2ይ ሳሙኤል 16
16
ዳዊትን ሲባን
1ዳዊት ካብ ርእሲ እቲ እምባ ቑሩብ ምስ ሓለፈ፥ እንሆ፥ ሲባ ኣገልጋሊ ሜምፊቦስቴ ክልተ ሚእቲ እንጀራን ሚእቲ እሳር ዘቢብን ሚእቲ ጎጎ በለስን ሓደ ሓርቢ ወይንን ዝተፅዓና ኽልተ ኣእዱግ ሒዙ ተራኸቦ። #2 ሳሙ. 9፡9-10።
2እቲ ንጉስ ድማ ንሲባ፥ “እዙይ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ሲባ ኸዓ፥ “እዘን ኣእዱግ ቤተ ሰብ ንጉስ ክቕመጥወን፥ እዝ እንጀራን ፍረታትን ድማ እዞም ሓሻኽር ክበልዕዎ፥ እዝ ወይኒ ኸዓ እቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝደኽሙ ዘለዉ ኽሰትይዎ ኢለ እየ” በለ።
3እቲ ንጉስ ድማ “ወዲ ጐይታኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ?” በለ። ሲባ ኸዓ ንንጉስ “ንሱስ፥ ‘ሎሚ ቤት እስራኤል፥ መንግስቲ ኣቦይ ክመልሱለይ እዮም’ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐሚጡ ኣሎ” በሎ። #2 ሳሙ. 19፡26-27።
4ሽዑ ንጉስ ንሲባ “እንሆ፥ ናይ ሜምፊቦስቴ ዝኾነ ዅሉ ንኣኻ እዩ” በሎ። ሲባ ድማ “ኦ ጐይታይ ንጉስ! ኢድ እነስእ ኣለኹ፤ ኣብ ቅድሜኻ ጥራሕ ሞገስ እርከብ” በለ።
ሳሚ ንዳዊት ከም ዝረገሞ
5ንጉስ ዳዊት ናብ ብራቂም ምስ መፀ፥ ሳሚ ዝስሙ ሰብኣይ፥ ወዲ ጌራ ኻብ ዓሌት ቤት ሳኦል፥ እናረገሞ ኻብኣ ወፀ። 6እቶም ህዝብን እቶም ጀጋኑኡን ንንጉስ ብየማነ ፀጋሙ እንተለዉ፥ ንሱ ኣብ ዳዊትን ኣብ ኵሎም ኣገልገልቲ ንጉስ ዳዊትን ኣእማን ይድርቢ ነበረ። 7ሳሚ ኽረግሞ እንተሎ “ኣታ ናይ ደም ሰብ፥ ከንቱ ዝኾንካ ውፃእ፤ ውፃእ። 8ንስኻ ኽንዲ ሳኦል ነገስካ፤ ክንዲ እቲ ዅሉ ኣብ ቤት ሳኦል ዘፍሰስካዮ ደም፥ እግዚኣብሄር ፈደየካ። እግዚኣብሄር ነዛ መንግስቲ ንወድኻ ኣቤሴሎም ሃቦ። ንስኻ ናይ ደም ሰብ ኢኻ፤ ስለዙይ እንሆ ብኽፍኣትካ ተትሓዝካ” ይብሎ ነበረ።
9ኣቢሳ ወዲ ፅሩያ ኸዓ ንንጉስ፥ “እዝ ምዉት ከልቢ እዙይ ስለ ምንታይ እዩ ንጐይታይ ንጉስ ዝፀርፎ ዘሎ? ኸይደ ርእሱ ኽቘርፆ፥ በይዛኻ ፍቐደለይ” በሎ።
10ንጉስ ግና “ኣቱም ደቂ ፅሩያ፥ ምሳኻትኩም እንታይ ኣለኒ? እቲ ዝረግመኒ ዘሎስ፥ እግዚኣብሄር ‘ንዳዊት ርገሞ’ ኢሉ ኣዚዝዎ እንተ ኾነ ንእግዚኣብሄር ‘ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብር?’ ዝብሎ መን እዩ?” በሎ።
11ዳዊት ድማ ንኣቢሳን ንዅሎም ሹመኛታትን፥ “እንሆ፥ እቲ ኻብ ሕቘይ ዝወፀ ወደይ እኳ ኽቐትለኒ እናደለየስ እዝ ብንያማዊ ግዳ ከመይ ዝገደደ ዘይገብር! ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣዚዝዎ እዩ እሞ፥ ይርገም ሕደግዎ። 12እግዚኣብሄር ነዝ ወሪዱኒ ዘሎ ዓመፃ ሪኡስ፥ ክንዲ እዝ ሎሚ ዝቕበሎ ዘለኹ መርገም ምናልባሽ ፅቡቕ ይፈድየኒ ይኸውን” በሎም።
13ዳዊትን ሰቡን ብመንገዳ መንገዲ ይኸዱ ነበሩ፤ ሳሚ ኸዓ ኣብ መንፅሩ ብጎቦ እቲ ዀረብታ ኣቢሉ እናኸደ እንተሎ ይረግሞ፥ እምኒውን ይድርብየሉ፥ ሓመድ ከዓ የብንነሉ ነበረ። 14ንጉስን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ድማ ድሕሪ ብዙሕ ድኻም ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ በፅሑ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣዕረፉ።
ምኽሪ ኵሲን ኣኪጦፌልን
15ኣቤሴሎምን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ እስራኤልን ናብ ኢየሩሳሌም ኣተዉ፤ ኣኪጦፌልውን ምስኡ ነበረ። 16ኵሲ በዓል ኣርኪ፥ ፈታዊ ዳዊት፥ ናብ ኣቤሴሎም ከይዱ፥ ንኣቤሴሎም “ንጉስ ህያው ኩን፥ ንጉስ ህያው ኩን” በሎ።
17ኣቤሴሎም ከዓ ንኵሲ “እቲ ንፈታዊኻ ዘለካ ፍቕሪ እዙይ ድዩ? ስለ ምንታይ ደኣ ምስ ፈታዊኻ ዘይከድካ?” በሎ።
18ኵሲ ድማ ንኣቤሴሎም “ኣይፋለይን፤ ኣነስ ናይቲ እግዚኣብሄርን እዝ ህዝቢ እዙይን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ዝሓረይዎ እየ፤ ምስኡ ኸዓ እነብር። 19መሊሱውን፥ ንመን ድየ ኸገልግል ዘለኒ? ንኣኻ ንወዱዶ ኣይኮነን? ከምቲ ነቦኻ ዘገልገልክዎ ንኣኻ ድማ ኸገልግለካ እየ” በሎ።
20ኣቤሴሎም ድማ ንኣኪጦፌል “እንታይ ንግበር? እስኪ ምኸሩ” በሎ።
21ኣኪጦፌል ከዓ ንኣቤሴሎም “ምስተን ቤት ንጉስ ክሕልዋ ዝሓደገን ኣንስቲ ወሰን ኣቦኻ ተራኸብ። ኵሉ እስራኤል ድማ ነቦኻ ኸም ዘዋረድካ ኽሰምዕ እዩ፤ ሽዑ ዅሎም እቶም ምሳኻ ዘለዉ ክተብዑ እዮም” በሎ። 22#2 ሳሙ. 12፡11-12። ንኣቤሴሎም ድማ ድንኳን ኣብ ናሕሲ ተኸሉሉ፤ ኣቤሴሎም ከዓ ዅሉ እስራኤል እናረአየ፥ ናብተን ዕቁባት ኣቦኡ ኣተወ።
23በቲ ጊዜ እቱይ ኣኪጦፌል ዝመኽሮ ምኽሪ ኸም ቃል እግዚኣብሄር ገይሮም ይቕበልዎ ነበሩ። ምስ ዳዊትን ምስ ኣቤሴሎምን ከዓ ኸምዙይ ነበረ።
Currently Selected:
2ይ ሳሙኤል 16: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: