YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ነገስት 5

5
ንእማን ከም ዝሓወየ
1ንእማን ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ሶርያ ዓቢይን ክቡርን ሰብ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ብእኡ ገይሩ ንሶርያ ዓወት ሂብዎም ስለ ዝነበረ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ዓቢይን ክቡርን ነበረ። ግና ለምፃም ነበረ።
2ካብ ሃገር ሶርያውያን ሓደጋ ዘውድቑ መፂኦም ነበሩ፤ ካብ ምድሪ እስራኤል ድማ፥ ሓንቲ ንእሽተይ ጓል ማሪኾም ወሲዶም ነበሩ። ንሳ ኸዓ ኣገልጋሊት ሰበይቲ ንእማን ኮይና ነበረት። 3ንሳ ንእምበይተኣ “ጐይታይስ ናብቲ ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነቢይ እንተ ዝኸይድ ካብ ለምፁ መሕወዮ ነይሩ” በለታ።
4ንእማን ከዓ ኣትዩ ንጐይታኡ፥ እታ ኻብ ሃገር እስራኤል ዝመፀት ጓል፥ ከምዙይን ከምዙይን ኢላ ተዛሪባ ኢሉ ነገሮ። 5እቲ ንጉስ ሶርያ ድማ “እምበኣርከስ ኪድ፤ ኣነ ኸዓ ንንጉስ እስራኤል መልእኽቲ ኽሰደሉ እየ” በሎ። ሽዑ ንሱ ሰላሳ ሽሕ ቅርሺ ብሩርን ሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ወርቅን ዓሰርተ ቕያር ክዳውንትን ሒዙ ኸደ። 6እታ መልእኽቲ ድማ ንንጉስ እስራኤል ኣብፅሐሉ። ንሳ “እንሆ ንእማን ሓሽከረይ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ሒዙ ይመፀካ ኣሎ እሞ፥ ካብ ለምፁ ኸም ዝሓዊ ግበር” እትብል ነበረት።
7እቲ ንጉስ እስራኤል ነታ መልእኽቲ ምስ ኣንበባ፥ ክዳውንቱ ቐዲዱ “ነዚ ሰብኣይ እዙይ ካብ ለምፁ ኸሕውዮ ኢሉ ዝሰደደለይ፥ ዝቐትልን ዘሕውንስ፥ ኣነዶ ኣምላኽ እየ? ንሱ ምኽንያት ባእሲ ይደልየለይ ከም ዘሎዶ፥ ትሪኡ ኣለኹም” በለ።
8እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኤልሳዕ፥ ንጉስ እስራኤል ክዳውንቱ ኸም ዝቐደደ ምስ ሰምዐ፥ ናብቲ ንጉስ ልኢኹ “ስለ ምንታይ ኢኻ ኽዳውንትኻ ዝቐደድካ? እቲ ሰብኣይ ኣብ እስራኤል ነቢይ ከም ዘሎ ኽፈልጥስ ናባይ ይምፃእ” በሎ። 9ስለዙይ ንእማን በፍራሱን ብሰረገላታቱን መፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኤልሳዕ ደው በለ። 10ኤልሳዕ ከዓ ናብኡ ልኡኽ ሰዲዱ “ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ኪድ እሞ ሸውዓተ ሻዕ ተሓፀብ፤ ስጋኻ ድማ ኽሓዊ እዩ” በሎ።
11ንእማን ግና ዀርዩ ክኸይድ ተልዓለ እሞ “እንሆ፥ ኣነስ ብርግፅ ወፂኡ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ ተማህሊሉ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ለምፂ ዘለዎ ስፍራ ብኢዱ ዳህሲሱ ዘሕውየኒ መሲሉኒ ነይሩ። 12ካብ ኵሉ ማያት እስራኤልስ እቲ ኣብ ደማስቆ ዘሎ ኣባናን ፋርፋን ዝበሃሉ ሩባታትዶ ግዳ ኣይበልፁን፤ ኣብኡ ተሓፂበዶ ኣይምሓወኹን?” በለ። ተቘጢዑ ድማ ተመሊሱ ኸደ።
13ሓሻኽሩ ግና ቕርብ ኢሎም “ጐይታይ፥ እዝ ነቢይ ከቢድ ነገር እንተ ዝእዝዘካስ፥ ኣይምገበርካዮንዶ ኔርካ? ‘ተሓፀብ እሞ ሕወ’ እንተበለካ ግዳ እንታይ ኣለዎ?” ኢሎም ተዛረብዎ። 14ሽዑ ወሪዱ፥ ከምቲ ኤልሳዕ ዝበሎ፥ ኣብ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ሻዕ ጠለቐ፤ ቈርበቱ ኸዓ ሓወየ፤ ከም ቈርበት ንእሽተይ ቘልዓ ኾይኑ ድማ ነፅሀ። #ሉቃ. 4፡27።
