YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ተሰሎንቄ መእተዊ

መእተዊ
ብዛዕባ ዳግም ምፅኣት ክርስቶስ ዝተልዓለ ጥያቐ፥ ዕግርግር እናለዓዓለ ስለ ዝኸደ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ፥ ህውከት ተፈጠረ። ጳውሎስ፥ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ኻልአይቲ መልእኽቲ ዝፀሓፈ፥ “መዓልቲ ጐይታ መፂኣ እያ” ዝብል፥ ናብ ጌጋ እምነት ዘተኰረ ትምህርቲ ስለ ዝነበረ እዩ።
ጳውሎስ ድማ “ኣቐዲሙ ኽሕደት እንተይመፀ፥ እቲ ናይ ዓመፅ ሰብ ዝኾነ ናይ ጥፍኣት ሰብ እንተይተገልፀ፥ ጐይታ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ ኣይትመፅእን እያ እሞ፥ ሓደኳ ብዝኾነ መንገዲ ኣየስሕትኩም” ብምባል እምነቶም ክእርም ይፍትን (2፡3)።
እቲ ሃዋርያ ነቶም ኣንበብቱ፥ መከራን ስቓይን እኳ እንተ በዝሖም፥ ኣብ እምነቶም ክፀንዑን፥ ከምቲ ንሱን እቶም ካልኦት ብፆቱን ዝገብርዎ ኸዓ፥ ኣብ ናብራኦም፥ ዘድልዮም ምእንቲ ኽረኽቡ፥ ተጊሆም ክሰርሑን፥ ከምኡ ኸዓ ሰናይ ነገር ኣብ ምግባር ክተግሁን፥ ኣፅኒዑ ይመኽሮም።
ትሕዝቶ
1. መእተዊ 1፡1-2
2. ምስጋናን ምሕፅንታን 1፡3-12
3. ትምህርቲ ብዛዕባ ኻልኣይ ምፅኣት ክርስቶስ 2፡1-17
4. ንባህርያት ክርስቲያን ዝሃንፅ ምዕዳን 3፡1-15
5. መደምደምታ 3፡16-18

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in