YouVersion Logo
Search Icon

ግብሪ ሃዋርያት 25

25
ጳውሎስ ናብ ቄሳር ይግባይ ከም ዝበለ
1ፊስጦስ ናብታ ግዝኣቱ ቂሳርያ ምስ መፀ፥ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፥ ካብ ቂሳርያ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ። 2ሊቃነ ካህናትን መኳንንቲ ኣይሁድን ድማ፥ ብዛዕባ ጳውሎስ ነገርዎ። 3ኣብ መንገዲ ተፀናትዮም ክቐትልዎ መዲቦም ስለ ዝነበሩ ኸዓ “ንጳውሎስ ናብ ኢየሩሳሌም ስደደልና” ኢሎም ለመንዎ። 4ፊስጦስ ድማ፥ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ እዩ ዝሕሎ ዘሎ፥ ኣነ ኸዓ ቐልጢፈ ናብኡ ኽምለስ እየ ኢሉ መለሰሎም። 5“እምበኣር ካባኻትኩም ሓላፍነት ዘለዎም ወዳእቲ ነገር ምሳይ ይኺዱ እሞ፥ እቲ ሰብኣይ እቱይ፥ ዝኾነ በደል እንተ ሃልይዎ ኣብኡ ይኽሰስዎ” በሎም።
6ፊስጦስ ምስኣቶም ሸሞንተ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ቀነየ፥ ናብ ቂሳርያ ወረደ፤ ንፅባሒቱ ድማ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ፥ ንጳውሎስ ከምፅእዎ ኣዘዘ። 7ጳውሎስ ምስ መፀ ኸዓ፥ እቶም ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው በሉ። መርትዒ ኽረኽቡሉ ዘይኽእሉ፥ ብዙሕን ከቢድን ክሲ ድማ ኸሰስዎ።
8ጳውሎስ ድማ “ኣነ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ኣይሁድ ኮነ፥ ኣብ ልዕሊ ቤተ መቕደስ፥ ወይ ኣብ ልዕሊ ቄሳር ኣይበደልኩን” ኢሉ፥ ናይ ምክልኻል መልሲ ሃበ።
9ፊስጦስ ከዓ ንኣይሁድ ከሕጕስ ደልዩ፥ ንጳውሎስ “ናብ ኢየሩሳሌም ክትድይብ እሞ፥ በዝ ነገር እዙይ ኣብኡ፥ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትደሊ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ።
10ጳውሎስ ግና “ኣነ ኣብ ቕድሚ ናይ ቄሳር መንበር ፍርዲ ቖይመ ኣለኹ፤ ክፍረድ ዝግብአኒ ድማ ኣብኡ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝበደልክዎ ኸም ዘይብለይ ድማ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። 11ንሞት ዘብፅሕ ዓመፅን ክፍኣትን ገይረ እንተ ኾይነ፥ ሞት ኣይፈረደኒ ኣይብልን። እዝ ዝኸሱኒ ዘለዉ ብሓሰት እንተ ኾይኑ ግና፥ ናብኣቶም ኣሕሊፉ ኽህበኒ ዝኽእል የለን፤ ኣነ ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ” በለ። 12#ግ.ሓ. 23፡11። ሽዑ ፊስጦስ ምስቶም መማኽርቱ ተነጋጊሩ፥ “ናብ ንጉስ ቄሳር ይግባይ ካብ በልካ፥ ናብኡ ኽትከይድ ኢኻ” በሎ።
ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ኣግሪጳን ብርኒቄን ከም ዝቐረበ
13ቁሩብ መዓልቲታት ምስ ሓለፈ ድማ፥ ንጉስ ኣግሪጳን ብርኒቄን፥ ንፊስጦስ ክራኸብዎ ናብ ቂሳርያ ወረዱ። 14ኣብኡ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ፀንሑ ኸዓ፥ ፊስጦስ ነቲ ንጉስ፥ ናይ ጳውሎስ ነገር ከምዝ ዝስዕብ ገለፀሉ፦ “ፊልክስ ብእሱሩ ዝሓደጎ ሰብኣይ ኣብዙይ ኣሎ። 15ናብ ኢየሩሳሌም ከይደ እንተለኹ ድማ፥ ሊቃነ ካህናት ኣይሁድን ሽማግለታቶምን፥ ናባይ መፂኦም ብዛዕባኡ ነገሩኒ፤ ክፈርዶውን ለመኑኒ። 16ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገፅ ንገፅ ደው እንተየበልካ፥ በቲ ዝኸሰስዎ ናይ ምክልኻል መልሲ ዕድል እንተይሃብካ፥ ተቐዳዲምካ ንሓደ እኳ ኽቕፃዕ ኣሕሊፍካ ምሃብ፥ ስርዓት ሮማውያን ከም ዘይኮነ ነገርክዎም። 17ድሕሪዙይ ናብዙይ ተኣኪቦም ምስ መፁ፥ እንተየደናጐኹ ንፅባሒቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጠ፥ ነቲ ሰብኣይ ከምፅእዎ ኣዘዝኩ። 18እቶም ከሰስቱ ምስኡ ምስ ኣቖምኩዎም፥ ኣነ ኸም ዝተፀበኽዎ ዝፈፀሞ ወንጀል ኣየቕረቡሉን። 19እንተ ኾነ ብዛዕባ ናይ ኣምልኾኦም ዝኾነ ነገርን፥ ብዛዕባ ሓደ ዝሞተ፥ ጳውሎስ ግና ‘ህያው እዩ’ ዝብሎ ኢየሱስን፥ ይካትዑ ነበሩ። 20ኣነ ኸዓ ዝገብሮ ምስ ሰኣንኩ፥ ‘ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ክትፋረድ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ክትድይብዶ ትደሊ?’ በልክዎ። 21ጳውሎስ ግና ፍርዲ ቄሳር ክሳዕ ዝወሃቦ ይግባይ ስለ ዝበለ፥ ናብ ቄሳር ክሳዕ ዝሰዶ ክሕሎ ኣዘዝኩ።” 22ኣግሪጳ ኸዓ ንፊስጦስ “ነዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ኣነውን ባዕለይ ክሰምዖ እደሊ እየ” በሎ። ፊስጦስ ድማ “እምበኣር ፅባሕ ክትሰምዖ ኢኻ” በሎ።
23 # ማቴ. 10፡17-18። ንፅባሒቱ ድማ ኣግሪጳን ብርኒቄን ልብሰ መንግስቲ ለቢሶም ብዓብዪ ግርማ፥ ምስቶም ሓለቓታት ሽሕን፥ ናይታ ኸተማ ዓበይቲ ሰባትን፥ ናብ ቤት ፍርዲ ኣተዉ። ፊስጦስ ከዓ ንጳውሎስ ከምፅእዎ ኣዘዘ። 24ጳውሎስ ምስ መፀ ፊስጦስ “ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ኣቱም ኣብዙይ ምሳና ዘለኹም ኵልኻትኩም ስምዑ፦ ኵላቶም ኣይሁድ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮነ ኣብዙይ ‘ብህይወት ክነብር ኣይግብኦን እዩ’ እናበሉ ዝጠርዑሉ፥ እዝ እትሪእዎ ዘለኹም ሰብኣይ እዩ። 25ኣነ ግና መርሚረ፥ ናብ ሞት ዘብፅሕ በደል ከቶ ኣይረኸብኩሉን፤ ባዕሉ ‘ናብ ቄሳር ይግባይ’ ምስ በለ ኸዓ፥ ንምስዳዱ ወሲነ ኣለኹ። 26እንተ ኾነ ብዛዕባኡ፥ ናብ ጐይታይ ዝፅሕፎ ፍሉጥ ነገር የብለይን፤ ስለዙይ ንሱ ምስ ተመርመረ ዝፅሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብስ፥ ናባኻትኩም፥ ምናዳ ኸዓ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ናባኻ ኣምፂአዮ ኣለኹ። #25፡26 ኣብ ግእዝ “ክትምርምሮን ዘረባኡ ኽትሰምዕን እንተለኻ ብዛዕባኡ ዝፅሕፎ ነገር ክትረኽበለይ” ዝብል ይርከብ። 27ንሓደ እሱር መኽሰሲኡ እንተይነገርኩ ምስዳዱ፥ ቅኑዕ ኾይኑ ኣይተርአየንንሞ” በለ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in