2ይ ዜና 12
12
ግብፂ ንይሁዳ ኸም ዝወረረት
(1 ነገ. 14፡25-28)
1ከምዙይ ድማ ኾነ፦ መንግስቲ ሮብዓም ምስ ፀንዐትን፥ ንሱውን ምስ በርትዐን፥ ንሱን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ሕጊ እግዚኣብሄር ሓደጉ። 2ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደሉ ድማ ንጉስ ሮብዓም ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሓምሸይቲ ዓመቱ ሺሻቅ ንጉስ ግብፂ ንኢየሩሳሌም ክወግኣ ደየበ። 3ካብ ግብፂ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰረገላን ስሳ ሽሕ ፈረሰኛን ኣኽተተ። ቍፅሪ ዘይብሎም ህዝቢ ድማ ሊብያውያንን ሱኪያውያንን ኢትዮጵያውያንን፥ ምስኡ ነበሩ። 4ነተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ይሁዳ ሓዘን፤ ሽዑ ናብ ኢየሩሳሌምውን መፀ።
5ነቢይ ሸማያ ኸዓ ናብ ሮብዓምን ናብቶም ካብ ቅድሚ ሺሻቅ ሃዲሞም ናብ ኢየሩሳሌም ዝተኣከቡ ኣሕሉቕ ይሁዳን መፂኡ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ንስኻትኩም ሓደግኩምኒ፤ ስለዙይ ኣነ ድማ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድ ሺሻቅ ሓደግኩኹም’ ” በሎም።
6ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ እስራኤልን እቲ ንጉስን “እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ” ኢሎም ሰብነቶም ኣዋረዱ። 7እግዚኣብሄርውን ሰብነቶም ከም ዘዋረዱ ምስ ረአየ፥ ንሸማያ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፆ፦ “ርእሶም ኣዋሪዶም እዮም እሞ ኣየጥፍኦምን እየ፤ ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ እውን ከድሕኖም እየ። ናህሪ ቝጥዐይ ከዓ ብኢድ ሺሻቅ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ኣይፈስስን እዩ። 8ግና ነኣይ ምግዛእን ንነገስታት ምድሪ ምግዛእን ምእንቲ ኽፈልጡ ክግዝኡሉ እዮም።”
9 #
1 ነገ. 10፡16-17፥ 2 ዜና. 9፡15-16። ሺሻቅ ንጉስ ግብፂ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ፤ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤት ንጉስን ድማ ወሰዶ። ነቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ናይ ወርቂ ዋላቱውን ወሰዶ። 10ንጉስ ሮብዓም ግና ኽንድኡ ዋላቱ ነሃስ ገበረ፤ ኣብ ኢድ ኣሕሉቕ እቶም ኣፍ ደገ ቤተ መንግስቲ ዝሕልዉ ዝነበሩ ሓለውቲ ኸዓ ኣንበሮም። 11እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክኣቱ እንተሎ እቶም ሓለውቲ ነቲ ዋላቱ ይፆርዎ ነበሩ፤ ብድሕሪኡ ድማ ናብ ሰፈር እቶም ዘብዐኛታት ይመልስዎ ነበሩ።
12ንጉስ ሮብዓም ርእሱ ስለ ዘዋረደ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ፈፂሙ እንተየጥፍኦ ኻብኡ ተመለሰ፤ ኣብ ይሁዳ ድማ ፅቡቕ ነገር ኮነ።
13ሮብዓም ክነግስ እንተሎ ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ብርቱዕ ንጉስ ኮነ። ኣብታ እግዚኣብሄር ስሙ ኸንብረላ፥ ካብ ኵለን ከተማታት ነገዳት እስራኤል ዝሓረያ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ገዝአ። እኖኡ ድማ ናዓማ እትበሃል በዓልቲ ኣሞን ነበረት። 14ንሱ ግና ንእግዚኣብሄር ኽደሊ፥ ልቡ ኣየዳለወን ነበረሞ ኽፉእ ገበረ።
15ኵሉ እቲ ሮብዓም ዝገበሮ፥ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥ ኣብ ታሪኽ ናይ ነቢይ ሸማያን፥ ኣብቲ በዓል ራእይ ኣዶን፥ ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? ኣብ መንጎ ሮብዓምን ኢዮርብዓምን ድማ ብዅሉ ዘመኖም ውግእ ነበረ። 16ሮብዓም ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ከዓ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኣብያ ነገሰ።
Currently Selected:
2ይ ዜና 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in