15ሽዑ ንእማን ምስ ኵሎም ሓሻኽሩ ተመሊሱ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ መፀ፤ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ “እንሆ፥ ሕዝስ እንትርፊ ኣምላኽ እስራኤል ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ፈለጥኩ፤ ሕዚ ኸዓ፥ ካብ ሓሽከርካ ገፀ በረኸት በይዛኻ ተቐበል” በሎ።
16ኤልሳዕ ግና “በቲ ኣነ ዘገልግሎ ህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ፤ ኣይቅበለካን እየ” በሎ። ንእማን ድማ ኽቕበሎ ግዲ በሎ። ኤልሳዕ ግና ኣበየ።
17ሽዑ ንእማን “እዙይ ምቕባል ካብ ኣበኻኒ ንኣይ ንሓሽከርካ ኽልተ ፅዕነት በቕሊ መሬት በይዛኻ ሃበኒ። ድሕሪ ደጊምስ ኣነ ሓሽከርካ ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ኣየቕርብን እየ። 18ግና ጐይታይ ንጉስ ኣብ ቤት ጣዖት ሪሞን ኣትዩ ኽሰግድ እንተሎ ንኣይ ተመርኲሱ ስለ ዝሰግድ ኣነ ድማ ምስኡ እሰግድ እየ እሞ፥ በዝ ነገር እዙይ እግዚኣብሄር ንኣይ ንሓሽከርካ ይቕረ ይበለለይ፤ በዙይስ እግዚኣብሄር ከም በደል ኣይቝፀረለይ” በለ።
19ኤልሳዕ ድማ “ብሰላም ኪድ” በሎ። ካብኡ ኸዓ ቑሩብ መንገዲ ኸደ። 20ንሱ ርሕቕ ኢሉ ምስ ከደ፥ ኣገልጋሊ ኤልሳዕ ዝኾነ ግያዝ “ጐይታይ ንሶርያዊ ምንም እንተይተቐበለ ኣሰናቢትዎ፥ ብስም እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ ብፍጥነት ኣርኪበ፥ ካብኡ ሓደ ነገር ክረክብ ኣለኒ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ።
21ሽዑ ግያዝ ደድሕሪ ንእማን ሰዓበ። ንእማን ከዓ ደድሕሪኡ ኽጐዪ ምስ ረአዮ፥ ክቕበሎ ኻብ ሰረገላ ዘሊሉ ወረደ እሞ “ብዳሕናኻዶ?” በሎ።
22ግያዝ ድማ “ደሓን፥ ጐይታይ ‘እንሆ ኽልተ መንእሰይ ማሕበር ደቂ ነቢያት ካብ ደጕዓ ኤፍሬም ሕዚ መፂኦምኒ እሞ፥ በይዛኻ፥ ንኣኣቶም ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ ብሩርን ክልተ ቕያር ክዳንን ሃቦም’ ኢሉ ጐይታይ ልኢኹኒ” በሎ።
23ንእማን ከዓ “አረ ሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ውሰድ” ኢሉ ግዲ በሎ። ሽዱሽተ ሽሕ ቅርሺ ብሩር ኣብ ክልተ ኸረጢት ኣሲሩ፥ ከምኡውን ክልተ ቕያር ክዳውንትን ገይሩ ንኽልተ ሓሻኽሩ ሃቦም፤ ንሳቶም ድማ ተሰኪሞምዎ ቐቅድሚ ግያዝ ከዱ። 24ኣብታ ኤልሳዕ ዘለዋ ዀረብታ ምስ በፅሑ ኸዓ ተቐቢሉ ኣብ ገዛኡ ኣንበሮ፤ ነቶም ሓሻኽር ንእማን ድማ ኣፋነዎም እሞ ኸዱ። 25ንሱ ኸዓ ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ኤልሳዕ ደው በለ። ኤልሳዕ ድማ “ግያዝ፥ ካበይ መፂእኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ሓሽከርካ ናብ ዝኸድክዎ የብለይን” በሎ።
26ንሱ ድማ “ንእማን ካብ ሰረገላኡ ወሪዱ ኽቕበለካ እንተሎዶ ልበይ ምሳኸ ኣይከደን? ሎሚ ብሩርን ክዳውንትን ቦታ ኣታኽልቲ ዘይትን ወይንን ኣባጊዕን ኣብዑርን ሓሻኽርን ኣግራድን እተጥርየሉ ጊዜ ድዩ? 27እምበኣርከስ እቲ ለምፂ ንእማን ንዘለኣለም ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ይልገብ” በሎ። ሽዑ ሕማም ለምፂ ሓመመ፤ ቈርበቱ ኸዓ ኸም በረድ ፃዕድዩ፥ ለምፃም ኮይኑ ኻብ ቅድሚ ኤልሳዕ ወፀ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in