2ይ ነገስት 10
10
ስድራ ኣክኣብ ከም ዝተቐትሉ
1ኣክኣብ ኣብ ሰማርያ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ። ኢዩ ድማ ናብ ሰማርያ፥ ናብ ኣሕሉቕ ኢይዝራኤል፥ ናብቶም ዓበይትን ናብቶም መዕበይቲ ደቂ ኣክኣብን ከምዙይ ዝብል መልእኽቲ ፅሒፉ ሰደደ፦ #ሆሴዕ 1፡4። 2“ደቂ ጐይታኹም ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ሰረገላታትን ኣፍራስን ዝተዓረደ ኸተማን ኣፅዋርንውን ምሳኻትኩም ኣሎ፤ ሕዚ ኸዓ እዛ መልእኽቲ እዚኣ ምስ በፅሐትኩም፥ 3ካብቶም ደቂ ጐይታኹም ንጉስ እቲ ዝበለፀን ዝሐሸን ርኢኹም ኣብ ዙፋን ኣቦኡ ኣቐምጥዎ እሞ ምእንቲ ቤት ጐይታኹም ተዋግኡ” ኢሉ ናብ ሰማርያ ለኣኸ።
4ንሳቶም ግና እምብዛ ተሸበሩ እሞ “እንሆ፥ ክልተ ነገስታት እኳ ኣብ ቅድሚኡ ክቆሙ፥ ዘይከኣሉስ ንሕና ግዳ ኸመይ ጌርና ንቐውም?” በሉ።
5ስለዙይ እቲ ኣዛዚ ቤትን እቲ ኣዛዚ እታ ኸተማን እቶም ዓበይትን እቶም መዕበይቲ ደቅን “ንሕና ሓሻኽርካ ኢና፤ ዝበልካና ዅሉ ንገብር፤ ደስ ዘብለካ ደኣ ግበር እምበር፥ ንሓደ እኳ ኣይነንግስን ኢና” ኢሎም ናብ ኢዩ ለኣኹሉ።
6ሽዑ ኢዩ ኻልኣይ ጊዜ “ንስኻትኩም ምሳይ እንተ ዄንኩም፥ ቃለይውን እንተ ሰሚዕኩምስ ኣራእስ እቶም ሰብዓ ደቂ ጐይታኹም ሒዝኩም፥ ፅባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ናብ ኢይዝራኤል ናባይ ኣምፅኡለይ” ኢሉ መልእኽቲ ፀሓፈሎም። እቶም ሰብዓ ደቂ ንጉስ ድማ ምስቶም ዘዕብይዎም ዓበይቲ እታ ኸተማ እዮም ዝነበሩ። 7እታ መልእኽቲ ምስ በፅሐቶም፥ ነቶም ሰብዓ ደቂ ንጉስ፥ ሒዞም ሓረድዎም፤ ነቲ ኣራእሶም ድማ ኣብ ከፈራት ገይሮም ናብ ኢይዝራኤል ናብ ኢዩ ሰደድዎ። 8ልኡኽ መፂኡ ኸዓ “ኣራእስ እቶም ደቂ ንጉስ ኣምፂኦምዎ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮ። ንሱ ድማ “ክሳዕ ፅባሕ ኣብቲ ኣፍ ደገ፥ ኣብ ክልተ ዅምራ ግበርዎ” በለ።
9ንፅባሒቱ ወፂኡ ድማ ነቲ ዅሉ ህዝቢ “ንጐይታይ ሻራ ዝገበርኩሉን ዝቐተልክዎን ኣነ እየ፤ ንስኻትኩም ግና ንፁሃት ኢኹም። ነዚኣቶም ኵሎም ደኣ መን ቀተሎም? 10እምበኣርከስ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ቤት ኣክኣብ ዝተዛረቦ ቓል ሓደ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይወድቕ ፍለጡ፤ እግዚኣብሄር ነቲ ብባርያኡ ኤልያስ ዝተዛረቦ፥ ኵሉ ፈፀሞ” በሎም። 11ኢዩ ኸዓ ኣብ ኢይዝራኤል ካብ ቤት ኣክኣብ ተሪፎም ንዝነበሩ ዅሎምን ንዅሎም ዓበይቱን ፈተውቱን ካህናቱን ሓደ እኳ እንተየትረፈ ቐተሎም።
ኣዝማድ ንጉስ ኣካዝ ከም ዝተቐትሉ
12ድሕሪዙይ ኢዩ ኻብ ኢይዝራኤል ተሲኡ ወፀ፤ ናብ ሰማርያውን ከደ። ኣብታ ኣብ መንገዲ ዘላ “ቤት ሓለውቲ ኣባጊዕ” ናብ እትበሃል ቦታ ምስ በፅሐ፥ 13ነሕዋት ኣካዝ ንጉስ ይሁዳ ረኸቦም እሞ “ንስኻትኩም እንመን ኢኹም?” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ንሕና ኣሕዋት ኣካዝ ኢና፤ ንደቂ ንጉስን ንደቂ ንግስትን ሰላም ክንብል ድማ ንወርድ ኣለና” በልዎ።
