YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ተሰሎንቄ 3

3
ምእንታና ፀልዩ
1 # ግ.ሓ. 28፡24፥ ሮሜ 15፡30-31፥ ቈላ. 4፡3። ብዝተረፈ፥ ኣሕዋትና፥ ቃል እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ኣብ ማእኸልኩም ኮይንዎ ዘሎ፥ ምእንቲ ኽሰፍሕን ክኸብርን፥ 2ኵሉ ኸዓ ኣማኒ ኣይኮነን እሞ፥ ካብ ዓመፀኛታትን፥ ክፉኣት ሰባትን፥ ምእንቲ ኽንድሕን ፀልዩልና። 3#ማቴ. 6፡13፥ 1 ተሰ. 5፡24። ግና እቲ ዘፅንዐኩምን፥ ካብ እቲ ኽፉእውን ዝሕልወኩምን ጐይታ፥ እሙን እዩ። 4ነቲ እንእዝዘኩም ትፍፅምዎ ኸም ዘለኹም፥ ገናውን ከም እትፍፅምዎ፥ ኣባኻትኩም ብጐይታ እምነት ኣለና። 5ጐይታ ኸዓ፥ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ።
ካብ ትህኺት ተሓለዉ
6 # ማቴ. 18፡17፥ ሮሜ 16፡17፥ 1 ቆሮ. 5፡9፥11። ሕዚ ኸዓ ኣቱም ኣሕዋትና፥ በቲ ኻባና ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዘይነብር፥ ብዘይ ስርዓት ካብ ዝመላለስ ሓው ክትፍለዩ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእዝዘኩም ኣለና። 7#ግ.ሓ. 20፡34፥ 1 ቆሮ. 11፡1፥ 1 ተሰ. 2፡9። ምሳኻትኩም እንተለና፥ ብዘይ ስርዓት ኣይነበርናን እሞ፥ ከምቲ ንሕና እንገብሮ ኽትገብሩ ኸም ዝግብአኩም፥ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 8ካባኻትኩም ንሓደኳ ኸይነኽብደሉ ኽንብል፥ ለይትን መዓልትን እናሰራሕና፥ ንፅዕርን ንደክምን ነበርና እምበር፥ ካብ ሓደኳ ብኸምኡ እንጀራ ኣይበላዕናን። 9እዙይ ከዓ ኣርኣያ ኽንኮነኩምን፥ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉን ኢልና ኢና እምበር፥ ግቡእና ኽንረክብ መሰል ዘይብልና ዄንና ኣይኮነን። 10#1 ቆሮ. 9፡6። ምሳኻትኩም እንተለና፥ እቲ “ክሰርሕ ዘይደሊ ኣይብላዕ” ዝብል ትእዛዝ ሂብናኩም ኔርና ኢናሞ።
11 # 1 ተሰ. 5፡13። ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ፥ ኣብ ዘየእትዎም ዝኣትዉ፥ ሓንቲ ስራሕ ዘይብሎም፥ ከም ዘለዉ ሰሚዕና ኣለና። 12#1 ተሰ. 4፡11። ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ፥ ብህድኣት እናሰርሑ፥ ናይ ባዕልቶም እንጀራ ኽበልዑ፥ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣለና።
13 # ገላ. 6፡9። ንስኻትኩም ግና፥ ኣቱም ኣሕዋትና፥ ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ። 14#1 ቆሮ. 5፡9-11። ነቲ በዛ መልእኽቲ እዚኣ እንብሎ ቓል፥ ዘይእዘዝ እንተ ሃልዩ ኣለልይዎ፤ ምእንቲ ኽሓፍር ከዓ፥ ምስኡ ኣይትሕበሩ። 15#1 ተሰ. 5፡14። ግና ኸም ሓው ደኣ መዓድዎ እምበር፥ ከም ፀላኢ ኣይትቝፀርዎ።
16እምበኣር ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ፥ ብዅሉ ወገን፥ ኵልሻዕ ሰላም ይሃብኩም። ጐይታ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን።
17 # ቈላ. 4፡18። ነዝ ሰላምታ እዙይ፥ ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ ዝፀሓፍኩዎ እዩ። እዙይ ከዓ፥ ኣብ ኵለን መልእኽቲታተይ ምልክት እዩ፤ ከምዙይ ገይረ እየ ዝፅሕፍ። 18ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in