2ይ ነገስት 21
21
ምናሴ ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 33፡1-20)
1ምናሴ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሔፍሴባ ትበሃል ነበረት። 2#ኤር. 15፡4። ንሱ ኸዓ፥ ከም ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ገፅ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ርኽሰት ብምግባር፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በደለ። 3ነቲ ኣቦኡ ሕዝቅያስ ዘፍረሶ፥ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፤ ንጣዖት በዓል ከዓ መሰውኢታት ኣቖመ፤ ከምቲ ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ድማ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ገበረ፤ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን። 4#2 ሳሙ. 7፡13። ኣብታ እግዚኣብሄር “ስመይ ኣብኣ ኸንብር እየ” ኢሉ ዝተዛረበላ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እንተይተረፈ ናይ ጣዖት መሰውኢታት ሰርሐ። 5ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ ዘምልኹሉ መሰውኢታት ሰርሐሎም። 6ንወዱ ኸዓ ብሓዊ ኽሓልፍ ገበሮ፤ ይጥንቍልን የማርትን ድማ ነበረ። መናፍስቲ ምዉታት ዝፅውዑን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ሰባት ከዓ ኣከበ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ብምግባሩ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዖ።
7ነቲ ዝገበሮ ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣንበሮ። ግና እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን ከምዙይ ኢልዎም ነበረ፦ “ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ ኢየሩሳሌምን ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ። 8#1 ነገ. 9፡3-5፥ 2 ዜና. 7፡12-18። ሓንትስ ከምቲ ዅሉ ዝኣዘዝክዎምን ከምቲ ብባርያይ ሙሴ ገይረ ዝሃብክዎም ኵሉ ሕግን ከዓ ንምፍፃም እንተ ተጠንቀቑ፥ ሽዑ ንደቂ እስራኤል ካብታ ነቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣየግዕዞምን እየ።” 9ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፤ ምናሴ ድማ ኣስሓቶም። ደቂ እስራኤል ከዓ ኻብቲ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝኸፍአ ሓጢኣት ገበሩ።
10ሽዑ እግዚኣብሄር ብባሮቱ ነቢያት ገይሩ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ 11“ምናሴ ንጉስ ይሁዳ ዘፀይፍ ሓጢኣት ስለ ዝገበረን፥ ካብቲ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ዝኸፍአ ሓጢኣት ስለ ዝገበረን ንይሁዳ ድማ ብጣዖታቱ ስለ ዘሕጥኦምን፥ 12እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ንዝሰምዖ ዅሉ ዘስካሕክሕ፥ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌምን ይሁዳን ክፉእ ነገር ከምፅእ እየ። 13እቲ ገመድ ሰማርያን እቲ ሚዛን ቤት ኣክኣብ ንጉስ እስራኤልን፥ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌምውን ክዝርግሖ እየ። ከምቲ ንፃሕሊ ወልዊልካ ብኣፉ እትደፍኦ፥ ከምኡ ድማ ኣነ ንኢየሩሳሌም ወልዊለይ ክግልብጣ እየ። 14ነቶም ተረፍ ርስተይ ከዓ ኽድርብዮም እየ፤ ኣብ ኢድ ፀላእቶም ድማ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ንሳቶም ከዓ ኽማርኽዎም እዮም፤ ንምድሮም ድማ ኽዘርፍዎ እዮም። 15እዙይ ከዓ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ስለ ዝገበሩን፥ ካብታ ኣቦታቶም ካብ ግብፂ ዝወፁላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ስለ ዘቘጥዑንን እዩ።”
16ምናሴ ብዙሓት ንፁሃት ሰባት ቀተለ፤ መንገድታት ኢየሩሳሌም ከዓ ብደም መልአን። እዙይ ድማ ብዘይ እቲ ንህዝቢ ይሁዳ ናብ ኣምልኾ ጣዖት መሪሑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ከም ዝገብሩ ዝገበሮም እዩ።
17እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን፥ ኵሉ ዝገበሮን፥ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 18ምናሴ ሞተ፤ ኣብ ኣታኽልቲ ቤተ መንግስቱ፥ ኣብ ኣታኽልቲ ዖዛ ድማ ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኣሞፅ ነገሰ።
ኣሞፅ ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 33፡21-25)
19ኣሞፅ ክነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ኽልተ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ሜሶላም እትበሃል ጓል ሓሩስ በዓልቲ ዮጥባ ነበረት። 20ንሱ ኸዓ ኸምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። 21ብዅሉ እቲ ኣቦኡ ዝኸዶ መንገዲ ድማ ኸደ፤ ነቶም ኣቦኡ ዘገልገሎም ጣዖታት ከዓ ኣገልገሎምን ሰገደሎምን። 22ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ሓደገ፤ ብመንገዲ እግዚኣብሄርውን ኣይከደን።
23ሹመኛታት ኣሞፅ ድማ ሻራ ገበሩሉ እሞ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ። 24ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞን ዘሻረዉሉ ዅሎም ቀተሎም። ክንድኡ ኸዓ ንወዱ ኢዮስያስ ኣንገሶ።
25እቲ ዝተረፈ ኣሞፅ ዝገበሮ ነገር ድማ፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 26ኣብ መቓብሩ ኣብ ኣታኽልቲ ዖዛ ድማ ተቐበረ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮስያስ ነገሰ።
Currently Selected:
2ይ ነገስት 21: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: