2ይ ቆሮንቶስ 1
1
1 #
1 ቆሮ. 4፡17። ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስን፥ ካብ ሓውና ጢሞቴዎስን፥ ናብታ ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን፥ ምስቶም ኣብ ኵላ ሃገር ኣካይያ ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳንን።
2ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
ምስጋና ንእግዚኣብሄር
3እቲ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምፅንናዕን ዝኾነ፥ ናይ ጐይታና ኢየሱሱ ክርስቶስ ኣምላኽን ኣቦን እግዚኣብሄር ይባረኽ። 4በቲ ንባዕልትና ኻብ እግዚኣብሄር እንፀናንዐሉ ምፅንናዕ፥ ነቶም ኣብ መከራ ዘለዉ ዅላቶም ክነፀናንዕ ምእንቲ ኽከኣለና፥ ብመከራና ዅሉ ዘፀናንዐና ንሱ እዩ። 5#ቈላ. 1፡24። ከምቲ ናይ ክርስቶስ መከራ ኣባና ዝበዝሕ፥ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ምፅንናዕና ኽበዝሕ እዩ። 6#2 ጢሞ. 2፡10። ንሕና መከራ እንተ ተቐበልና፥ ምእንቲ ምፅንናዕኹምን ምድሓንኩምን እዩ፤ ንሕና እንተ ተፀናኒዕና ድማ፥ ንሕና እንቕበሎ ዓይነት መከራ እንትትቅበሉ፥ ብትዕግስቲ ብምቕባል፥ ፀኒዕኹም ምእንቲ ኽትፀናንዑ እዩ። 7ከምቲ ኣብ መከራና ተኻፈልቲ ዝኾንኩም፥ ኣብ ምፅንናዕናውን ከም እትካፈሉ ስለ እንፈልጥ፥ እታ ኣባኻትኩም ዘላትና ተስፋ ፅንዕቲ እያ።
8 #
ግ.ሓ. 19፡23-41፥ 1 ቆሮ. 15፡32። ኣሕዋትና፥ ኣብ እስያ ዝረኸብናዮ መከራ ኽትፈልጡ እደሊ። ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለ ዝኸበደና፥ ንህይወትና ቐቢፅናያ ነበርና። 9እወ፥ ንምዉታት ብዘተስእ እግዚኣብሄር እምበር፥ ብርእስና ምእንቲ ኸይንተኣማመን፥ ንሕና ባዕልትና ሞት ከም ዝተፈረደና፥ ኣብ ውሽጥና ይስመዐና ነይሩ። 10#2 ጢሞ. 4፡17-18። ንሱ ንሞት ካብ ዘብፅሕ ሓደጋ ኣድሒኑና እዩ፤ ከድሕነና ድማ እዩ፤ ንዳሕራይውን ከም ዘድሕነና፥ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣለና። 11#ሮሜ 15፡30፥ 2 ተሰ. 3፡1-2። ንስኻትኩም ከዓ ብፀሎትኩም ክትድግፉና ይግባእ፤ በቲ ናይ ብዙሓት ፀሎት እንረኽቦ ውህብቶ ፀጋ ድማ፥ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባና፥ ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ እዮም።
ጳውሎስ መደብ ጕዕዞኡ ኸም ዝለወጠ
12 #
ግ.ሓ. 24፡16፥ 2 ቆሮ. 2፡17። ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣውራ ኸዓ በቲ ምሳኻትኩም ዘለና ርክብ፥ በቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝርከብ ቅድስናን ቅንዕናን ከም ዝነበርና፥ ሕሊናና ይምስክረልና እዩ። ነዙይ ከዓ ብጥበብ ሰብ ዘይኮነስ፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበርናዮ፥ ንምካሕ ኢና። 13-14#2 ቆሮ. 5፡12፥ 1 ተሰ. 2፡19። ብዘይ እቲ እተንብብዎን እተስተውዕልዎን፥ ካልእ ኣይንፅሕፈልኩምን ኢና፤ ሕዚ ብሓደ ወገን ኢኹም እትፈልጡና። በታ ጐይታና ኢየሱስ ዝመፀላ መዓልቲ ግና፥ ከምቲ ንስኻትኩም ትምክሕትና ዝኾንኩም፥ ንሕናውን ትምክሕትኹም ከም ዝኾንና፥ ኣፀቢቕኩም ከም እትፈልጡ ተስፋ እገብር ኣለኹ።
15 #
ሮሜ 1፡11። በዙይ ርግፀኛ ስለ ዝነበርኩን፥ ድርብ ጥቕሚ ምእንቲ ኽትረኽቡን፥ ብመጀመርታ ናባኻትኩም ክመፅእ ደልየ ነይረ። 16#1 ቆሮ. 16፡5። በኣኻትኩም ኣቢለ ኸዓ፥ ናብ መቄዶንያ ኽሓልፍ፥ እንትምለስ ድማ ኻብ መቄዶንያ ናባኻትኩም ክመፅእ፥ ንስኻትኩም ድማ ዘድልየኒ ሓጊዝኩም፥ ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ሓሲበ ነይረ። 17ከምዙይ ኢለ ኽውስን እንተለኹ፥ ቅዉም ሓሳብ ስለ ዘይብለይ ድየ? ወይ “እወ፥ እወ” ኽብል ፀኒሐ “ኣይኮነን፥ ኣይኮነን” ብዝብል ልማድ እዛ ዓለም፥ ዝምራሕ ስለ ዝኾንኩ ድየ? 18እግዚኣብሄር እሙን ከም ዝኾነ ዝነገርናኩም ቃልና “እወን” “ኣይኮነን” ኣይነበረን። 19#ግ.ሓ. 18፡5፥ ዕብ. 13፡8። እቲ ብኣይን ብስልዋኖስን #1፡19 ስልዋኖስ፦ ኣብ ግ.ሓ. 15፡22 ሲላስ ተባሂሉ ዘሎ እዩ። ብጢሞቴዎስን፥ ኣባኻትኩም ዝሰበኽናዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር “እወን” “ኣይኮነን” ኣይነበረን፤ ብእኡ ዅልሻዕ “እወ” እዩ እምበር። 20#ሮሜ 15፡8፥ ራእይ 3፡14። ብእግዚኣብሄር ተውሂቡ ዘሎ ዅሉ ተስፋ “እወ” ዝኸውን ብክርስቶስ እዩ፤ ስለዙይ ከዓ እዩ ንኽብሪ እግዚኣብሄር “ኣሜን” እንብል። 21እቲ ንኣና ምሳኻትኩም ብክርስቶስ ዘፅንዐናን፥ ዝቐብአናን እግዚኣብሄር እዩ። 22#1 ቆሮ. 1፡8፥ 2 ቆሮ. 5፡5፥ ኤፌ. 1፡13-14፥ 1 ዮሓ. 2፡20። ናቱ ኸም ዝኾንና ዝሓተመናን፥ መፈለጥታ ዝገበረልናን፥ ኣብ ልብናውን መተኣማመኒ መንፈስ ቅዱስ ዝሃበናን፥ እግዚኣብሄር እዩ።
23 #
1 ቆሮ. 4፡21፥ 2 ቆሮ. 12፡20-21፥ 13፡2፥10። እቲ ናብ ቆሮንቶስ ዘይምምፃአይ፥ ንኣኻትኩም ስለ ዝራህራህኹልኩም ከም ዝኾነ፥ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ። 24#2 ቆሮ. 4፡5። ብእምነት ፀኒዕኹም ስለ ዘለኹም፥ ምእንቲ ኽትሕጐሱ ሓቢርና እንሰርሕ ደኣ ኢና እምበር፥ ኣብ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኮንናን።
Currently Selected:
2ይ ቆሮንቶስ 1: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: