ ንፈልጥ ኢና እሞ፥ እቲ ንስኻ እትሓስቦ፥ ካባኻ ኽንሰምዖ ንደሊ ኢና” በልዎ።
23 #
ግ.ሓ. 18፡5። መዓልቲ ምስተቛፀሩ ድማ፥ ብዙሓት ኮይኖም ናብታ ዝነብረላ ዝነበረ ገዛ መፁ። ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት፥ ካብ ሕጊ ሙሴን መፃሕፍቲ ነቢያትን፥ ብዛዕባ ኢየሱስ እናረድአ፥ ብዛዕባ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከዓ እናመስከረ ገለፀሎም። 24ገሊኣቶም ነቲ ዝተነግረ ኣመንዎ፤ ገሊኣቶም ግና ምእማን ኣበዩ። 25ጳውሎስ፥ ነዝ ዝስዕብ ቃል ምስ ተዛረበ፥ ንስንሳቶም ምስምማዕ ስኢኖም ተፈላለዩ፤ “መንፈስ ቅዱስ፥ ብነቢይ ኢሳይያስ ነቦታትኩም ከምዙይ እናበለ ዝተዛረቦም፥ ፅቡቕ ገበረ፦
26‘ናብዝ ህዝቢ እዙይ ኺድ እሞ፥
ምስማዕ ክትሰምዑ ኢኹም፤
ግና ኣይተስተውዕሉን፤
ምርኣይ ክትሪኡ ኢኹም፤
ግና ኣይትርድኡን፥ ኢልካ ንገሮም።
27 #
ኢሳ. 6፡9-10። በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣፅመሙ፤
በዒንቶም ከይሪኡ ኣዒንቶም ኣዐመቱ፤
ብልቦም ከየስተውዕሉ እሞ ኸይምለሱ፥
ኣነውን ከየሕውዮምስ፥
ልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ድንዙዝ እዩ።’
28 #
መዝ. 67፡2፥ ኢሳ. 52፡10፥ ግ.ሓ. 13፡46። “እምበኣርከስ፥ እዝ ምድሓን እግዚኣብሄር፥ ንኣህዛብ ከም ዝኸውን ፍለጡ፤ ንሳቶም ከዓ ኽቕበልዎ እዮም።” 29እዙይ ምስ ተዛረበ፥ ኣይሁድ ንስንሳቶም ብዙሕ እናተኻትዑ ወፁ።
30ጳውሎስ ከዓ፥ ኣብታ ዝተኻረያ ገዛ፥ ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፤ ነቶም ናብኡ ዝመፁ ዅሎምውን ይቕበሎም ነበረ። 31እንተይተኸልከለ ኸዓ፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ብብዙሕ ትብዓት ይሰብኽ፥ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ይምህር ነበረ።
Currently Selected:
ግብሪ ሃዋርያት 28: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in