YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ቆሮንቶስ 5

5
ሰማያዊት ገዛና
1 # ዕብ. 11፡10፥ 2 ጴጥ. 1፡13። እዛ ድንኳን ዝኾነት፥ ምድራዊት መንበሪትና እንተ ፈረሰት እኳ፥ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐት፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነት ናይ ዘለኣለም ቤት፥ ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና። 2#ሮሜ 8፡23። ኣብዙይ ግና ንግዕር ኣለና፤ እቲ ሰማያዊ ቤትና ኽንለብስ ከዓ፥ ንናፍቕ ኣለና። 3#ማቴ. 22፡11፥ ራእይ 3፡18። ሰማያዊ ሰብነት ምስ ለበስና፥ ዕሩቓት ኴንና ኣይንርከብን ኢናሞ። 4#1 ቆሮ. 15፡53። ኣብዝ ድንኳን ዝኾነ፥ ምድራዊ ሰብነትና ኽሳዕ ዘለና፥ ከቢዱና ንግዕር፤ እዙይውን ክንቅንጠጥ ደሊና ዘይኮንናስ፥ ሰማያዊ ሰብነት ምስ ለበስና፥ እቲ መዋታይ፥ ብህይወት ምእንቲ ኽወሓጥ እዩ። 5#2 ቆሮ. 1፡21-22። ነዙይ ዘዳለወና እግዚኣብሄር እዩ፤ ዕርቡን መንፈሱውን ዝሃበና ንሱ እዩ።
6ኣብዝ ሰብነት እዙይ ክሳዕ ዘለና፥ ካብ ጐይታ ብርሕቐት፥ ኣብ ስደት ከም ዘለና፥ እንተ ፈለጥና እኳ፥ ኵልሻዕ ብእኡ ንተኣማመን ኢና። #5፡6 ግእዝ “ካብ ስጋኹም ተፈሊኹም ናብ እግዚኣብሄር ከም ትኸዱ ትፈልጡ ኢኹም” ይብል። 7#ዕብ. 11፡1። ብእምነት እምበር፥ ብምርኣይ ኣይኮንናን እንነብር ዘለናሞ። 8#ፊልጵ. 1፡23። ካብዝ ሰብነት እዙይ ተፈሊና፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ይሕሸና ኢልና፥ ብትብዓት ንዛረብ። 9ብህይወት እናሃለና ኾነ እንተ ተፈለና፥ ንእኡ ንምሕጓስ ንፅዕር ኣለና። 10ነፍሲ ወከፍና፥ ነቲ ብስጋዊ ህይወቱ እንተሎ ንዝገበሮ ሰናይ ኮነ ወይ ክፉእ፥ ዓስቢ ምእንቲ ኽቕበል፥ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ፥ ግድን ክንቀርብ ኢናሞ።
ኣገልግሎት ዕርቂ
11 # ማቴ. 16፡27፥ ፊልጵ. 1፡20፥ ቈላ. 1፡10። እምበኣር ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ እንታይ ከም ዝኾነ ስለ እንፈልጥ፥ ንዅሉ ሰብ ነረድእ ኣለና፤ ንሕና ንእግዚኣብሄር ግሁዳት ኢና፤ ንሕሊናኹምውን፥ ግሁዳት ከም ዝኾንና ተስፋ እገብር። 12#2 ቆሮ. 1፡14። ነቶም ብልቢ ዘሎ ዘይኮነ፥ ብዝረአ ኣፍኣዊ ንዝምክሑ፥ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ብኣና ኽትምክሑ፥ ምኽንያት ንህበኩም ኣለና እምበር፥ መሊስና ንባዕልትና ኽንንእድ ኢልና ኣይኮንናን። 13#ሮሜ 5፡15፥ 6፡2-5። ንሕናስ ዕቡዳት እንተ ዄንና፥ ንእግዚኣብሄር እዩ፤ ለባማት እንተ ዄንና ድማ፥ ንኣኻትኩም እዩ። 14ሓደ፥ ቤዛ ዅሉ ኸም ዝሞተ፥ ኵላቶም ከዓ ተኻፈልቲ ሞቱ ኸም ዝኾኑ ስለ ዝተረዳእና፥ ፍቕሪ ክርስቶስ ግዲ ይብለና እዩ እሞ። 15#ሮሜ 7፡4፥ 14፡7-8፥ ቈላ. 2፡12። እቶም ብህይወት ዝነብሩ፥ ነቲ ምእንትኣቶም ዝሞተን ዝተስአን እምበር፥ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፥ ክርስቶስ ምእንቲ ዅላቶም ሞተ።
16እምበኣር፥ ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብስጋዊ መንገዲ፥ ንሓደኳ ኣይንፈልጥን ኢና። ንክርስቶስ ብስጋዊ መንገዲ ፈሊጥናዮ እንተ ነበርና እኳ፥ ሕዚ ግና ኸምኡ ኣይንፈልጦን ኢና። 17#ዮሓ. 3፡3፥ ራእይ 21፡5። ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፥ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ። 18#ግ.ሓ. 20፡24፥ ሮሜ 5፡10። እዝ ዅሉውን፥ ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ ገይሩ ዝተዓረቐና፥ ኣገልግሎት ዕርቂ እውን ካብ ዝሃበና፥ እግዚኣብሄር እዩ። 19#ሮሜ 3፡24-25። እዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ብክርስቶስ ገይሩ፥ #5፡19 ብክርስቶስ ገይሩ፦ ወይ “ኣብ ክርስቶስ ነበረ” ንዓለም ምስ ባዕሉ ኽዓርቕ እንተሎ፥ በደሎም ኣይቈፀረሎምን፤ ኣባናውን ቃል ዕርቂ ኣንበረ።
20ስለዙይ ንሕና ናይ ክርስቶስ መልእኽተኛታት ኢና፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ብኣና ገይሩ ይዕድም ኣሎ። ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ድማ “ምስ እግዚኣብሄር ተዓረቑ” እናበልና፥ ክንዲ ክርስቶስ ንልምነኩም ኣለና። 21#ኢሳ. 53፡4-6፥ ሮሜ 5፡19፥ 1 ቆሮ. 1፡30፥ ገላ. 3፡13፥ 1 ዮሓ. 3፡5። ንሕና ብክርስቶስ፥ ተኻፈልቲ ፅድቂ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽንከውን፥ ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ፥ ንእኡ ከም ሓጢኣት ገበሮ። #5፡21 ከም ሓጢኣት ገበሮ፦ ገሊኣቶም ፅሑፋት “ሓጢኣት ገበሮ” ይብሉ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in