YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ተሰሎንቄ 1

1
1ካብ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፥
ናብታ ኣብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ተሰሎንቄ። 2ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።
ምፅኣት ጐይታን ፍርድን
3 # 1 ተሰ. 3፡12። ኣሕዋትና፥ እምነትኩም በሊፃ እናዓበየት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ እታ ኣብ ንስንሳትኩም ዘላ፥ ናይ ነፍሲ ወከፍኩም ፍቕሪውን እናበዝሐት ትኸይድ ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜ ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኢና፤ እዙይ ከዓ ግቡእና እዩ። 4#1 ተሰ. 2፡14፥19። ስለዙይውን ንሕና ባዕልትና፥ ብፅንዓትኩምን እምነትኩምን፥ በቲ ኣብ ስደትን መከራን እትዕገስዎ ዘለኹምን፥ ኣብተን ኣብ እግዚኣብሄር ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ብኣኻትኩም ንምካሕ ኣለና።
5 # ግ.ሓ. 14፡22፥ ያቆ. 1፡2-4፥ 1 ጴጥ. 2፡20፥ 4፡13። መከራ እትቕበሉ ዘለኹም፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትርከቡ፥ ናይ እግዚኣብሄር ፍርዲ፥ ቅኑዕ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። 6እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም መከራ ዘምፅኡልኩም፥ መከራ ኽፈድዮም እዩ። 7#ማቴ. 16፡27፥ ሉቃ. 18፡7። ጐይታና ኢየሱስ፥ ምስቶም ሓያላት መላእኽቱ፥ ብነበልባል ሓዊ ኻብ ሰማይ እንትመፅእ፥ መከራ ንትቕበሉ ንኣኻትኩም ግና፥ ምሳና ዕረፍቲ ኽህበኩም እዩ። 8#ሮሜ 1፡19፥21፥ 2፡8፥ 1 ቆሮ. 3፡13፥ ዕብ. 10፡27፥ 2 ጴጥ. 3፡7። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጥዎን፥ ነቶም ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን፥ ሕነ ኽፈድዮም እዩ። 9-10#ማቴ. 25፡41፥ 13፡43፥ 1 ተሰ. 2፡13። ነቲ ዝመስከርናልኩም ስለ ዝተቐበልኩምዎ፥ በታ ብቕዱሳኑ ዝኸብረላን፥ በቶም ዝኣምኑ ዅሎም ዝድነቐላን መዓልቲ፥ ንሳቶም፥ ካብ ገፅ ጐይታ ኾነ፥ ካብ ግርማ ሓይሉ ኽርሕቑ፥ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣትውን ክቕፅዑ እዮም። 11ነዙይ ብምሕሳብ፥ ኣምላኽና ንፃውዒቱ ብቑዓት ምእንቲ ኽገብረኩም፥ ብሓይሉ ኸዓ፥ ነቲ ሰናይ ንምግባር ዘለኩም ድልየትን፥ ኵሉ ናይ እምነትኩም ተግባርን፥ ምእንቲ ኽፍፅመልኩም፥ ኵልሻዕ ምእንታኻትኩም ንፅሊ ኣለና። 12#ፊልጵ. 1፡6፥20፥ 2፡13። ከም መጠን ፀጋ ኣምላኽናን፥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ስም ጐይታና ኢየሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ክኸብር፥ ንስኻትኩምውን ብእኡ ምእንቲ ኽትከብሩ፥ ንፅሊ ኣለና።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in