2ይ ሳሙኤል 4
4
ኢያቡስቴ ከም ዝተቐትለ
1ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል፥ ኣበኔር ኣብ ኬብሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ፥ ኢዱ ደኸመት፤ ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ከዓ ደንገፁ። 2ንኢያቡስቴ ክልተ ሰባት፥ ኣሕሉቕ ጭፍራ ነበርዎ፤ ስም እቲ ሓደ በዓና፥ ስም እቲ ኻልኣይ ከዓ ሬካብ ነበረ። ንሳቶም ደቂ ሪሞን በዓል ብኤሮት፥ ካብ ደቂ ብንያም ነበሩ። ብኤሮት ምስ ብንያም እያ እትቝፀር። 3እቶም ቀዳሞት ብኤሮታውያን ግና ናብ ጌቴም ሃዲሞም ከዱ። ክሳዕ ሎሚ ድማ ኣብኡ ስደተኛታት ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ።
4ዮናታን ወዲ ሳኦል ከዓ ኽልቲኡ እግሩ ዝሰለለ ወዲ ነበሮ። ሳኦልን ዮናታንን ከም ዝሞቱ ኻብ ኢይዝራኤል ወረ ኽመፅእ እንተሎ ንሱ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ። መጕዚቱ ድማ ሓዚላቶ ሃደመት። ቀልጢፋ ኽትሃድም እንተላ፥ ወደቐ እሞ እግሩ ተሰበረ። ስሙ ኸዓ ሜምፊቦስቴ ነበረ። #2 ሳሙ. 9፡3።
5ሬካብን በዓናን ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፥ መዓልቲ ምስ ቀተረ፥ ኢያቡስቴ ድቃስ ቀትሪ ደቂሱ እንተሎ፥ ናብ ገዛኡ ኣተዉ። 6እታ ሓላዊት ሰበይቲ ኣብ ኣፍ ደገ ተቐሚጣ ስርናይ እናንተርተረት እንተላ ተታኸሰት። ሽዑ ሬካብን በዓናን ሰላሕ ኢሎም ናብ ምድቃስ ኢያቡስቴ ኣተዉ።
7ናብ ቤቱ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ንሱ ኣብ ሕልፍኚ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ እንተሎ፥ ወጊኦም ቀተልዎ፤ ርእሱውን ቈረፁ። ርእሱ ሒዞም ድማ ምሉእ ለይቲ ብስንጭሮ ዓረባ ኣቢሎም ከዱ። 8ርእሲ ኢያቡስቴ ከዓ ናብ ኬብሮን ኣምፂኦም ንዳዊት ሃብዎ። ንንጉስ ከዓ “ርእሲ ኢያቡስቴ፥ ወዲ ሳኦል እቲ ንህይወትካ ዝደልያ ዝነበረ ሳኦል ፀላኢኻ፥ እኒሀልካ። እግዚኣብሄር ሎሚ ንኣኻ ንጐይታይ ንጉስ ካብ ሳኦልን ካብ ዘርኡን ሕነ ፈድዩልካ እዩ” በልዎ።
9ሽዑ ዳዊት ንሬካብን ንበዓና ሓዉን፥ ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፥ “በቲ ንነፍሰይ ካብ ኵሉ መከራ ዘድሓና ህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ። 10ነቲ ፅቡቕ ወረ ዘምፅአለይ መሲልዎ ‘እንሆ ሳኦል ሞይቱ’ ኢሉ ዝነገረኒ፥ ሒዘ ኣብ ፂቅላግ ቀተልክዎ። ናይቲ ብስራት ዘምፅአለይ ዝመሰሎ ኸዓ ኸምዙይ ገይረ ኸፈልክዎ። #2 ሳሙ. 1፡1-16። 11ዝገደደ ኸዓ፥ ንስኻትኩም ክፉኣት ሰባት ነቲ ቕኑዕ ሰብኣይ ኣብ ቤቱን ኣብ ዓራቱን ቀተልኩምዎ፤ ሕዚ እውን ደሙ ኻብ ኣእዳውኩም ክደልዮ እየ፤ ካብ ምድሪ ኸዓ ኸጥፍአኩም እየ” ኢሉ መለሰሎም። 12ዳዊት ድማ “ቅተልዎም” ኢሉ ንሓሻኽሩ ኣዘዞም። ንሳቶም ከዓ ንሬካብን ንበዓናን ቀተልዎም፤ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ድማ ቘራረፅዎም፤ ኣብ ጥቓ ቓላይ ኬብሮን ከዓ ሰቐልዎም። ንርእሲ ኢያቡስቴ ግና ኣብ መቓብር ኣበኔር፥ ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ።
Currently Selected:
2ይ ሳሙኤል 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: