YouVersion Logo
Search Icon

2ይ ዜና 16

16
ይሁዳ ምስ እስራኤል ከም ዝተዋግአት
(1 ነገ. 15፡17-22)
1ኣሳ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ሽዱሽተን ዓመቱ፥ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ወፀ፤ ናብ ንጉስ ይሁዳ ናብ ኣሳ ዝኾነ ሰብ ከይኣቱን ከይወፅእን ከዓ ንራማ ዓረዳ።
2ሽዑ ኣሳ ኻብ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ መንግስትን ብሩርን ወርቅን ወሲዱ፥ ነቲ ኣብ ደማስቆ ዝነብር ዝነበረ ንወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ሰደደሉ፤ 3“ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣቦኻን ቃል ኪዳን ከም ዝነበረ፥ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻንውን ኪዳን ይሃሉ። እንሆ፥ ብሩርን ወርቅን እሰደልካ ኣለኹ እሞ፥ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ካብ ምድረይ ምእንቲ ኽወፅእስ፥ ነቲ ምስኡ ዝኣተኻዮ ኺዳን ኣፍርሶ” ኢሉ ለኣኸ።
4ወልደ ኣዴር ከዓ ንንጉስ ኣሳ እሺ በሎ። ኣሕሉቕ ሰራዊቱውን ናብ ከተማታት እስራኤል ሰደደ። ንዒዮንን ንዳንን ንኣቤልማይምን ንዅለን ናይ ንፍታሌም ከተማታት መዛግብትን ድማ ወቕዕወን። 5ባኦስ ንጉስ እስራኤል እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ንራማ ምዕራድ ሓደገ፤ ነቲ ስራሕውን ኣቋረፆ። 6ሽዑ ንጉስ ኣሳ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ኣኪቡ ነቲ ባኦስ ንጉስ እስራኤል ንራማ ኽዕርደሉ ኢሉ ኣኪብዎ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕፃውን ወሰደ፤ ብእኡ ገይሩውን ንጌባን ንሚፅጳን ዓረደን።
ኣናኒ ናብ ንጉስ ኣሳ ኸም ዝመፀ
7በታ ጊዜ እቲኣ ኣናኒ እቲ ረኣዪ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ መፂኡ፦ “ክንዲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካስ፥ ኣብ ንጉስ ሶርያ ስለ ዝተኣማመንካ፥ ሰራዊት ንጉስ እስራኤል ካብ ኢድካ ኣምሊጡ ኣሎ። 8ኢትዮጵያውያንን ልብያውያንንዶ ግዳ ብዙሕ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ዝነበርዎም ዓብዪ ሰራዊት ኣይነበሩን? ኣብ እግዚኣብሄር ስለ ዝተኣማመንካ ግና፥ ንኣኣቶም ኣሕሊፉ ኣብ ኢድካ ሃበካ። 9ነቶም ብምሉእ ልቦም ናብኡ ዝፅግዑ ምእንቲ ኸፅንዖም፥ ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብ ኵሉ ምድሪ እዩ ዝርኢ። በዙይስ ስንፍና ኢኻ ዝገበርካ፤ ስለዙይ ድማ ኻብ ሕዚ ጀሚሩ ውግእ ክለዓለካ እዩ” በሎ።
10ኣሳ ግና በዝ ነገር እዙይ ኰርዩ ነቲ ረኣዪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። በቲ ጊዜ እቱይ ካብቶም ህዝቢ ንብዙሓት ሰባት ክገፍዖም ጀመረ።
መወዳእታ መንግስቲ ኣሳ
(1 ነገ. 15፡23-24)
11እንሆ ድማ፥ ግብርታት ኣሳ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፥ ኣብቲ መፅሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተፅሒፉ ኣሎ። 12ኣሳ ኸዓ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመት መንግስቱ ኣእጋሩ ሓመመ፤ የመና ኸዓ ፀንዖ። ንሱ ግና ኽንዲ ናብ እግዚኣብሄር ዝልምን ናብ ሰብ መድሓኒት ከደ። 13ኣሳ ኣብ መበል ኣርብዓን ሓደን ዓመት መንግስቱ ሞተ፤ 14ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳዊት ንባዕሉ ዘውቀሮ መቓብር ከዓ ቐበርዎ። ነቲ ሬሳኡ ድማ ብብልሓት ገባሪ ሽቱ ዝተገብረ ጥዑም ዝጨናኡ ሽቱን ዝተፈላለየ ዓይነት ቀመማትን ኣብ ዝመልአ ዓራትውን ኣንበርዎ። ዓብዪ ዝኾነ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ገበሩሉ።

Currently Selected:

2ይ ዜና 16: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for 2ይ ዜና 16