14ንሱ ኸዓ “ብህይወቶም ሓዝዎም” በለ። ነቶም ኣርብዓን ክልተን ሰባት ከዓ ብህይወቶም ሒዞም ኣብቲ ጥቓ “ቤት ሓለውቲ ኣባጊዕ” #10፡14 ቤት ሓለውቲ ኣባጊዕ፦ ብዕብራይስጢ “ቤት ኤክድ” ይብል። ኣብ ዘሎ ዒላ ሓረድዎም፤ ካብኣቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣየትረፈን።
እቶም ዝተረፉ ኣዝማድ ኣክኣብ ከም ዝተቐትሉ
15ኢዩ ኻብኡ ምስ ሓለፈ፥ ንኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኣብ መንገዲ ረኸቦ፤ ሰላም ምስ በሎ ድማ “ኣነ ኸምቲ ናትካ እየ ዝሓስብ፤ ንስኻኸ ኸምቲ ሓሳባተይ ድዩ ሓሳብካ?” በሎ። ኢዮናዳብ ከዓ “እወ፥ ከምኡ እዩ” በሎ። “ከምኡ እንተ ደኣ ኾይኑስ ኢድካ ሃበኒ” በሎ። ኢዱ ድማ ሃቦ። ናብ ሰረገላ ኸዓ ናብኡ ኣደየቦ። 16“ምሳይ ነዓ እሞ እቲ ንእግዚኣብሄር ዘለኒ ቕንኣት ረአ” ድማ በሎ። ኣብ ሰረገላ ተቐሚጦም ከዓ ብሓደ ኸዱ።
17ናብ ሰማርያ ምስ ኣተዉ ኸዓ ኢዩ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ዝተዛረቦ ቓል ካብ ኣዝማድ ኣክኣብ ኣብ ሰማርያ ንዝተረፉ ዅሎም ቀተሎም።
መምለኽቲ ጣዖት በዓል ከም ዝተቐትሉ
18ኢዩ ድማ ንብዘሎ ህዝቢ ኣኪቡ “ኣክኣብ ንበዓል ቁሩብ እዩ ዘገልገሎ፤ ኢዩ ግና ኣብዚሑ ኸገልግሎ እዩ። 19ሕዚ ኸዓ፥ ንጣዖት በዓል ብዙሕ ዝስውኦ ኣለኒ እሞ፥ ንዅሎም ነቢያት በዓልን፥ ንኵሎም ኣገልገልቱን ንኵሎም ካህናቱን ፀውዑለይ፤ ሓደ ሰብ እኳ ኸይተርፍ፤ ዝተርፍ እንተ ሃልዩ ብህይወት ኣይነብርን እዩ” በሎም። እዙይ ግና ኢዩ ነቶም ኣገልገልቲ ጣዖት በዓል ምእንቲ ኸጥፍኦም ኢሉ ዝሓሰቦ ተንኰል ነበረ።
20ኢዩ ኸዓ “ንጣዖት በዓል ዓብዪ በዓል ግበሩሉ” በለ። ንሳቶም ድማ በዓል ኣወጁ። 21ኢዩ ድማ ናብ ኵሉ እስራኤል ለኣኸ፤ ኣገልገልቲ በዓል ከዓ ዅሎም መፁ፤ እንተይመፀ ዝተረፈ ሰብ ኣይነበረን። ናብ ቤት ጣዖት በዓል ድማ ኣተዉ፤ ቤት ጣዖት በዓል ከዓ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መልአት። 22ነቲ ሓላዊ ቅዱሳት ኣልባስ ድማ “ንዅሎም ኣገልገልቲ ጣዖት በዓል ኣልባስ ኣውፅአሎም” በሎ። ንሱ ኸዓ ኣልባስ ኣውፅአሎም።
23ሽዑ ኢዩ ምስ ኢዮናዳብ ወዲ ሬካብ፥ ናብ ቤት ጣዖት በዓል ኣተዉ እሞ፥ ነቶም ኣገልገልቲ ጣዖት በዓል “ካብቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ሓደ ኸይህሉ ኣስተብሂልኩም ረአዩ” በሎም። 24ኢዩን ኢዮናዳብን ከዓ መስዋእቲ ሕሩድን ዝቃፀል መስዋእትን ክስውኡ ኣተዉ። ኢዩ ግና ሰማንያ ሰብ ብወፃኢ ኣቐሚጡ “ካብዞም ኣነ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ሂበኩም ዘለኹ ሰባት ሓደ ሰብ እንተ ኣምለጠ፥ ክንዲ እቲ ዘምለጠ፥ እቲ ኸምልጥ ዝገበረ ሰብ ክቕተል እዩ” ኢልዎም ነበረ።
