YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ነገስት 18

18
ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 29፡1-231፡1)
1ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ሳልሰይቲ ዓመቱ፥ ሕዝቅያስ ወዲ ኣካዝ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። 2ንሱ ኽነግስ እንተሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ጐበዝ ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኣቡ እትበሃል ጓል ዘካርያስ ነበረት። 3ሕዝቅያስ ከምቲ ዅሉ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ። 4#ዘሑ. 21፡9። ነቲ ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽቲ መስገዲታት ኣወገዶ፤ ነቲ ኣዕማድ ኣእማን ሰባበሮ፤ ነቲ ሓወልትታት ኣስታሮትውን ኣዕነዎ። ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ናይ ነሃስ ተመን ድማ፥ ደቂ እስራኤል ክሳዕ እቲ ዘመን እቱይ ይዓጥኑሉ ስለ ዝነበሩ ሰባባሮ። ስሙውን ነሑሽታን ኢሉ ፀውዖ።
5ሕዝቅያስ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተኣመነ፤ ይሁዳ ኸዓ ቕድሚኡ ኾነ ድሕሪኡ ኸምኡ ዝበለ ንጉስ ረኺባ ኣይትፈልጥን። 6ንሱ ምስ እግዚኣብሄር ተጣበቐ፤ ንእኡ ካብ ምኽታልውን ኣይረሓቐን፤ ነቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዛቱ ሓለወ።
7ስለዙይ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ፤ ዝኸዶ መንገዲውን ይቐንዖ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ንጉስ ኣሶር ዓመፀ፤ ግብሪውን ኣይገበረሉን። 8ንፍልስጥኤማውያን ድማ ኻብ ግንቢ ሓሻኽር ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ዕርድቲ ኸተማ ኽሳዕ ጋዛን ወሰናታን ሰዓሮም።
9ንጉስ ሕዝቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፥ ሆሴዕ ወዲ ኤላ ድማ፥ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመቱ፥ ስልምናሶር ንጉስ ኣሶር ንኸተማ ሰማርያ ኸበባ። 10ኣብ መወዳእታ እታ ሳልሰይቲ ዓመት ከዓ ሰማርያ ተትሓዘት። እዙይ ዝኾነ ሕዝቅያስ ካብ ዝነግስ ኣብ ሻድሻይ ዓመቱ፤ ሆሴዕ ካብ ዝነግስ ከዓ ኣብ ታሽዓይ ዓመቱ እዩ። 11እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ንእስራኤላውያን ማሪኹ ናብ ኣሶር ወሰዶም፤ ኣብ ኣላሔ፥ ኣብ ኣቦር፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ጐዛን፥ ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንውን ኣቐመጦም። 12እዙይ ከዓ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዘይሰምዕዎን ንኺዳኑ ብምፍራሶምን፥ ነቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ስለ ዘይሰምዕዎን ዘይገበርዎን እዩ።
ወረራ ሰናክሬም
(2 ዜና. 32፡1-19ኢሳ. 36፡1-22)
13ሕዝቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመቱ፥ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ንዅለን እተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ወሪሩ ሓዘን። 14ሽዑ ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ኣብ ለኪሽ እንተሎ፥ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ “በዲለ እየ፤ ግና ዘሰከምካኒ ክስከም እየ እሞ፥ ካብ ምድረይ ተመለስ” ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፤ ሰናክሬም ከዓ ንሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ “ዓሰርተ ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩርን ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቅን ክፈል” በሎ። 15ሕዝቅያስ ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዝገብ ቤተ መንግስትን ዝተረኽበ ዅሉ ብሩር ሃቦ።
16ከምኡውን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቲ መዓፁ መቕደስ እግዚኣብሄርን ልዳውቱን ለቢጥዎ ዝነበረ ወርቂ ባዕሉ ቐንጢጡ ንንጉስ ኣሶር ሃቦ።
17ንጉስ ኣሶር ግና ንተርታንን ራፌስን ንራፋስቂስን ምስ ብርቱዕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሶ ናብ ንጉስ ሕዝቅያስ ናብ ኢየሩሳሌም ሰደዶም። ደዪቦም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም መፁ፤ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ መንገዲ ግራት ሓፃቢ ዘሎ ላዕለዋይ መስኖ ቖሙ። 18“ንንጉስ ሕዝቅያስ ፀውዑልና” ድማ በሉ። ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ኬልቅያስ ኣዛዚ ቤትን፥ ሰብና ፀሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ ፀሓፊ ታሪኽን ናብኣቶም ወፁ።
19ራፋስቂስውን በሎም፦
“ንንጉስ ሕዝቅያስ ከምዙይ በልዎ፦
“እቲ ዓብዪ ንጉስ፥ ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እዝ ተኣሚንካዮ ዘለኻ እሙንቶ እዙይ እንታይ እዩ? 20ንስኻ ንውግእ ክእለትን ሓይልን ኣለኒ ትብል ኣለኻ፤ ግና ቃል ከንፈር ጥራሕ እዩ። እቲ ዝኸዳዕኻኒ ደኣ ብመን ተኣሚንካ ኢኻ? 21እንሆ፥ ሕዚ ብግብፂ በቲ ጭፍሉቕ በትሪ ሻምብቆ ኢኻ ተኣሚንካ ዘለኻ። ንሱ ንዝተመርኰሶ ሰብ፥ ናብ ኢዱ ኣንኲሉ እዩ ዝኣቱ፤ የንኵሎን የቝስሎንውን፤ ፈርዖን ንጉስ ግብፂ ኸዓ ንዝተኣማመንዎ ዅሎም ከምኡ እዩ።”
22“ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ተኣሚንና ኣለና እንተ በልኩምኒ ድማ፥ ንስኻ ሕዝቅያስ ንህዝቢ ይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ኣብ ቅድሚ እዝ መሰውኢ እዙይ ኣብ ኢየሩሳሌም ስገዱ ኢልካ ኣብ ኰረብታ ዝነበሩ መሰውኢታቱ ዘፍረስካሉ ንስኻዶ ኣይኮንካን?
23“ሕዚ ድማ ምስ ጐይታይ ንጉስ ኣሶር ተወራረድ። ንስኻ፥ ዝቕመጥዎም ክተምፅእ እንተ ኽኢልካስ፥ ክልተ ሽሕ ኣፍራስ ክህበካ እየ። 24ብናይ ግብፂ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን እንተ ተኣመንካ፥ ካብዞም ኣናእሽቱ ሓሻኽር ጐይታይ ንሓደ ሓለቓ ኽትመልስ ኣይትኽእልን ኢኻ። 25ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄርዶ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸጥፍኣ ዝመፃእኹ ይመስለካ? እግዚኣብሄር እዩ ናብዛ ሃገር እዚኣ ደይብካ ኣጥፍኣያ ዝበለኒ በልዎ” በሎም።
26ሽዑ ኤልያቄም ወዲ ኪልቂያን ሳምናስን ዮኣሳን ነቲ መራሒ ንራፋስቂስ “ንሕና ንሰምዖ ኢና እሞ፥ በይዛኻ ንሓሻኽርካ ብቛንቋ ሶርያ ተዛረበና፤ ግና እዝ ኣብ መካበቢያ ዘሎ ህዝቢ እናሰምዐ ብቋንቋ ኣይሁድ ኣይትዛረበና” በልዎ።
27ራፋስቂስ ግና “ንጉስ፥ እዝ ነገር እዙይ ክናገር ናባኻን ናብ ጐይታኻንዶ ልኢኹኒ እዩ? ናብቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለዉ እሞ፥ ምሳኻትኩም ኵስሖም ክበልዑን ሽንቶም ክሰትዩን ዘለዎም ሰባትዶ ኣይኮነን?” በሎም።
28ሽዑ ራፋስቂስ ደው ኢሉ ብቛንቋ ኣይሁድ ዓው ኢሉ ተዛረበ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ፥ ንጉስ ኣሶር ስምዑ። 29እቲ ንጉስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሕዝቅያስ ካብ ኢደይ ከድሕነኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፥ ንሱ ኣየዐሹኹም። 30ሕዝቅያስ ድማ፥ ‘እግዚኣብሄር ብርግፅ ከድሕነና እዩ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸዓ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትወሃብን እያ’ እናበለ ብእግዚኣብሄር ኣየእምንኩም።
31“ንሕዝቅያስ ኣይትስምዕዎ። ንጉስ ኣሶር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምሳይ ተዓረቑ፤ ናባይ ውፁ፤ ነፍሲ ወከፍ ወይኑ፥ ነፍሲ ወከፍ ድማ በለሱ ይብላዕ፤ ነፍሲ ወከፍ ከዓ ኻብ ዒላኡ ማይ ይስተ። 32ምእንቲ ኽትነብሩ እምበር ከይትሞቱስ፥ መፂአ ሃገርኩም ናብ እትመስል ሃገር፥ ናብ ሃገር እኽልን እንጀራን፥ ናብ ሃገር ኣታኽልቲ ወይንን ኰልዒ ወይንን፥ ናብ ሃገር ዘይትን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩም ‘እግዚኣብሄር ከድሕነና እዩ’ እናበለ ሕዝቅያስ ክጥብረኩም እንተሎ፥ ኣይትስምዕዎ። 33ካብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብከ ሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘድሓነዶ ኣሎ? 34ኣማልኽቲ ሓማትን ኣርፋድን ኣበይ ኣለዉ? ኣማልኽቲ ሴፈርዋይምን ሄናዕን ዒዋንከ ኣበይ ኣለዉ? ንሰማርያዶ ኻብ ኢደይ ኣድሒኖምዋ እዮም? 35ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ንሃገሮም ካብ ኢደይ ዘድሓኑ ኣየንኦም እዮም? እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ካብ ኢደይ ከድሕና ዝኽእል ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ?”
36ንጉስ ሕዝቅያስ “ኣይትመልሱሉ” ኢሉ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፤ ሓደ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።
37ኤልያቄም ወዲ ኪልቂያ ኣዛዚ ቤትን፥ ሳምናስ ፀሓፍን፥ ዮኣሳ ወዲ ኣሳፍ ፀሓፊ ታሪኽን፥ ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ሕዝቅያስ መፁ እሞ ዘረባ ራፋስቂስ ነገርዎ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in