YouVersion Logo
Search Icon

1ይ ጢሞቴዎስ መእተዊ

መእተዊ
ጢሞቴዎስ ዝተብሃለ መንእሰይ ክርስቲያን፥ ኣብ ንእሽቶይ እስያ ዝውለድ፥ ብኖኡ ኣይሁዳዊ በቦኡ ኸዓ ግሪካዊ ነበረ። ንሱ ንጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል ብፃዩን ሓጋዚኡን ነበረ። ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ዝፀሓፋ ቐዳማይቲ መልእኽቲ፥ ሰለስተ ዋና ዋና ነገራት ዝሓዘት እያ።
እታ መልእኽቱ ልዕሊ ዅሉ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተልዒሉ ዝነበረ ናይ ሓሰት ትምህርቲ፥ መጠንቀቕታ ንምሃብ ተፅሓፈት። እዝ ሓድሽ ትምህርቲ እዙይ ከዓ፥ ብኽፋል ናይ ኣይሁዳውያን፥ ብኽፋል ድማ ናይ ኣረማውያን ሓሳብ ዝሓዘ ነበረ። ዝተመስረተሉ ኸዓ “እዝ ዓለም እዙይ ክፍኣት ዝመልኦ ስለ ዝኾነ፥ ድሕነት ዝርከብ ብፍሉይ ምስጢራዊ ፍልጠትን፥ ካብ ገሊኡ ምግብን፥ ካብ መውስቦን፥ ብምኽልካል እዩ” ዝብል ሓሳብ ነበረ። ናይዛ መልእኽቲ እዚኣ ኻልኣይ ዋና ነገር ከዓ፥ ብዛዕባ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያንን ስርዓት ኣምልኾን፥ ብዛዕባ ባህርያት መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ሓገዝቶምን፥ ትምህርቲ ትህብ። ኣብ መወዳእታ ንጢሞቴዎስ፥ ከመይ ዝበለ ቕኑዕ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ከም ዝግብኦ ይምዕዶ፤ ነንበይናቶም ንዘለዉ ማሕበረ ክርስቲያን ዘለዎ ሓላፍነት ከዓ ይገልፀሉ።
ትሕዝቶ
1. መእተዊ 1፡1-2
2. ንቤተ ክርስቲያንን ንኣመሓደርታን ዝምልከት ትምህርቲ 1፡3-3፡16
3. ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ዝተውሃቦ ትምህርቲ 4፡1-6፡21

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in