25ኢዩ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰዊኡ ምስ ፈፀመ፥ ነቶም ሓሻኽርን ኣዘዝቶምን “እተዉ፤ ቅተልዎም! ሓደ ሰብ እኳ ኸየምልጥ” በሎም። እቶም ሓሻኽርን ኣዘዝቶምን ድማ ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም፤ ካብታ ቤት ጣዖት በዓል ኣውፂኦም ነቲ ሬሳኣቶም ደርበይዎ እሞ ናብ ከተማ ቤት ጣዖት ኣተዉ። 26#1 ነገ. 12፡28-30። ነቲ ኣብ ቤት ጣዖት በዓል ዝነበረ ምስልታት ከዓ ኣውፂኦም ኣንደድዎ። 27ነቲ ምስሊ በዓል ድማ ሰባበርዎ፤ ነታ ቤት በዓልውን ኣፍሪሶም ክሳዕ ሎሚ መውፅኢ ቐልቀል ገይሮምዋ ኣለዉ።
28ኢዩ ኸምዙይ ገይሩ ንበዓል ካብ እስራኤል ኣጥፍአ። 29ግና ካብቲ ንእስራኤል ዝስሐተ ካብ ኢዮርብዓም ወዲናባጥ ሓጢኣት፥ ኣብ ቤቴልን ኣብ ዳንን ካብ ዝነበሩ ምስሊ ወርቂ ምራኹት ኢዩ ኣይረሓቐን።
30እግዚኣብሄር ድማ ንኢዩ “ኣብ ቅድመይ እቲ ቕኑዕ ዝኾነ ኣፀቢቕካ ስለ ዝገበርካ፥ ንቤት ኣክኣብውን ከምቲ ዅሉ ኣብ ልበይ ዝነበረ ስለ ዝገበርካያ፥ ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ወለዶ ኣብ ዙፋን እስራኤል ክቕመጡ እዮም” በሎ። 31ግና ኢዩ ብምሉእ ልቡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንምኻድ ኣይተጠንቀቐን፤ ከምቲ ኢዮርብዓም ዝገበሮ፥ ካብቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ካብ ሓጢኣት ኢዮርብዓም ኣይረሓቐን።
ኢዩ ኸም ዝሞተ
32በቲ ጊዜ እቱይ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ክኸፋፍሎም ጀመረ። ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ድማ ንእስራኤል ኣብ ኵሉ ወሰናቶም ወቕዖም። 33ነታ ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ደቂ ምናሴን ዝቕመጡላ፥ ካብ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ፀሓይ ዘላ ዅላ ምድሪ ገለዓድ ሰዓራ። ካብታ ኣብ ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ጀሚሩ ንገለዓድን ንባሳንን ከዓ ሰዓረን።
34እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዩ ነገርን፥ ኵሉ ዝገበሮ ጅግንነቱን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን?
35ኢዩ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ሰማርያ ድማ ቐበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮኣካዝ ነገሰ። 36ኢዩ ኣብ ሰማርያ ኾይኑ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዕስራን ሸሞንተን ዓመት ነገሰ።
Currently Selected:
2ይ ነገስት 10: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: