2ይ ሳሙኤል መእተዊ
መእተዊ
ድሕሪ ቐዳማይ መፅሓፍ ሳሙኤል፥ ካልኣይ መፅሓፍ ሳሙኤል ይስዕብ። ንሱ ብዛዕባ መንግስቲ ዳዊት ይትርኸልና። ቅድም ኣብ ደቡብ፥ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኸም ዝነገሰ (ምዕ 1-4)፥ ድሕሪኡ ኸዓ ነታ ኣብ ሰሜን ዘላ እስራኤል ወሲኹ ኣብ ኵላ እታ ሃገር ከም ዝነገሰ ይገልፅ (ምዕ. 5፡24)። ንጉስ ዳዊት፥ ግዝኣቱ ኸስፍሕን መንግስቱ ኸደላድልን፥ ምስቶም ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝነበሩ ፀላእቱን ምስ ካልኦት መንግስታትን ዝገብሮ ዝነበረ ውግኣት ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፉ ኣሎ። ዳዊት ብርቱዕ እምነት ከም ዝነበሮን፥ ንእግዚኣብሄርውን ዝፈርሕ ሰብ ከም ዝነበረን ይገልፅ። ምስዝ ዅሉ ግና፥ ምእንቲ ጥቕሙን ድሌቱን ሓድሓደ ጊዜ ጨካን ከም ዝነበረ ዓብዪ ሓጢኣትውን ይገብር ከምዝ ነበረ እዝ መፅሓፍ እዙይ ይነግረና። ነቢይ ናታን በደሉ ምስ ነገሮ ግና፥ ዳዊት ሓጢኣቱ ኣሚኑ ተነስሀ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ዘውረደሉ መቕፃዕቲ ድማ ተቐበሎ።
እቲ ዳዊት ዝፈፀሞ ዓበይቲ ነገራትን ዝረኸቦ ዓወታትን ንህዝቢ እስራኤል ኣደኒቕዎም ነበረ። ስለዙይ ድማ ድሕሪ ዳዊት፥ ሃገሮም ኣብ ፀገም ክትወድቕ እንተላ እሞ ንጉስ ክደልዩ እንተለዉ፥ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ፥ ከም ዳዊት ገይሩውን ዘመሓዳድሮም ይምነዩ ነበሩ።
ትሕዝቶ
1. ዳዊት ኣብ ይሁዳ ኸም ዝነገሰ 1፡1-4፡12
2. ዳዊት ኣብ ኵላ እስራኤል ከም ዝነገሰ 5፡1-24፡25
1) ቀዳሞት ዓመታት 5፡1-10፡19
2) ዳዊትን ቤርሳቤህን 11፡1-12፡25
3) ፀገምን ፈተናን 12፡26-20፡26
4) ዳሕረዎት ዓመታት 21፡1-24፡25
Currently Selected:
2ይ ሳሙኤል መእተዊ: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in