2ይ ነገስት 24
24
1 #
ኤር. 25፡1-38፥ ዳን. 1፡1-2። ብዘመን ኢዮኣቄም፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን መፀ። ኢዮኣቄም ድማ ሰለስተ ዓመት ተገዝአሉ። ግና መሊሱ ዓመፀ። 2እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ብኣፍ ባሮቱ ነቢያት ዝተዛረቦ፥ ንይሁዳ ምእንቲ ኸጥፍእዋ ጭፍራታት ከለዳውያንን ሶርያውያንን ሞኣባውያንን ኣሞናውያንን ናብኣ ሰደደ። 3እዙይ ከዓ ብሰንኪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት፥ እግዚኣብሄር ንይሁዳ ኻብ ገፁ ከወግዳ ስለ ዝኣዘዘ እዩ። 4ብፍላይ ድማ ንፁህ ደም ብምፍሳስ፥ ንኢየሩሳሌም ብደም ስለ ዝመልኣ እዩ። በዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ንምናሴ ክርህርሀሉ ኣይደለየን።
5እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣቄም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዅሉን ከዓ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 6ኢዮኣቄም ድማ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢኮንያን ነገሰ።
7ነቲ ግዝኣት ንጉስ ግብፂ ዝኾነ፥ ካብ ሩባ ግብፂ ጀሚሩ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ ንጉስ ባቢሎን ሒዝዎ ነበረሞ፥ ድሕሪዙይ ንጉስ ግብፂ ምስ ሰራዊቱ ኻብ ሃገሩ ወፂኡ ኣይፈልጥን።
ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 36፡9-10)
8ኢኮንያን ክነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ሰለስተ ወርሒ ገዝአ። እኖኡ ኔስታ እትበሃል ጓል ኤልናታን በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት። 9ንሱ ኸዓ ኸምቲ ዅሉ ኣቦኡ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
10ኢኮንያን ነጊሱ እንተሎ፥ ሰራዊት ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም ደዪቦም ነታ ኸተማ ኸበብዋ። 11እቶም ሰራዊት ከቢቦምዋ እንተለዉ ኸዓ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብታ ኸተማ መፀ። 12#ኤር. 22፡24-30፥ 24፡1-10፥ 29፡1-2። ሽዑ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳን እኖኡን ሓሻኽሩን ኣዘዝቲ ሰራዊቱን ሹመኛታቱን ናብ ንጉስ ባቢሎን ወፁ።
ናቡከደነፆር ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ ሻምናይ ዓመቱ ንኢኮንያን ሓዞ። 13ከምቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ድማ፥ ንዅሉ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ቤት ንጉስን ወሪሩ ንባቢሎን ወሰዶ፤ ነቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝሰርሖ ዅሉ ኣቑሑ ወርቂ ኸዓ ሰባበሮ። 14ንህዝቢ ኢየሩሳሌም፥ ብሙሉኦም ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተዋጋእትን ፀረብትን ቀጥቀጥቲ ሓፂንን፥ ብሙሉኦም ዓሰርተ ሽሕ ማሪኹ ወሰደ፤ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ከዓ፥ እንትርፊ እቶም ድኻታት፥ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
15 #
ሕዝ. 17፡12። ንኢኮንያን ድማ ናብ ባቢሎን ማሪኹ ወሰዶ፤ ንእኖ እቲ ንጉስን ነንስቲ ንጉስን ንሹመኛታቱን ንዓበይቲ እታ ሃገርን ከዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። 16ናቡከደነፆር ሸውዓተ ሽሕ ዝኾኑ ንውግእ ዝበቕዑ ተዋጋእቲ፥ ሽሕ ዝኾኑ ፀረብትን ቀጥቀጥቲ ሓፂንን፥ ንዅሎም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። 17#ኤር. 37፡1፥ ሕዝ. 17፡13። ከምኡውን ናቡከደነፆር ንማታንያ፥ ሓወቦኡ ንኢኮንያን፥ ኣብ ይሁዳ ኣንገሶ። ስሙ ድማ ሴዴቅያስ ኢሉ ለወጠሉ።
ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 36፡11-12፥ ኤር. 52፡1-3)
18ሴዴቅያስ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ኣሚጣል እትበሃል ጓል ኤርሚያስ በዓልቲ ሊብና ነበረት። #ኤር. 27፡1-22፥ 28፡1-17። 19ንሱውን ከምቲ ዅሉ ኢዮኣቄም ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። 20#ሕዝ. 17፡15። እዝ ዅሉ ዝኾነ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌምን ንይሁዳን የመና ስለ ዝተቘጥዐን እዩ። ካብ ቅድሚ ገፁ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ሴዴቅያስ ድማ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን ዓመፀ።
Currently Selected:
2ይ ነገስት 24: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: