YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ቆሮንቶስ 11

11
ጳውሎስን ሓሰውቲ ሃዋርያትን
1ቁሩብ ዘረባ ዕሽነት ክዛረብ እየ እሞ ክትዕገሱኒ ምደለኹ፤ እወ፥ ተዓገሱኒ ደኣ። 2#ኤፌ. 5፡25፥27። ብቕንኢ እግዚኣብሄር፥ እቐንአልኩም እየ እሞ፥ ከም ሓንቲ ንፅሕቲ ድንግል ምእንቲ ኸቕርበኩም፥ ንሓደ ሰብኣይ፥ ንክርስቶስ ኣሕፅየኩም ኣለኹ። #11፡2 ንክርስቶስ፦ ግእዝ “ንፁህ ድንግል ንክርስቶስ” ይብል። 3#ዘፍ. 3፡4፥13። ግና ኸምቲ ተመን ብጕርሑ ንሔዋን ዘስሓታ፥ ከምኡ ንስኻትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም፥ ካብቲ ንክርስቶስ ዘለኩም፥ ቅኑዕን ንፁህን ፍቕሪ፥ ከይትርሕቑ እፈርሕ ኣለኹ። 4#ገላ. 1፡6-8። ስለ ምንታይ፥ ሓደኳ ንሕና ዘይሰበኽናዮ፥ ካልእ ኢየሱስ እንተ ሰበኸልኩም፥ ወይ ካባና ዘይተቐበልኩምዎ መንፈስ፥ ካልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፥ ወይ ቅድሚ ሕዚ ዘይተቐበልኩምዎ፥ ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፥ ስቕ ኢልኩም ትዕገስዎ ኣለኹም። 5ኣነ ኻብዞም ብሉፃት ሃዋርያት ኢና ዝብሉ፥ ብሓንቲ እኳ ዝንእስ ኣይመስለንን። 6#1 ቆሮ. 2፡1-2፥ 2 ቆሮ. 10፡10። ክእለት ዘረባ እኳ እንተ ዘይብለይ፥ ፍልጠትስ ኣይጐድለንን። እዙይ ከዓ ብብዙሕ መንገዲ ገሊፅናልኩም ኢና።
7ንስኻትኩም ምእንቲ ልዕል ክትብሉ ኢለ፥ ርእሰይ ኣትሒተ፥ ወንጌል እግዚኣብሄር ብዘይ ዋጋ እንተ ሰበኽኩልኩምዶ፥ ሓጢኣት ገይረ እየ? 8#ፊልጵ. 4፡15። ንኣኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ፥ ካብተን ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ሓገዝ ብምቕባለይ፥ ወፂዐየን እየ። 9#1 ተሰ. 2፡9። ምሳኻትኩም እንተለኹውን ምስ ሰኣንኩ፥ ንሓደኳ ኣየፀገምኩን፤ እቶም ካብ መቄዶንያ ዝመፁ ኣሕዋት፥ ኵሉ ዘድልየኒ ገይሮምለይ እዮም እሞ። ስለዙይ ንሓደኳ ኣየፀገምኩን፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ከየፀግመልኩም ክጥንቀቕ እየ። 10#2 ቆሮ. 9፡15። ኣብ ሃገር ኣካይያ፥ እዛ ትምክሕቲ እዚኣ፥ ሓደኳ ኸሕድገኒ ዝኽእል ከም ዘየለ፥ በቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ፥ ናይ ክርስቶስ ሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 11ዘየፍቅረኩም ስለ ዝኾንኩ ድየ፥ እዙይ ዝብል ዘለኹ? ከም ዘፍቅረኩምስ፥ እግዚኣብሄር ይፈልጥ እዩ።
12ግናኸ በቲ ዝምክሑሉ፥ ከማና ዀይኖም ምእንቲ ኽርከቡ፥ ነቶም ምኽንያት ዝደልዩ፥ ምእንቲ ምኽንያት ከስእኖም እየ። 13#2 ቆሮ. 2፡17። ከምዚኣቶም ዝበሉ፥ ንባዕላቶም ናይ ክርስቶስ ሃዋርያት ከም ዝኾኑ ኣምሲሎም፥ ብምጥባር ዝሰርሑ፥ ሓሰውቲ ሃዋርያት እዮም። 14ሰይጣን እኳ ንባዕሉ፥ ናይ ብርሃን መልኣኽ የምስል እዩ እሞ፥ እዙይ ኣየገርምን እዩ። 15#2 ቆሮ. 5፡10፥ ገላ. 5፡10፥ ፊልጵ. 3፡19። ስለዙይ ከዓ፥ እቶም ኣገልገልቲ ሰይጣን፥ ንርእሶም ኣገልገልቲ ፅድቂ እንተ ኣምሰሉ፥ ዘገርም ነገር ኣይኮነን፤ መወዳእታኦም ድማ፥ ከም ግብሮም ክኸውን እዩ።
ሃዋርያ ጳውሎስ መከራ ኸም ዝበፅሖ
