2ይ ሳሙኤል 11:2-3
2ይ ሳሙኤል 11:2-3 ትመ15
ሓደ መዓልቲ ኣጋ ምሸት፥ ዳዊት ካብ ምድቃሱ ተሲኡ ኣብ ሰገነት ቤተ መንግስቱ ይመላለስ ነበረ። ኣብ ሰገነቱ እንተሎ ሓንቲ ሰበይቲ ማይ ክትሕፀብ እንተላ ረአያ፤ እታ ሰበይቲ ኸዓ ትርኢታ የመና ፅቡቕ ነበረ። ዳዊት ድማ ልኢኹ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ጠየቐ፤ እቲ ልኡኽ ከዓ “እዚኣስ ቤርሳቤህ ጓል ኤልያብ፥ ሰበይቲ እቲ ኬጢያዊ ኦርዮዶ ኣይኮነትን?” በሎ።