YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ሳሙኤል 21

21
ቤተ ሰብ ሳኦል ከም ዝተቐትሉ
1ብዘመን ዳዊት ድማ ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል ዓመት ዓመት ጥሜት ኮነ። ዳዊት ከዓ ንገፅ እግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ድማ “ሳኦል ንሰብ ገባዖን ስለ ዝቐተሎም፥ እዙይ ብሰንኩን ብሰንኪ እታ ደም ዘለዋ ቤቱን እዩ” በሎ።
2 # ኢያሱ 9፡3-15። ሽዑ ንጉስ ንገባዖናውያን ፀዊዑ ተዛረቦም። (ገባዖናውያን ካብቶም ኣሞራውያን ተሪፎም ዝነበሩ እዮም እምበር፥ ካብ ወገን ደቂ እስራኤል ኣይኮኑን። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸየጥፍእዎም ምሒሎምሎም ነበሩ። ሳኦል ግና በቲ ብዛዕባ ደቂ እስራኤልን ይሁዳን ዝነበሮ ቕንኣት፥ ከጥፍኦም ፈቲኑ ነበረ።) 3ዳዊት ከዓ ንገባዖናውያን፦ “ንርስቲ እግዚኣብሄር ክትባርኹስ፥ እንታይ ክገብረልኩም፥ መተዓረቒኸ እንታይ እዩ?” በሎም።
4እቶም ገባዖናውያን ድማ “ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሳኦልን ቤቱን ዘሎ ናይ ብሩርን ወርቅን ነገር ኣይኮነን። ካብ ወገን እስራኤልውን እንቐትሎ የለን” በልዎ። ንሱ ኸዓ “እቲ እትብልዎ ኽገብረልኩም እየ” በሎም።
5ንሳቶም ድማ ንንጉስ፥ “እቲ ዝወድአናን ኣብ ኵሉ ወሰን እስራኤል ከይንነብር፥ ምእንቲ ኽንፀንት ዝተተናዀለናን ሰብኣይ፥ 6ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ገባዖን ናይ ሳኦል፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክንሰቅልስ፥ ካብ ደቁ ሸውዓተ ሰባት ሃበና” በልዎ። እቲ ንጉስ ከዓ “ኣነ ኽህበኩም እየ” በሎም።
7 # 1 ሳሙ. 20፡15-17፥ 2 ሳሙ. 9፡1-7። እቲ ንጉስ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዮናታን ወዲ ሳኦልን ዝነበረ ብስም እግዚኣብሄር ዝተገብረ ማሕላ ኢሉ ንሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል ራህርሀሉ። 8#1 ሳሙ. 18፡19። ግና ነቶም ደቂ ሪፅፋ ጓል ኣያ ንሳኦል ዝወለደትሉ ኣርሞንን ሜምፊቦስቴን፥ ነቶም ሓሙሽተ ደቂ ሚካል ጓል ሳኦል፥ ንዓድርኤል ወዲ ቤርዜሊ መሖላታዊ ዝወለደትሉን ወሰዶም። 9ኣብ ኢድ ገባዖናውያን ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ንሳቶም ከዓ ኣብቲ እምባ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰቐልዎም፤ ሸውዓቲኦም ድማ ብሓንሳእ ወደቑ፤ ንሳቶም ክሞቱ እንተለዉ ዓፂድ ስገም ዝጅመረሉ ጊዜ ቐውዒ ነበረ።
10ሪፅፋ ጓል ዮዳሄውን ወጮ ወሲዳ፥ ካብ መጀመርታ ቐውዒ ሒዛ፥ ካብ ሰማይ ዝናም ክሳዕ ዝዘንም ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ዘርግሐት፤ ብመዓልቲ ኣዕዋፍ ሰማይ፥ ብለይቲ ድማ ኣራዊት በረኻ ክዓርፉሎም ኣይሓደገቶምን። 11እቲ ሪፅጳ ጓል ዮዳሄ፥ ሰበይቲ ወሰኑ ንሳኦል ዝገበረቶ ኸዓ ንዳዊት ነገርዎ። 12#1 ሳሙ. 31፡8-13። ዳዊት ድማ ኸይዱ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ኣዕፅምቲ ዮናታን ወዱን ካብ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ወሰደ። (ፍልስጥኤማውያን በታ ንሳኦል ኣብ ጊልቦዓ ዝቐተሉላ መዓልቲ ሰቒሎምዎም ነበሩ፤ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ከዓ ኻብቲ ኣደባባይ ቤትሳን ሰሪቖም ወሲዶምዎም ነበሩ።) 13ዳዊት ከዓ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ኣዕፅምቲ ዮናታን ወዱን ወሰደ፤ ከምኡ እውን ኣዕፅምቲ እቶም ዝተሰቕሉ ሸውዓተ ደቂ ሳኦል ኣከበ።
14ነቲ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ድማ ኣብ መቓብር ቂስ ኣቦ ሳኦል፥ ኣብ ምድሪ ብንያም፥ ኣብ ፄላ ቐበርዎ። ኵሉ እቲ ንጉስ ዝኣዘዞ ኸዓ ገበሩ። ድሕሪዙይ ድማ እግዚኣብሄር ብዛዕባ እታ ሃገር ዝተለመነ ሰምዐ።
ዳዊት ምስ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝተዋግአ
(1 ዜና. 20፡4-8)
15ፍልስጥኤማውያን ድማ ኸም ብሓድሽ ምስ እስራኤል ተዋግኡ። ዳዊትን ሰቡንውን ወሪዶም ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ። ዳዊት ድማ ክዋጋእ ውዒሉ ደኸመ። 16ካብ ወገን ራፋይም፥ ሰለስተ ኺሎን ፈረቓን ዝምዘን ኲናት ነሃስ ዝነበሮ፥ ይሽቢብኖብ ሓድሽ ሰይፊ ተዓጢቑ ነበረ፤ ንዳዊትውን ክቐትሎ ሓሰበ። 17#1 ነገ. 11፡36፥ መዝ. 132፡17። ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ግና ረድኦ፤ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኸዓ ብሰይፉ ቐተሎ። ሽዑ እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት “መብራህቲ እስራኤል ከይትጠፍእስ፥ ደጊም ምሳና ናብ ውግእ ኣይትወፅእን” ኢሎም ኣብ ቅድሚኡ መሓሉ።
18ድሕሪዙይ ድማ መሊሶም ምስ ፍልስጥኤማውያን ጎብ ኣብ ዝበሃል ቦታ ውግእ ኮነ። ሽዑ ሴቦካይ ሑሳታዊ ነቲ ኻብ ደቂ ራፋይም ዝነበረ ኣሳፍ ዝበሃል ሰብኣይ ቀተሎ።
19ቀፂሉውን ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጎብ ውግእ ኮነ። ኤልያናን ወዲ የዓሬኦርጊም በዓል ቤተ ልሔም ድማ ነቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ መጠቕለሊ ኣላማይ ዝነበረ ጎልያድ በዓል ጌት ቀተሎ።
20ከምኡውን ኣብ ጌት ውግእ ኮነ። ኣብኡ ኸዓ ሸሽዱሽተ ኣፃብዕ ኣእዳውን፥ ኣፃብዕቲ ኣእጋርን፥ ኣብ ኵሉ ኸዓ ዕስራን ኣርባዕተን ኣፃብዕቲ ዝነበሮ፥ ጕልቡት ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኻብ ራፋይም ዝተወለደ ነበረ። 21ንሱ ንእስራኤል ምስ ፀረፎም ድማ፥ ዮናታን፥ ወዲ ሳማ ሓው ዳዊት፥ ቀተሎ።
22እዞም ኣርባዕተ እዚኣቶም ኣብ ጌት ካብ ራፋይም ዝተወለዱ ነበሩ፤ ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ሰቡን ከዓ ተቐተሉ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in