2ይ ዜና 11
11
ትንቢት ሳማያ
(1 ነገ. 12፡21-24)
1ሮብዓም ናብ ኢየሩሳሌም ምስ መፀ፥ ምስ እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብኡ ናብ መንግስቲ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ክመልስዋ፥ ካብ ቤት ይሁዳን ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ።
2ግና ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኾነ ሸማያ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፦ 3“ንሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ወዲ ሰሎሞንን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ንዘለዉ ዅሎም ህዝቢ እስራኤልን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ 4እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ምስ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ክትዋግኡ ኣይትኺዱ፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። እዝ ነገር እዙይ ብፍቓደይ ዝኾነ እዩ።” ንሳቶም ከዓ ነቲ እግዚኣብሄር ዝበሎም ሰሚዖም፥ ንኢዮርብዓም ክወግኡ ኻብ ምኻድ ተመለሱ።
ሮብዓም ንኸተማታት ይሁዳ ኸም ዝዓረደን
5ሮብዓም ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጠ፤ ነዘን ዝስዕባ ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዘለዋ ኸተማታት ከዓ ዓረደን፦ 6ንሳተንውን ቤተ ልሔምን፥ ኤጣምን፥ ቴቁሔን፥ 7ቤትፁርን፥ ሶኮን፥ ኣዶላምን፥ 8ጌትን፥ መሪሳን፥ ዚፍን፥ 9ኣዳራይምን፥ ለኪሶንን፥ ዓዜቃን፥ 10ፆርዓን፥ ኤሎንን፥ ኬብሮንን እየን። 11ንዕርድታት እዘን ከተማታት እዚኣተንውን ኣጠናኸሮ፤ ኣዘዝቲ ኸዓ ገበረለን። ስንቂ ዝኸውን እኽልን ዘይትን ወይንን ድማ ኣብኣተን ኣከበ። 12ኣብ ኵለን ከተማታትውን ዋላቱን ኲናታትን ኣቐመጠለን፤ የመና ድማ ኣጠናኸረን። በዝ ኸምዙይ ከዓ ምድሪ ይሁዳን ብንያምን ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ኾና።
ካህናትን ሌዋውያንን ናብ ይሁዳ ኸም ዝመፁ
13እቶም ኣብ ኵሉ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን ካብ ኵሉ ዓድታቶም ናብኡ መፁ። 14እቶም ሌዋውያን፥ ካህናት እግዚኣብሄር ኮይኖም ከየገልግሉ፥ ኢዮርብዓምን ደቁን ኣልቂቖምዎም ነበሩሞ፥ ሌዋውያን መዋፈሪኦምን፥ ከባቢ ኸተማታቶምን ርስቶምን እንተይተረፈ እናሓደጉ ናብ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን መፁ። 15#1 ነገ. 12፡31። ኢዮርብዓም ግና ንዀረብታታት መስገዲታትን ንኣጋንንቱን ንዝሰርሖም ምራኹትን ዘገልግሉ ኻህናት ኣቖመ። 16ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ልቦም ዝሃቡ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ምእንቲ ኽስውኡሉ፥ ንሌዋውያን ተኸቲሎም ናብ ኢየሩሳሌም መፁ። 17ሰለስተ ዓመትውን ብመንገዲ ዳዊትን ሰሎሞንን ይኸዱ ነበሩሞ፥ ሰለስተ ዓመት ንመንግስቲ ይሁዳ ኣበርትዑ፤ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞንውን ኣፅንዕዎ።
ስድራ ሮብዓም
18ሮብዓም ንመሓላት ኣእተዋ፤ ንሳ ጓል ኢያሪሙት ወዲ ዳዊት ነበረት። እኖኣ ኸዓ ኣቢካኢል ጓል ኤልያብ ወዲ እሴይ ነበረት። 19ንሳ ድማ፥ የዑስን ሰማራያን ዘሃምን ዝበሃሉ ኣወዳት ወለደትሉ። 20ብድሕሪኣ ኸዓ ንመዓካ ጓል ኣቤሴሎም ኣእተዋ፤ ንሳ ድማ ንኣቢያን ዓታይን ዚዛን ሰሎሚትን ወለደትሉ። 21ሮብዓም ከዓ ዓሰርተ ሸሞንተ ኣንስትን ስሳ ኣንስቲ ወሰንን ኣእትዩ ነበረ፤ ዕስራን ሸሞንተን ኣወዳትን ስሳ ኣጓላትን ድማ ወሊዱ ነበረ፤ ንመዓካ ጓል ኣቤሴሎም ግና ሕልፊ ዅለን ኣንስቱን ኣንስቲ ወሰኑን ይፈትዋ ነበረ።
22ሮብኣም ከዓ ነቲ ኻብ መዓካ ዝወለዶ ኣብያ ዝበሃል ወዱ ኸንግሶ ሓሲቡ ስለ ዝነበረ፥ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣሕዋቱ ሸሞ። 23ብምስትውዓል ድማ ንዅሎም ደቁ ኣብ ኵሉ ሃገር ይሁዳን ብንያምን፥ ኣብ ኵለን ዝተዓረዳ ኸተማታትን ሓለፍቲ ገይሩ ኣቐመጦም፤ ብዙሕ ምግቢ ድማ ሃቦም ብዙሓት ኣንስቲ እውን ደለየሎም።
Currently Selected:
2ይ ዜና 11: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: