YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ነገስት 14

14
ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ
(2 ዜና. 25፡1-24)
1ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ፥ ኣብ እስራኤል ምስ ነገሰ፥ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኣሜስያስ ወዲ ኢዮኣስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። 2ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ጐበዝ ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። እኖኡ ኸዓ ዮዓዳ እትበሃል በዓልቲ ኢየሩሳሌም ነበረት። 3ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ። ግና ኸምቲ ዅሉ ኣቦኡ ኢዮኣስ ዝገበሮ ደኣ ገበረ እምበር፥ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣይገበረን። 4ነቲ ኣብ ኰረብታታት ንጣዖታት ዘምልኹሉ ዝነበሩ ኣየወገዶን ነበረሞ፥ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ ኰረብታታት ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።
5መንግስቲ ምስ ፀንዐሉ፥ ነቶም ነቦኡ ኢዮኣስ ዝቐተሉ ኣገልገልቲ ቐተሎም። 6ግና፥ ከምቲ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ “ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቱ ደኣ ይሙት እምበር፥ ኣቦታት ክንዲ ደቂ ኣይሙቱ፤ ደቂውን ክንዲ ኣቦታት ኣይሙቱ” ኢሉ እግዚኣብሄር ኣዚዙ ስለ ዝነበረ ነቶም ደቂ ቐተልቲ ኣይቀተሎምን። #ዘዳ. 24፡16።
7ኣሜስያስ ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተ ሽሕ ኤዶማውያን ቀተለ፤ ንሴላ ኸዓ ብውግእ ሓዛ፤ ስማ ድማ ኸምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ፥ ዮቅትኤል ኢሉ ሰመያ።
8ሽዑ ኣሜስያስ ናብ ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ወዲ ኢዩ፥ ንጉስ እስራኤል “ነዓ ንስንሳትና ገፅ ንገፅ ንርአአ!” ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ።
9ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ከዓ ንኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ “እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ኳኲቶ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ዝግባ፦ ‘ንወደይ ሰበይቲ ኽትኮኖስ ጓልካ ሃበኒ’ ኢሉ ለኣኸሉ። ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ኣራዊት በረኻ ድማ ሓለፈ፤ ነቲ ኳኲቶ ኸዓ ረገፆ። 10ንኤዶምያስ ስለ ዝሰዓርካ፥ ልብኻ ተዓብዩ ኣሎ። ክበር፤ ኣብ ቤትካ ዓሪፍካ እንተ ተቐመጥካ ይሕሸካ፤ ንስኻን ህዝብኻን ንኽትጠፍኡ ኢልካስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ነቲ መከራ እትደልዮ?” ኢሉ ለኣኸሉ።
11ኣሜስያስ ግና ኣይሰምዖን። ሽዑ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ምስ ሰራዊቱ ደየበ እሞ፥ ንሱን ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳን ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤት ሳሚስ ተዋግኡ። 12ግና ሰራዊት ይሁዳ ተስዓሩ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ። 13ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ንኣሜስያስ ወዲ ኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ቤት ሳሚስ ማረኾ፤ ናብ ኢየሩሳሌም መፂኡ ድማ መካበብያ ኢየሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መኣዝን ክልተ ሚእቲ ሜትር ኣፍረሰ። 14ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤተ መዛግብቲ ቤት ንጉስን ዝተረኽበ ዅሉ ወርቅን ብሩርን ኵሉ ኣቑሑን ወሰደ፤ ተዓጊቶም ዝነበሩ ሰባትውን ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመለሰ።
15እቲ ዝተረፈ ኢዮኣስ ዝገበሮ ነገርን ጅግንነቱን እቲ ምስ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ ዝተዋግኦን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 16ኢዮኣስ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ምስ ነገስታት እስራኤል ከዓ ኣብ ሰማርያ ተቐበረ። ኢዮርብዓም ወዱ ኸዓ ኽንድኡ ነገሰ።
ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ ኸም ዝሞተ
(2 ዜና. 25፡25-28)
17ኣሜስያስ ወዲ ኢዮኣስ፥ ንጉስ ይሁዳ፥ ድሕሪ ሞት ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ንጉስ እስራኤል፥ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ፀንሐ። 18እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሜስያስ ነገር፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት ይሁዳ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
19ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ማሕላ ዓመፅ ገበሩሉ፤ ንሱ ኸዓ ናብ ላኪሶ ሃደመ። ደድሕሪኡ ድማ ናብ ላኪሽ ሰባት ሰዲዶም ኣብኣ ቐተልዎ። 20ሬሳኡ በፍራስ ፅዒኖም መለስዎ፤ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐበረ።
21ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ድማ፥ ነቲ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ዝገበረ ኣዛርያስ ወዱ ወሲዶም ክንዲ ኣቦኡ ኣሜስያስ ኣንገስዎ። 22ንሱ፥ ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ኣሜስያስ ንኤላት ከም ብሓድሽ ሰርሓ፤ ናብ ይሁዳ ድማ ኣምለሳ።
ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል
23ኣሜስያስ ወዲ ኢዮኣስ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመቱ ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ። ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ገዝአ። 24ንሱ ኸምቲ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነገር ገበረ፤ ካብ ሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ኣይረሓቐን። 25ንሱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብባርያኡ ነቢይ ዮናስ ወዲ ኣማቴ በዓል ጋትሔፌር ዝተዛረቦ ቓል፥ ነቲ ምድሪ እስራኤል ካብቲ ንሓማት ዘእቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ጨው #14፡25 ባሕሪ ጨው፦ ሕዚ “ምዉት ባሕሪ” ይበሃል። ኣምለሶ። #ዮናስ 1፡1።
26እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር መከራ እስራኤል እምብዛ ኸም ዝመረረ፥ እቲ እሱር ኮነ ዘይእሱር ከም ዝጠፍአ፥ ንእስራኤል ከዓ ረዳኢ ኸም ዘይብሉ ስለ ዝረአየ እዩ። 27እግዚኣብሄር ድማ ንስም እስራኤል ካብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስሶ ፍቓዱ ስለ ዘይነበረ፥ ብኢድ ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ ኣድሓኖም።
28እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮርብዓም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዅሉ ጅግንነቱን፥ ከመይ ከም ዝተዋግአ፥ ነተን ናይ ይሁዳ ኾይነን ዝነበራ ደማስቆን ሓማትን ከዓ ናብ እስራኤል ከም ዘምለሰን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 29ኢዮርብዓም ድማ ምስ ኣቦታቱ ምስ ነገስታት እስራኤል ደቀሰ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ዘካርያስ ነገሰ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in