YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ዜና 17

17
ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ
1ኢዮሳፍጥ ወዲ ኣሳ ኸዓ ኽንዲ ኣቦኡ ነገሰ። ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያንውን ሓይሉ ኣጠናኸረ። 2ኣብ ኵለን ዝተዓረዳ ኸተማታት ይሁዳ ሓሻኽር፥ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብተን ኣቦኡ ኣሳ ዝሓዘን ከተማታት ኤፍሬምን ድማ ሓለውቲ ኣቐመጠ።
3ኢዮሳፍጥ ድማ በተን ቀዳሞት ዓመታት ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝነበሮ ኸምኡ ስለ ዝነበረን፥ ንጣዖታት በዓልውን ስለ ዘየምለኸን፥ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ። 4ነቲ ኣምላኽ ኣቦኡ ደኣ ኣገልገለ፤ ብትእዛዛቱ ኸዓ ኸደ እምበር፥ ከም ግብርታት እስራኤል ኣይገበረን። 5ስለዙይ እግዚኣብሄር ንመንግስቲ ይሁዳ ኣብ ኢዱ ኣፅንዓ፤ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ድማ ንኢዮሳፍጥ ገፀ በረኸት ሃቡዎ፤ ሃብትን ክብረትን ከዓ በዝሐሉ። 6ልቡውን ብመንገዲ እግዚኣብሄር ልዕል ልዕል በለ፤ ነቲ ጣዖት ዘምልኹሉ ዝነበሩ ዀረብታታትን ንምስሊ ጣዖት ኣስታሮትንውን ካብ ይሁዳ ኣወገዶ።
7ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት መንግስቱ ኸዓ ንቤንሓይልን ኣብድያስን ዘካርያስን ናትናኤልን ሚክያስ ንዝበሃሉ ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኽምህሩ ሰደዶም። 8ምስኣቶም ድማ እቶም ሌዋውያን፥ ሸማያ፥ ነታንያ፥ ዝባድያ፥ ኣሳሄል፥ ሰሚራሞት፥ ዮናትን፥ ኣዶንያስ፥ ጦብያ፥ ጦባዶንያን ነበሩ። ምስኣቶምውን እቶም ካህናት ኤሊሳማን ኢዮራምን ነበሩ። 9ንሳቶም መፅሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ሒዞም፥ ኣብ ኵለን ከተማታት ይሁዳ እናዞሩ፥ ነቲ ህዝቢ ይምህርዎ ነበሩ።
ዕቤት ኢዮሳፍጥ
10ኣብ ልዕሊ ዅለን እተን ኣብ ዙርያ ይሁዳ ዝነበራ መንግስታት ከዓ ኻብ እግዚኣብሄር ፍርሓት ስለ ዝወረደ ምስ ኢዮሳፍጥ ኣይተዋግኣን። 11ገሊኣቶም ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንኢዮሳፍጥ ብሩርን ካልእ ውህብቶን የምፅኡሉ ነበሩ፤ ዓረባውያን ድማ ሸውዓተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ማጓሉ፥ ሸውዓተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን መኻኽቲ የምፅኡሉ ነበሩ።
12ኢዮሳፍጥ ከዓ የመና እናሓየለን እናገነነን ከደ፤ ኣብ ይሁዳ ድማ ዕርድታትን ስንቂ ዝእክበለን ከተማታትን ሰርሐ። 13ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኸዓ ብዙሕ ስንቂ ሰራዊት ኣከበ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ድማ ሓያላት ተዋጋእቲ ሰባት ነበርዎ። 14ቍፅሮም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ከምዙይ ነበረ፦ ዓድና፥ ሓለቓ ናይቶም ካብ ይሁዳ ዝመፁ ሓሻኽር ነበረ፤ ኣብ ትሕቲኡ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ብርቱዓት ወታደራት ነበርዎ። 15ኣብ ትሕቲኡ ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ኸዓ ይሆሓናን ነበረ፤ ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ። 16ብድሕሪኡ ሳልሳይ ዓማስያ ወዲ ዝክሪ ነበረ፤ ንሱ ድማ ኽልተ ሚእቲ ሽሕ ወታደራት ነበርዎ። ዓማስያ ንእግዚኣብሄር ከገልግል ርእሱ ዝወፈየ እዩ። 17ካብ ነገድ ብንያም ድማ እቲ ሓያል ጅግና ኤሊዳሄ፥ ቀስትን ዋልታን ዝሓዙ ኽልተ ሚእቲ ሽሕ ወታደራት ነበርዎ። 18ኣብ ትሕቲኡ ድማ ዮዛባት፥ ንውግእ ዝተዳለዉ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ወታደራት ነበርዎ። 19እዚኣቶም ንንጉስ ዘገልግልዎ ዝነበሩ እዮም፤ ብዘይ ንሳቶም ከዓ ኣብተን ዕሩዳት ከተማታት ናይ ይሁዳ ዘቐመጦም ወታደራት ንንጉስ የገልግሉ ነበሩ።

Currently Selected:

2ይ ዜና 17: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in