16ደጊመውን እብል ኣለኹ፥ ሓደኳ ኸም ዓሻ ኣይቝፀረኒ። ከም ዓሻ እንተ ቘፂርኩምኒ ግና፥ ኣነውን ቁሩብ ምእንቲ ኽምካሕስ፥ ከም ዓሻ ጌርኩም ተቐበሉኒ። 17ከምዙይ ኢለ ብትምክሕቲ ኽዛረብ እንተለኹ፥ ከም ዓሻ እምበር፥ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። 18#ፊልጵ. 3፡4። ብዙሓት ስጋዊ ብዝኾነ ዝምክሑ ኻብ ኮነ፥ ኣነውን ክምካሕ እየ። 19#1 ቆሮ. 4፡10። ንስኻትኩም ለባማት እናሃለኹም፥ ነቶም ዓያሹ፥ ብታሕጓስ ትዕገስዎም ኣለኹም፤ 20ሓደ ኸም ባርያ እንተ ቘፀረኩም፥ ሓደ እንተ ዓመፀኩም፥ ሓደ እንተ ተበለፀልኩም፥ ሓደ እንተ ዀርዐልኩም፥ ሓደውን ገፅኩም እንተ ፀፍዐኩም፥ ትዕገስዎ ኣለኹም። 21ንምዝራቡ እኳ ዘሕፍረኒ እንተ ኾነ፥ ንሕና ነዞም ነገራት እዚኣቶም ንምግባር፥ ድኹማት ኢና እብለኩም፤ ሓደ ኽምካሕ ዝደፍር እንተ ሃልዩ ግና፥ ኣነውን ክምካሕ እየ። ነዝ ዅሉ ግና፥ ከም ዓሻ እየ ዝዛረብ ዘለኹ። 22#ግ.ሓ. 22፡3፥ ሮሜ 11፡1። ዕብራውያን ድዮም? ኣነውን ዕብራዊ እየ። እስራኤላውያን ድዮም? ኣነውን እስራኤላዊ እየ። ደቂ ኣብርሃም ድዮም? ኣነውን ወዲ ኣብርሃም እየ። 23#ግ.ሓ. 9፡16፥ 1 ቆሮ. 4፡1፥11-13፥ 15፡10። ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም? ከም ዕቡድ ደኣ እየ ዝዛረብ ዘለኹ እምበር፥ ኣነ እበልፆም። ካብኣቶም ሕልፊ ዝፀዓርኩ፥ ብዙሕ ጊዜ ዝተኣሰርኩ፥ ብዙሕ ጊዜ ዝተገረፍኩ፥ ብዙሕ ጊዜውን ኣብ ኣፍ ሞት ዝበፃሕኹ እየ። 24ሓሙሽተ ጊዜ፥ ነርብዓ ጭጕራፍ ሓደ ጐደል፥ ብኣይሁድ ተገረፍኩ። 25#ግ.ሓ. 14፡19፥ 16፡22። ሰለስተ ሻዕ፥ ብበትሪ ተዘበጥኩ፤ ሓደ ሻዕ በእማን ተቐጥቀጥኩ። እታ ዝነበርክዋ መርከብ፥ ሰለስተ ሻዕ ተሰብረት። ሓደ ለይትን ሓደ መዓልትን፥ ኣብ ባሕሪ #11፡25 ኣብ ባሕሪ፦ ግእዝ “መዓሙቕ ባሕሪ” ይብል። ፀለል በልኩ። 26#ግ.ሓ. 20፡3። ብዙሕ ጊዜ ኣብ ጕዕዞ ነበርኩ። ብውሕጅን ብኸተርትን ከዓ ተጨነቕኩ፤ ኣይሁድን ኣህዛብንውን መከራ ኣበርቱዕለይ፤ ኣብ ከተማን፥ ኣብ በረኻን፥ ኣብ ባሕርን፥ ተጨነቕኩ፤ በቶም ሓሰውቲ ኣሕዋት ተጨነቕኩ። 27#2 ቆሮ. 6፡4-5። ብስራሕ፥ ብፃዕሪ፥ ድቃስ ለይቲ ብምስኣን፥ ብጥሜት፥ ብፅምኢ፥ ብፆም፥ ብቝርን፥ ብዕርቃንን ነበርኩ። 28#ግ.ሓ. 20፡18-21። ኣብ ርእሲ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ እቲ ብዛዕባ ዅለን ኣብያተ ክርስቲያን ዘለኒ ሓልዮት፥ በብመዓልቱ የጨንቐኒ ኣሎ። 29መን እዩ ዝደኸመ እሞ፥ ኣነ ዘይደኽመሉ? መንከ እዩ ብሓጢኣት ዝወደቐ እሞ፥ ኣነ ዘይጕሂ?
30 # 2 ቆሮ. 12፡5። ምምካሕ ዝግባእ እንተ ኾይኑስ፥ ኣነውን ብድኻመይ ክምካሕ እየ። 31እቲ ንዘለኣለም ቡሩኽ ዝኾነ፥ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣነ ኸም ዘይሕሱ ይፈልጥ እዩ። 32#ግ.ሓ. 9፡24-25። ኣብ ደማስቆ፥ እቲ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ኣርስጣስዮስ ኮይኑ ዘመሓድር ዝነበረ ሹም፥ ክሕዘኒ ደልዩ ነታ ኸተማ የሐልዋ ነበረ። 33ስለዙይ ኣብ ከፈር ገይሮም፥ በቲ ኣብቲ ቕፅሪ ዝነበረ መስኮት ኣውረዱኒ እሞ፥ ካብ ኢዱ ኣምለጥኩ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in