2ይ ሳሙኤል 10
10
ዳዊት ንኣሞናውያን ከም ዝሰዓሮም
(1 ዜና. 19፡1-19)
1ድሕሪዙይ፥ ንጉስ ደቂ ኣሞን ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ሓኖን ነገሰ። 2ዳዊት ድማ፥ ንሓኖን ወዲ ናዖስ “ከምቲ ኣቦኡ ንኣይ ሰናይ ዝገበረለይ፥ ንእኡ ሰናይ ክገብረሉ እየ” ኢሉ ሓሰበ። ብሓሽከሩ ገይሩውን ብዛዕባ ሞት ኣቦኡ ኸፀናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ።
እቶም ልኡኻት ዳዊት ከዓ ናብ ሃገር ደቂ ኣሞን ኣተዉ። 3እቶም መሳፍንቲ ደቂ ኣሞን ንጐይታኦም ሓኖን “ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩ ዘፀናንዑ ዝሰደደልካዶ ይመስለካ ኣሎ? ዳዊትስ ነዛ ኸተማ ኽዕዘባን ክስልያን ከጥፍኣንዶ ኣይኮነን ሓሻኽሩ ሰዲዱልካ ዘሎ?” በልዎ። 4ሽዑ ሓኖን ንኣገልገልቲ ዳዊት ወሲዱ፥ ፍርቂ ጭሕሞም ላፅዩ፥ ፈፍርቂ ኽዳውንቶም ከዓ ኽሳዕ ጥቓ ማዕጠቖኦም ቈሪፁ ሰደዶም።
5እዙይ ንዳዊት ነገርዎ፤ እቶም ሰባት እምብዛ ሓፊሮም ስለ ዝነበሩ፥ ክራኸብዎም ልኡኻት ሰደደሎም። ንጉስ ከዓ “እቲ ጭሕምኹም ክሳዕ ዝበቍል ኣብ ኢያሪኮ ፅንሑ፤ ምስ በቘለ ኸዓ ትምለሱ” ኢሉ ለኣኸሎም።
6ደቂ ኣሞን ድማ ብዳዊት ከም ዝተፀልኡ ምስ ፈለጡ፥ ንደቂ ኣሞን ልኢኾም ካብቶም ኣብ ቤት ሬሖብን ኣብ ሶባን ዝነብሩ ሶርያውያን ዕስራ ሽሕ ኣጋር፥ ካብ ንጉስ መዓካውን ሽሕ ሰባት፥ ካብ ሰብ ጦብ ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ ዕሱባት ብገንዘብ ቈፀሩ።
7ዳዊት እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንኢዮኣብ ነቶም ጀጋኑ ዝኾኑ ሰራዊት ኣትሒዙ ሰደዶ።
8ደቂ ኣሞን ከዓ ወፂኦም ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማኣቶም ንውግእ ተሰለፉ። እቶም ሶርያውያን ናይ ሶባን ሬሖብን ሰብ ጦብን መዓካን ድማ ንበይኖም ኣብ ሜዳ ተሰለፉ።
9ሽዑ ኢዮኣብ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ንውግእ ከም ዝተሰለፉ ምስ ረአየ፥ ንሱውን ካብ ኵሎም ጀጋኑ እስራኤል ሓርዩ፥ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም። 10ነቶም ዝተረፉ ሰራዊት ከዓ ኣብ ኢድ ኣቢሳ ሓዉ ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚ ደቂ ኣሞን ክዋግኡ ኣሰለፎም። 11ንኣቢሳ ድማ “ሶርያውያን ካባይ እንተ ሓየሉ፥ ንስኻ ርድአኒ፥ ደቂ ኣሞን ካባኻ እንተ ሓየሉ ድማ ኣነ ኽረድአካ እየ። 12ኣይዞኻ ፅናዕ፤ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ፀኒዕና ንዋጋእ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኸም ፍቓዱ ይግበር” በሎ።
13ኢዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ሰራዊትን ድማ ንሶርያውያን ክዋግእዎም ቀረቡ። ንሳቶም ከዓ ኻብ ቅድሚኣቶም ሃደሙ። 14እቶም ደቂ ኣሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረአዩ፥ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚ ኣቢሳ ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ሽዑ ኢዮኣብ ምስ ደቂ ኣሞን ምውጋእ ሓዲጉ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሰ።
15ሶርያውያን ከዓ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ብሓደ ተኣከቡ። 16ኣድርኣዛር ድማ ልኢኹ ነቶም ኣብ ሰገር ኤፍራጥስ ዝነበሩ ሶርያውያን ኣምፅኦም፤ ናብ ኤላምውን መፁ፤ ሶባክ ሓለቓ ሰራዊቱ ኸዓ ኣብ ቅድሚኣቶም ነበረ። መሪሕዎምውን ናብ ሔላም መፁ።
17እዙይ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ንዅሉ እስራኤል ኣኽተተ፤ ንዮርዳኖስ ተሳጊሩውን፥ ናብ ኤላም ከደ፤ ሶርያውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ተሰሊፎም ምስኡ ተዋግኡ። 18እቶም ሶርያውያን ድማ ኻብ ቅድሚ እስራኤል ሃደሙ። ዳዊት ከዓ ኻብ ሶርያውያን ሸውዓተ ሚእቲ ሰብ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ ፈረሰኛታትን ቀተለ፤ ንሾባኽ ሓለቓ ሰራዊት ድማ ቐተሎ። 19እቶም ንኣድርኣዛር ዝግዝኡ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም ዝተስዓሩ ምስ ረአዩ፥ ምስ እስራኤል ተዓሪቖም ንኣኣቶም ተገዝኡ፤ ገበሩሎምውን።
ሶርያውያን ከዓ ድሕሪዙይ ፈሪሖም ንደቂ ኣሞን ኣይረድእዎምን።
Currently Selected:
2ይ ሳሙኤል 10: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in