2ይ ዜና 2
2
ንምሕናፅ ቤተ መቕደስ ዝተገብረ ምድላው
(1 ነገ. 5፡1-18)
1ሰሎሞን ከዓ ቤት ንስም እግዚኣብሄር፥ ንመንግስቱ ድማ ቤት ክሰርሕ ሓሰበ። 2ሰሎሞን ከዓ ፆር ዝፆሩ ሰብዓ ሽሕ፥ ኣብ እምባታት እምኒ ዝወቕሩ ሰማንያ ሽሕ፥ ንኣኣቶም ዝሕልዉ ኸዓ ሰለስተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰባት መደበ።
3ሰሎሞን ናብ ኪራም ንጉስ ጢሮስ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “ከምቲ ነቦይ ዳዊት፥ ቤት ክሰርሕ እንተሎ፥ ኣእዋም ዝግባ ዝለኣኽካሉ፥ ንኣይውን ከምኡ ግበረለይ። 4እንሆ፥ ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤተ መቕደስ ክሰርሕን ክቕድሳን ሓሲበ ኣለኹ። ኣብኣ ኣነን ህዝቢ እስራኤልን፥ ጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣን ክነቕርብ ኢና። ሕብስቲ ቝርባንውን ኵልሻዕ ኽንሰርዕ ኢና። ንግሆን ምሸትን ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሕን ብበዓላት እግዚኣብሄር ኣምላኽናን ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽነቕርብ ኢና፤ እዙይ ከዓ ንእስራኤል ንዘለኣለም ተኣዚዙ እዩ። 5ኣምላኽና ድማ ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዝዓቢ እዩ እሞ፥ እታ ኣነ ዝሰርሓ ቤትውን ዓባይ እያ። 6#1 ነገ. 8፡27፥ 2 ዜና. 6፡18። ንእኡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን እኳ ኣይኣኽሎን እዩ እሞ፥ ንእኡ ቤት ክሰርሕ መን ይኽእል? ኣነኸ ኣብ ቅድሚኡ ዕጣን ምእንቲ ኽዓጥነላ እንተ ዘይኮይኑስ ቤተ መቕደስ ዝሰርሐሉስ ኣነ መን እየ? 7ሕዚ ድማ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብሓፂንን፥ ብሓምራይን ውፁእ ቀይሕን ሰማያውን ዓለባ ኽሰርሕ ጥበብ ዘለዎ፥ ምስቶም ኣቦይ ዳዊት ዘዳለዎም ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ምሳይ ዘለዉ ብልሓተኛታት ሰባት ኮይኑ፥ ኵሉ ዓይነት ቅርፂ ምቕራፅ ዝፈልጥ ሰብ ስደደለይ።
8“ሓሻኽርካ ምፅራብ ኣእዋም ሊባኖስ ከም ዝኽእሉ እፈልጥ እየ እሞ፥ ካብ ሊባኖስውን ኣእዋም ዝግባን ፅሕድን ሰንደልን ስደደለይ። እንሆ ድማ ሓሻኽረይ ምስ ሓሻኽርካ ኽሰርሑ እዮም። 9እቲ ኣነ ዝሰርሖ ቤተ መቕደስ ከዓ ዓቢይን ዘደንቕን ክኸውን እዩ እሞ፥ ብዙሕ ኣእዋም የዳልዉለይ። 10እንሆ ኸዓ፥ ነቶም ኣእዋም ዝቘርፁ ሓሻኽርካ፥ ክልተ ሚልዮን ኪሎ ግራም ስርናይን ክልተ ሚልዮን ኪሎ ግራም ስገምን፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሊትሮ ወይንን ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሊትሮ ዘይትን ክህብ እየ።”
11ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ መልእኽቲ ፅሒፉ፥ ንሰሎሞን ከምዙይ ኢሉ መልሲ ሰደደሉ፦
“እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዝፈተዎ፥ ንኣኻ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንገሰካ።”
12ኪራም ድማ ቐፂሉ ኸምዙይ በለ፦
“ንእግዚኣብሄር ዝኸውን ቤተ መቕደስን ንባዕሉ ዝኸውን ቤተ መንግስትን ዝሰርሕ፥ ኣእምሮን ምስትውዓልን ዘለዎ ብልሂ ወዲ፥ ንንጉስ ዳዊት ዝሃቦ፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን።
13“ሕዚ ድማ ኪራምኣቢ ዝበሃል ብልህን መስተውዓልን ሰብኣይ እሰደልካ ኣለኹ፤ 14ንሱ ኻብ ነገድ ዳን ካብ ዝኾነት ሰበይቲ ዝተወለደ እዩ፤ ኣቦኡ ኸዓ ጢሮሳዊ ሰብኣይ እዩ። ብስራሕ ወርቅን ብሩርን ነሃስን ሓፂንን እምንን ዕንፀይትን ዝተፈለጠ እዩ። ከምኡውን ብሓምራውን ሰማያውን ቀይሕ ውፁእ ዝኾነ ዓለባን ብሃርን ክሰርሕ ዝኽእል እዩ፤ ኵሉ ዓይነት ቅርፂ ድማ ምቕራፅ ዝፈልጥ እዩ። ኵሉ ዓይነት ናይ ብልሓት ስራሕውን ዝሃብካዮ ኽሰርሕ ዝኽእል እዩ። ንሱ ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብልህታትን ምስቶም ምስ ኣቦኻ ጐይታይ ዳዊት ዝነበሩ ብልህታትን ኮይኑ ይስራሕ።
15“እምበኣር፥ ሕዚ እቲ ዝበልካዮ ስርናይን ስገምን ዘይትን ወይንን ስደደልና። 16ንሕና ኸዓ ኻብ ሊባኖስ ከም ዝደለኻዮ ኣእዋም ክንቈርፅ ኢና፤ ኣሲርና ብባሕሪ ብጃልባ ኣንሳፊፍናውን ናብ ኢዮጴ ኽነብፅሐልካ ኢና፤ ንስኻ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተደይቦ።”
17ሰሎሞን ድማ ኣብ ምድሪ እስራኤል ንዝነበሩ ዅሎም መፃእተኛታት ሰብኡት ቈፀሮም። ኣቦኡ ዳዊት ከዓ ቕድምዙይ ከምኡ ገይሩ ቘፂርዎም ነበረ። ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ድማ ተረኽቡ። 18ካብኣቶም ከዓ ሰብዓ ሽሕ ዝፆሩ፥ ሰማንያ ሽሕ ድማ ኣብ እምባታት ኮይኖም እምኒ ዝወቕሩ፥ ሰለስተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ከዓ ነቲ ህዝቢ ዘስርሕዎ ሓለውቲ መደበ።
Currently Selected:
2ይ ዜና 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in