1ይ ተሰሎንቄ 2
2
ኣገልግሎት ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ
1ኣሕዋትና፥ እቲ ናባኻትኩም ምምፃእና፥ ንኸንቱ ኸም ዘይኮነ፥ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። #2፡1 ኣብ ግእዝ “ኣሕዋትና ኸመይ ከም ዝገበርናልኩም ትፈልጡ ኢኹም” ይብል። 2#ግ.ሓ. 16፡22፥ 17፡1-9። ከም እትፈልጥዎ፥ ቅድም ኣብ ፊልጵስዩስ መከራ ተቐበልናን ተዋረድናን። ይኹን እምበር እንተ ተቓወሙናኳ፥ ብረድኤት እግዚኣብሄር ብትብዓት፥ ወንጌል ሰቢኽናልኩም ኢና። 3እቲ ምዕዶና ኻብ ጌጋ ወይ ካብ ርኽሰት ወይ ከዓ፥ ክንጥብረኩም ኢልና ዝገበርናዮ ኣይኮነን። 4#2 ቆሮ. 2፡17፥ ገላ. 1፡10፥ 1 ጢሞ. 1፡12። እኳ ደኣ ነቲ ሕድሪ ዝተውሃበና ወንጌል፥ ብእግዚኣብሄር ከም ዝተመስከረሎም ሰባት ንዛረብ ኣለና። ዕላማና ንሰብ ዘይኮነስ፥ ነቲ ልቢ ዝምርምር እግዚኣብሄር ምሕጓስ እዩ። 5#ግ.ሓ. 20፡33፥ 2 ቆሮ. 4፡2። ብቓል ቅብጥር ወይ እናመኽነና ብስስዐ ተደፋፊእና፥ ከም ዘይተዛረብናኩም ትፈልጡ ኢኹም፤ ነዙይ እግዚኣብሄር ምስክርና እዩ። 6#ዮሓ. 5፡44፥ 1 ቆሮ. 9፡12። ካባኻትኩም ኮነ ኻብ ካልኦት ሰባት ክብሪ ኣይደለናን። ሃዋርያት ክርስቶስ ከም ምዃንና፥ ክነኽብደልኩም ምኸኣልና ኔርና። 7#1 ቆሮ. 2፡3። እንተ ኾነ ኸምታ ነናእሽተይ ደቃ እትከናኸን እኖ፥ ኣብ ማእኸልኩም ርህሩሃት ነበርና። 8#2 ቆሮ. 12፡15። ከምኡ ንሕናውን ስለ እንናፍቐኩም፥ የመናውን ነፍቅረኩም ስለ ዝኾንና፥ ህይወትናውን እምበር፥ ወንጌል እግዚኣብሄር ጥራሕ ኣይኮንናን ክነካፍለኩም እንምነ ዝነበርና። 9#1 ቆሮ. 4፡12፥ 2 ቆሮ. 12፡13፥ 2 ተሰ. 3፡7-8። ኣሕዋተይ፥ ንሓደኳ ኸይነኽብደሉ ኢልና፥ ለይትን መዓልትን እናሰራሕና፥ ወንጌል ከም ዝሰበኽናልኩም፥ ድኻምናን ፃዕርናን ትዝክርዎ ኢኹም።
10ኣባኻትኩም ኣብ ማእኸል እትኣምