2ይ ሳሙኤል 20
20
ሳቤዔ ንዳዊት ከም ዝኸድዖ
1ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ኣብኡ ኸዓ ሓደ ዓመፀኛ ሰብ፥ ሳቤዔ ዝስሙ ወዲ ቢክሪ፥ ብንያማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸዓ
“ንሕና ኣብ ዳዊት ብፅሒት የብልናን፤
ኣብ ወዲ እሴይውን ርስቲ የብልናን።
ኦ እስራኤል! ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ገዛኹም ተመለሱ” ኢሉ መለኸት ነፍሐ። #1 ነገ. 12፡16፥ 2 ዜና. 10፡16።
2ኵሎም ሰብ እስራኤል ከዓ ንዳዊት ሓዲጎም ንሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ሰዓቡ። ሰብ ይሁዳ ግና ንንጉሶም እሙናት ኮይኖም ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ ኢየሩሳሌም ተኸተሉ።
3ዳዊት ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ናብ ቤቱ ኣተወ። ሽዑ ነተን ቤት ክሕልዋ ሓዲጉወን ዝነበረ ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ ኻብቲ ዝነበራኦ ወሲዱ፥ ክሕለዋ ኣብ ሓደ ቤት ኣቐሚጡ ይቕልበን ነበረ። ምስኣተን ግና ርክብ ኣይገበረን። ንሳተን ከዓ ኸም መበለታት ኮይነን ክሳዕ ዕለተ ሞተን ተዓፅየን ነበራ። #2 ሳሙ. 16፡22።
4ንጉስ ድማ ንኣሜሳይ “ንሰብ ይሁዳ በዘን ሰለስተ መዓልቲ ኣኽትተለይ፤ ንስኻ ኸዓ ሒዝካዮም ኣብዙይ ተረኸብ” በሎ። 5ሽዑ ኣሜሳይ ንሰብ ይሁዳ ኸኽትት ከደ፤ ግና በቲ ዝተመደበሉ ጊዜ ኣይተመለሰን።
6ሽዑ ዳዊት ንኣቢሳ፥ “ሕዚ ሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ኻብ ኣቤሴሎም ዝገደደ ጕድኣት ከውርደልና እዩ፤ ዕሩዳት ከተማታት ከይረክብ እሞ፥ ከይመልቝስ፥ ንስኻ ኣገልገልተይ ሒዝካ ሰዓቦ” በሎ። 7ሽዑ ናይ ኢዮኣብ ሰባትን እቶም ሓለውቲ ንጉስን ኵሎም ጀጋኑን ደድሕሪኡ ወፁ፤ ንሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ኸሳጕጉዎ ኸዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ወፁ።
8ኣብቲ ኣብ ገባዖን ዘሎ ዓብዪ እምኒ ምስ በፅሑ፥ ኣሜሳይ ክራኸቦም መፀ። ኢዮኣብ ድማ ኽዳን ውግእ ተኸዲኑ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ሰይፊ ምስ ሰገባኡ ተዓጢቑ ነበረ። ንሱ ክኸይድ እንተሎ ድማ እቲ ሰይፊ ወደቐ።
9ኢዮኣብ ድማ ንኣሜሳይ “ደሓንዶ ኣለኻ፤ ሓወይ?” ኢሉ፥ ዝስዕሞ መሲሉ ብየማነይቲ ኢዱ ጭሕሙ ሓዞ። 10ኣሜሳይ ግና ነቲ ኢዮኣብ ዝሓዞ ሰይፊ ስለ ዘይተጠንቀቐሉ፥ ኢዮኣብ ብእኡ ገይሩ ኸብዱ ወግኦ፥ ኣምዑቱውን ናብ ምድሪ ተዘርገፈ፤ ካልኣይ እንተይወግኦ ኸዓ ሞተ፤ ኢዮኣብን ኣቢሳ ሓዉን ድማ ንሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ኽሃድንዎ ኸዱ።
11ሓደ ሰብኣይ ካብ ኣገልገልቲ ኢዮኣብ ከዓ ኣብ ጥቓ ሬሳ ኣሜሳይ ቖይሙ “ፈታዊ ኢዮኣብ ዝኾነን ወገን ዳዊት ክኸውን ዝደልን ደድሕሪ ኢዮኣብ ይስዓብ” ይብል ነበረ። 12ኣሜሳይ ከዓ ኣብ ማእኸል መንገዲ ወዲቑ ኣብ ልዕሊ ደሙ ጠንቀላዕላዕ ይብል ነበረ። እቲ ሰብኣይ ድማ ዅሉ እቲ ናብኡ ዝመፅእ ህዝቢ ደው ከም ዝብል ምስ ረአየ፥ ንሬሳ ኣሜሳይ ካብ መንገዲ ናብ ግራት ኣግለሶ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ክዳን ዘርግሐሉ። 13ነቲ ሬሳ ኣሜሳይ ካብ መንገዲ ምስ ኣልዓልዎ ግና፥ ንሳቤዔ ወዲ ቢኽሪ ኽሃድኑ ዅሎም እቶም ህዝቢ ደድሕሪ ኢዮኣብ ሓለፉ።
14ሳቤዔ ድማ በቲ ዅሎም ነገዳት እስራኤል ሰፊሮምዎ ዝነበሩ ገይሩ ናብ ኣቤል፥ ናብ ቤትመዓካ፥ ናብ ኵሎም ደቂ ቢክሪ ሓለፈ። ኵሎም እቶም ሰባትውን ተኣኪቦም ሰዓብዎ። 15እቶም ምስ ኢዮኣብ ዝነበሩ ሓሽኽር ድማ መፂኦም ኣብ ኣቤል ናይ ቤት ማዓካ ኸበብዎ፤ ነታ ኸተማ ምስቲ መካበብያኣ ዝቐውም ድልድል ሓመድ ገበሩላ። ነቲ መንደቕ ኸውድቕዎ ከዓ የፍርስዎ ነበሩ። 16ሽዑ ኻብታ ኸተማ ሓንቲ ብልሂ ሰበይቲ “ስምዑ፥ ስምዑ፥ በይዛኻትኩም ንኢዮኣብ ‘ክዛረበካ ናብዙይ ቅረብ’ በሉለይ” እናበለት ዓው ኢላ ተዛረበት። 17ኢዮኣብ ከዓ ናብኣ ቐረበ፤ እታ ሰበይቲ ድማ፦
“ኢዮኣብ ንስኻ ዲኻ?” በለቶ።
ንሱ ኸዓ “እወ፥ ኣነ እየ” በላ።
ንሳ ድማ “ዘረባ ባርያኻ ስማዕ” በለቶ።
ንሱ ኸዓ “እሰምዕ ኣለኹ” በላ።
18ንሳ ድማ “ቐደም ‘ምኽሪ ዝጥይቕ፥ ኣብ ኣቤል ይጠይቕ’ ይበሃል ነበረ፤ ከምኡ ኸዓ ነገሩ ይፍፀም ነበረ። 19ኣብ እስራኤል ሰላምን ሓቅን ካብ ዝፈትዉ ኣነ እየ፤ ንስኻ ደኣ ስለ ምንታይ ነዛ ኣብ እስራኤል እኖ ዝኾነት ከተማ ኽተፍርሳ ትደሊ ኣለኻ? ስለ ምንታይከ ኢኻ ነታ ርስቲ እግዚኣብሄር እትውሕጥ?” ኢላ ነገረቶ።
20ኢዮኣብ ድማ “ኣይፋለይን፥ ንኸተማኹምስ ኣየዕንዋን እየ፤ ኣየጥፍኣንውን እየ። 21ነገሩ ኸምኡ ኣይኮነን። ሳቤዔ ዝስሙ ሰብኣይ፥ ወዲ ቢክሪ ኻብ እምባታት ኤፍሬም፥ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ዳዊት ዓመፀ፤ ሕዚ ኸዓ ንእኡ ጥራሕ ሃቡኒ እምበር ካብዛ ኸተማ ክኸደልኩም እየ” ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ ንኢዮኣብ “እምበኣር ርእሱ ብመካበቢያ ኽንድርብየልካ ኢና” በለቶ።
22ሽዑ እታ ሰበይቲ ሓሳባታ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ነገረቶም። ንሳቶም ድማ ርእሲ ሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ቘሪፆም ንኢዮኣብ ደርበዩሉ። ኢዮኣብ ከዓ “ተመለሱ” ዝብል መለኸት ነፍሐ። ነፍሲ ወከፍ ካብታ ኸተማ ነናብ ገዛኡ ፋሕ በለ። ኢዮኣብ ድማ ናብ ንጉስ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።
ሹመኛታት ዳዊት
23ኢዮኣብ ሓለቓ ዅሉ ሰራዊት እስራኤል ነበረ፤ በናያስ ወዲ ዮዳሄ ኸዓ ሓለቓ ሓለውቲ ንጉስ ነበረ። 24ኣዶኒራም ድማ ናይቶም ተገዲዶም ዝሰርሑ ሓለቓ ነበረ። ዮሳፍጥ ወዲ ኣሒሉድ ከዓ ተሓዚ መዝገብ ነበረ፤ 25ሱሳም ድማ ፀሓፊ ነበረ፤ ሳዶቅን ኣብያታርን ከዓ ኻህናት ነበሩ፤ 26ዒራስ እቲ ያኢራዊ ድማ ናይ ዳዊት ኣማኻሪ ነበረ።
Currently Selected:
2ይ ሳሙኤል 20: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: