1ይ ተሰሎንቄ 3
3
ጢሞቴዎስ ናብ ተሰሎንቄ ኸም ዝተልኣኸ
1 #
ግ.ሓ. 17፡7-15። ስለዙይ ክንዕገስ ስለ ዘይከኣልና፥ ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ መረፅና። 2-3#ግ.ሓ. 14፡22። በዝ መከራዙይ ሓደኳ ኸይሰናኸል፥ ነቲ ሓውና፥ ኣብ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ከዓ፥ መሳርሕትና ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ጢሞቴዎስ፥ ኣብ እምነትኩም ከተባብዐኩምን ከፀናንዐኩምን ለኣኽናዮ። ንሕና፥ ነዝ መከራዙይ ከም ዝተመደብና፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 4#ግ.ሓ. 17፡13። ምሳኻትኩም እንተለናውን፥ መከራ ኸም እንቕበል፥ ኣቐዲምና ነጊርናኩም ኔርና፤ ከም እትፈልጥዎ ድማ እንሆ መከራ በፅሐና። 5ስለዙይ ኣነውን ካብዙይ ንላዕሊ ኽዕገስ ስለ ዘይከኣልኩ፥ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይኸውን እሞ እቲ ፃዕርና፥ ከንቱ ኸይኸውን ኢለ፥ ብዛዕባ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፥ ንጢሞቴዎስ ለኣኽክዎ።
6ሕዚ ግና፥ ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባና ስለ ዝተመለሰ፥ ናይ እምነትኩምን ፍቕርኹምን፥ ዘሐጕስ ዜና ኣምፅአልና፤ ብፅቡቕ ከም እትዝክሩና፥ ከምቲ ንሕና ኽንሪኤኩም እንናፍቕ፥ ንስኻትኩምውን ክትሪኡና ኸም እትናፍቑ ነገረና። 7ስለዙይ፥ ኣሕዋተይ፥ ኣብ ኵሉ ጭንቅናን መከራናን፥ በቲ ናታትኩም ኣብ እምነት ምፅናዕ ተፀናኒዕና ኣለና። 8ንስኻትኩም ኣብ ጐይታ ብምፅናዕኹም፥ ንሕና ብህይወት ንነብር ኣለና። 9ስለ እቲ ብኣኻትኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝተሓጐስናዮ ታሕጓስ፥ ንኣምላኽ ብዛዕባኻትኩም፥ ከመይ ዝበለ ምስጋና ኢና ኽነቕርብ እንኽእል? 10#ሮሜ 1፡10-11። ገፅኩም ክንርእን፥ ኣብቲ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፥ ለይትን መዓልትን ተጊህና ንፅሊ ኣለና።
11ግና ባዕሉ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ጐይታና ኢየሱስን፥ ናባኻትኩም ንኽንመፅእ መንገድና የቕንዐልና። 12ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም፥ ጐይታ ኣብ ንስንሳትኩምን ምስ ኵሉ ሰብን፥ ፍቕሪ የብዝሐልኩምን ይወስኸልኩምን። 13#1 ቆሮ. 1፡8፥ ፊልጵ. 1፡10። በታ ጐይታ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ዝመፀላ መዓልቲ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦና፥ ነቐፋ ዘይብሎም ቅዱሳን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ልብኹም የበርትዕ።
Currently Selected:
1ይ ተሰሎንቄ 3: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in