2ይ ዜና 15
15
ኣሳ ዝገበሮ ምምሕያሽ
(1 ነገ. 15፡13-16)
1መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ኣዛርያስ ወዲ ዖዴድ መፀ። 2ንኣሳ ድማ ኽራኸቦ ወፀ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “ንጉስ ኣሳን፥ ኵልኻትኩም ህዝቢ ይሁዳን ብንያምን፥ ስምዑኒ፤ ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ዄንኩም ንሱውን ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ፤ እንተ ደሊኹምዎውን ክርከበልኩም እዩ። ንስኻትኩም እንተ ሓዲግኩምዎ ግና ንሱ ኸዓ ኽሓድገኩም እዩ። 3ህዝቢ እስራኤል ንነዊሕ ዘመን ብዘይ እቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽን ብዘይ ዝምህር ካህንን ብዘይ ሕግን ይነብሩ ነበሩ። 4ብጊዜ መከራኦም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተመሊሶም ምስ ደለይዎ ረኸብዎ። 5በቲ ዘመን እቱይ ንዝወፅእን ንዝኣቱን ሰላም ኣይነበረን፤ ኣብ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን ዓብዪ ራዕዲ ነበረ። 6እግዚኣብሄር ብመከራ የጨንቖም ነበረሞ፥ ሓንቲ ሃገር ምስ ሓንቲ ሃገር፥ ሓንቲ ኸተማ ድማ ምስ ሓንቲ ኸተማ ትዋጋእ ነበረት። 7ንስኻትኩም ግና ዓስቢ ስራሕኹም ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፥ ፅንዑ፤ ኢድኩም ኣይላሕልሕ።”
8ንጉስ ኣሳ ድማ እዝ ቓላት እዙይን እቲ ኣዛርያስ ወዲ ዖዴድ ዝበሎን ምስ ሰምዐ፥ ተብዐ እሞ ኻብ ኵላ ሃገር ይሁዳን ብንያምን ካብተን ኣብ ዝባውንቲ ኤፍሬም ዝሓዘን ከተማታትን፥ ንዅሉ ዘፀይፍ ነገር ኣወገደ፤ ነቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ ቤተ መቕደስ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ከዓ ኣሐደሶ።
9ንዅሉ ይሁዳን ብንያምን ነቶም ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ስምኦንን መፂኦም ምስኣቶም ዝነብሩ ዝነበሩ ስደተኛታትውን ኣከቦም፤ እዚኣቶም ኵሎም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስ ንጉስ ኣሳ ኸም ዘሎ ሪኦም፥ ካብ እስራኤል መፂኦም ናብኡ ዝተፀግዑ እዮም።
10ንሳቶም፥ ኣሳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመቱ በታ ሳልሰይቲ ወርሒ ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣከቡ። 11በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ኻብቲ ዘምፅእዎ ምርኮ ሸውዓተ ሚእቲ ኣብዑርን ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕን ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ። 12ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ከምልኽዎ ኸዓ ቓል ኪዳን ኣተዉ። 13ንእሽተይ ኮነ ዓብዪ፥ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘየምልኽ ኵሉ ብሞት ክቕፃዕ መሓሉ። 14ዓው ብዝበለ ድምፅን ዕልልታን፥ ብመለኸትን እምብልታን ድማ ንእግዚኣብሄር መሓሉሉ። 15ኵሎም ህዝቢ ይሁዳ ብምሉእ ልቦም ምሒሎም ስለ ዝነበሩ ኸዓ፥ በቲ ማሕላ ተሓጐሱ፤ ብምሉእ ፍቓዶም ድማ ንእግዚኣብሄር ደለይዎ፤ ንሱውን ተረኽበሎም፤ ኣብ ዙርያኦምውን ዕረፍቲ ሃቦም።
16ንጉስ ኣሳ ድማ ንመዓካ እኖኡ፥ ኣብቲ ኣፀድ ኣምልኾ ጣዖት ስለ ዝገበረት፥ ካብቲ ዝነበራ ናይ ንግስቲ ኽብረት ሰዓራ። ነቲ ምስሊ ጣዖት ቈሪፁን ጨፍሊቑን ኣብ ጥቓ ሩባ ቄድሮን ኣቃፀሎ። 17ነቲ ጣዖት ዘምልኹሉ በረኽቲ ግና ካብ እስራኤል ኣየወገዶን፤ ልቢ ኣሳ ግና ብምሉእ ዘመኑ ፍፁም ነበረ። 18ነቲ ኣቦኡን ንሱን ንእግዚኣብሄር ዝወፈይዎ ብሩርን ወርቅን ዝተፈላለዩ ኣቑሑን፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ። 19ኣሳ ኻብ ዝነግስ ክሳዕ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ኣብቲ ሃገር ውግእ ኣይነበረን።
Currently Selected:
2ይ ዜና 15: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: