2ይ ቆሮንቶስ 4
4
ድኻም ወዲ ሰብን ሓይሊ እግዚኣብሄርን
1ስለዙይ፥ ከምቲ ምሕረት ዝተውሃበና፥ እዝ ኣገልግሎት እዙይ ስለዘለና፥ ተስፋ ኣይንቘርፅን ኢና። 2#2 ቆሮ. 1፡12፥ 3፡6፥ 6፡4። እኳ ደኣ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ሓቂ ኣብ ሕሊና ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ብገሃድ ነቕርብ እምበር፥ ብተንኰል ኣይተመላለስናን፤ ንቓል እግዚኣብሄርውን ኣይለወጥናን፤ ነቲ ብሕቡእ ዝግበር ነውራም ነገርውን፥ ካባና ኣርሒቕናዮ ኢና። 3#1 ቆሮ. 1፡18። እቲ እንሰብኮ ወንጌል ክዱን እንተ ኾነ፥ ክዱን ዝኸውን፥ ነቶም ዝጠፍኡ ጥራሕ እዩ። 4#ዮሓ. 12፡45፥ ኤፌ. 2፡2፥ 4፡18። ንኣኣቶም ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ #4፡4 ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ፦ ግእዝ “ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ” ይብል። ዝኾነ ሰይጣን፥ ብርሃን ወንጌል ምእንቲ ኸይሪኡ፥ ንልቢ እቶም ዘይኣምኑ ኣዕወሮ። እዝ ብርሃንዙይ ከዓ፥ ክብሪ ናይቲ ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ እዩ። 5#1 ቆሮ. 1፡23፥ 3፡5። ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ጐይታ ኸም ዝኾነ፥ ንሕና ኸዓ ምእንቲ ክርስቶስ፥ ኣገልገልትኹም ከም ዝኾንና እምበር፥ ብዛዕባ ርእስና ኣይኮንናን እንሰብኽ። 6#ዘፍ. 1፡3፥ ኤፌ. 5፡8። እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።
7 #
1 ቆሮ. 1፡28፥ 2፡5። ግና እቲ ዓብዪ ሓይሊ፥ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፥ ናትና ኸም ዘይኮነ ምእንቲ ኽገሃድ፥ ካብ መሬት ኣብ ዝተፈጥረ ሰብነትና፥ እዝ ናይ ፍልጠት መዝገብ ኣለና። 8ብዅሉ ወገን ንግፋዕ፤ ግና ኣይንሰዓርን፤ እንገብሮ ይጠፍአና፤ ግና ተስፋ ኣይንቐብፅን፤ 9የሳጕጉና፤ ግና ኣይንድርበን፤ ተወቒዕና ንወድቕ፤ ግና ኣይንጠፍእን። 10#ሮሜ 8፡17፥ 1 ቆሮ. 15፡31፥ 2 ቆሮ. 1፡5። ህይወት ኢየሱስ፥ ኣብ መዋታይ ሰብነትና ምእንቲ ኽትገሃድውን፥ ሞት ኢየሱስ ኣብ ሰብነትና ዅልሻዕ ንፀውር ኣለና። 11ህይወት ኢየሱስ፥ ኣብ መዋቲ ሰብነትና ምእንቲ ኽገሃድ ድማ፥ ንሕና ብህይወት እንነብር ዘለና፥ ምእንቲ ኢየሱስ፥ ኵልሻዕ ናብ ሞት ኣሕሊፎም ይህቡና ኣለዉ። 12ስለዙይ ሞት ኣባና፥ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ይሰርሕ ኣሎ። #4፡12 ግእዝ “ሕዚ ግና ህይወት ኣባና እንተሎ፥ ሞት ኣባና ፀኒዑ ኣሎ” ይብል።
13ከምቲ “ኣመንኩ፤ ስለዙይ ተዛረብኩ” ተብሂሉ ዝተፅሓፈ፥ ሓደ ዝዓይነቱ መንፈስ እምነት ስለ ዘለና፥ ንሕና ድማ ነኣምን፤ ስለዙይውን ንዛረብ ኣለና። 14#መዝ. 116፡10፥ 1 ቆሮ. 6፡14። እቲ ንጐይታና ኢየሱስ ዘተስኦ፥ ንኣናውን ምስ ኢየሱስ ከም ዘተስአናን፥ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዘቑመናን፥ ንፈልጥ ኢናሞ። 15እዝ ዅሉ ንጥቕምኹም እዩ፤ ብዙሕ ፀጋ ኣብ ብዙሓት ሰባት ክብርክት እንተሎ፥ እቲ ንኽብሪ እግዚኣብሄር ዝዓርግ ምስጋና፥ ክበዝሕ እዩ እሞ።
16ስለዙይ ተስፋ ኣይንቐብፅን ኢና፤ እቲ ናይ ወፃኢ ሰብነትና እንተበለየ እኳ፥ ውሽጣዊ ሰብነትና በብመዓልቱ ይሕደስ እዩ። 17#ሮሜ 8፡18፥ 2 ቆሮ. 5፡1፥ ኤፌ. 3፡16፥ ቈላ. 3፡9-10፥ 1 ጴጥ. 1፡6-7። እዝ ቐልጢፉ ዝሓልፍን፥ ቀሊል ዝኾነ መከራና ኸዓ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅን፥ ማዕረ ዘይብሉን፥ ዘለኣለማዊ ኽብሪ ኸውህበና እዩ። 18#2 ነገ. 6፡14-17። እቲ ዝረአ ሓላፋይ እዩ፤ እቲ ዘይረአ ግና ዘለኣለማዊ እዩ። ንሕና ኸዓ ኣብቲ ዝረአ ዘይኮነስ፥ ኣብቲ ዘይረአ ኢና እንጥምት ዘለና።
Currently Selected:
2ይ ቆሮንቶስ 4: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: