YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ቆሮንቶስ 8

8
ክርስቲያናዊ ልግሲ
1 # ሮሜ 15፡26። ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ እቲ ንኣብያተ ክርስቲያን መቄዶንያ ዝተውሃበ ፀጋ እግዚኣብሄር፥ ነፍልጠኩም ኣለና። 2ብብዙሕ መከራ ተፈቲኖም እዮም፤ እንተ ኾነ ሕጉሳት ስለ ዝኾኑ፥ የመና ድኻታት እኳ እንተ ኾኑ፥ የመና ድማ ለጋሳት እዮም። 3#ማር. 12፡44። ባዕልቶም ፈትዮም፥ ከም ዓቕሞምን፥ አረ ኻብ ዓቕሞም ንላዕልን፥ ከም ዝለገሱ እምስክረሎም እየ። 4#ግ.ሓ. 11፡29። ቅዱሳን ንምሕጋዝ ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ክሳተፉ፥ ግደ ኽወሃቦም ኣበርቲዖም ለመኑና። 5ከምቲ ንሕና ዝተፀበናዮ ዘይኮነ ኸዓ፥ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸዓ ንኣና፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ርእሶም ወፈዩ። 6ስለዙይ፥ ከምቲ ኣቐዲሙ ጀሚርዎ ዝነበረ፥ ነዝ ናይ ልግስናኹም ኣገልግሎት፥ ኣብ ፍፃሜ ኸብፅሖ ንቲቶ ለሚንናዮ ኣለና። 7#1 ቆሮ. 1፡5። ከምቲ ብዅሉ ነገር፦ ብእምነት፥ ብቓል፥ ብፍልጠት፥ ብዅሉ ትግሃት፥ በታ ኣባና ዘላትኩም ፍቕሪ ብሉፃት ዝኾንኩም፥ በዝ ናይ ልግሲ ሰናይ ስራሕውን፥ ብሉፃት ኩኑ።
8እዙይ ክብል እንተለኹ፥ ምስ ናይ ካልኦት ትግሃት ብምንፅፃር፥ ፍቕርኹም ሓቂ ኸም ዝኾነት፥ ከረጋግፅ ኢለ እየ እምበር፥ እእዝዘኩም ኣይኮንኩን ዘለኹ። 9#ሉቃ. 9፡58፥ ዮሓ. 10፡10፥ ፊልጵ. 2፡6-7። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም እንተሎ፥ ምእንታኻትኩም ደኸየ።
10 # 2 ቆሮ. 9፡2። እዙይ ይጠቕመኩም እዩሞ፥ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ዝምዕደኩም፥ ብምሃብ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ንምሃብ ብምሕሳብውን፥ ቀዳሞት ዝነበርኩም ንስኻትኩም ኢኹም። 11ሕዚ ኸዓ እቲ ዝነበረኩም ድልየት፥ ምልኣት ምእንቲ ኽረክብ፥ ነቲ ሰናይ ምግባር ከም ዓቕምኹም ጌርኩም ፈፅምዎ። #8፡11 ግእዝ “ፍቓድ ካብ ድልየት፥ ምግባር ድማ ኻብ ምርካብ እዩ” ይብል። 12ንምሃብ ድልየት እንተ ደኣ ሃልዩ፥ እቲ ውህብቶ ቕቡል እዩ፤ እንተ ኾነ ኸም ዓቕሙ ደኣ እምበር፥ ልዕሊ ዓቕሙ ክኸውን የብሉን።
13እዙይ ከዓ ንኣኣቶም ክምችዎም፥ ንኣኻትኩም ግና ክፅግመኩም ኢለ ዘይኮነስ፥ ማዕርነት ምእንቲ ኽህሉ ኢለ እየ። 14-15#ዘፀ. 16፡18፥ 2 ቆሮ. 9፡12። ከምቲ ፅሑፍ “ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፤ ውሑድ ዝኣከበውን፥ ኣየጕደለን” ዝብሎ፥ ኣብዝ እዋን እዙይ፥ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ክምልእ፥ እቲ ተረፎም ከዓ፥ ነቲ ጐደሎኹም ክምልእ እሞ፥ ማዕረ ምእንቲ ክኸውን ኢለ እየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ።
ቲቶ ናብ ቆሮንቶስ ከም ዝተልኣኸ
16ነቲ ኣነ ምእንታኻትኩም ዘለኒ ሓልዮት፥ ኣብ ልቢ ቲቶ ንዘሕደረ ኣምላኽ፥ አመስግኖ ኣለኹ። 17ቲቶ ልመናይ ሰሚዑ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ብናይ ባዕሉ ፍቓድ፥ ብርቱዕ ድልየት ሃልይዎ እዩ፥ ናባኻትኩም ዝመፅእ ዘሎ። 18ምስኡውን ነቲ ብኣገልግሎት ወንጌል፥ ብዅላተን ኣብያተ ክርስቲያን ዝተንኣደ ሓው፥ ንሰደልኩም ኣለና። 19#1 ቆሮ. 16፡3-4። ከምኡውን ንሱ ኣብቲ ንኽብሪ እግዚኣብሄርን፥ ነቲ ዘለና ሓልዮትን፥ ክነርኢ ኢልና፥ ናይ ልግሲ ፀጋ ኽነመሓድር ኣብ እንገብሮ ጕዕዞ፥ ምሳና ክኸይድ ኣብያተ ክርስቲያን ዝሓረያኦ እዩ። 20ነዝ ናይ ልግሲ ኣገልግሎት ክነመሓድር፥ እንተለና ኸይንንቀፍ ንጥንቀቕ ኣለና። 21#ግ.ሓ. 24፡16፥ ሮሜ 12፡17። ዕላማና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ኣብ ቅድሚ ሰብውን፥ ሰናይ ንምግባር እዩ እሞ።
22ሕዚ እውን እንሆ እምብዛ ትጉህ ከም ዝኾነ፥ ብዙሕ ጊዜ ብብዙሕ ነገር መርሚርና ዝፈለጥናዮ፥ ሓደ ኻልእ ሓው፥ ምስኣቶም ንሰደልኩም ኣለና። ሕዚ እውን ኣባኻትኩም ዓብዪ እምነት ስለ ዘሕደረ፥ ብዝበለፀ ይተግህ ኣሎ። 23ብዛዕባ ቲቶ ዝጥይቕ እንተ ሃልዩ ኸዓ፥ ንሱ መሳርሕተይ፥ ምሳይ ሓቢሩውን፥ ንኣኻትኩም ዘገልግል እዩ። ብዛዕባ እቶም ኣሕዋትና፥ ዝጥይቕ እንተ ሃልዩ፥ ንሳቶም ንኽብሪ ክርስቶስ፥ ልኡኻት ኣብያተ ክርስቲያን እዮም። 24#2 ቆሮ. 7፡14። እምበኣር ፍቕርኹም ነዚኣቶም ብምግላፅ፥ ብዛዕባኻትኩም ዝተመካሕናዮ፥ ሓቂ ኸም ዝኾነ፥ ኣብ ቅድሚ እተን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣርእይዎም።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in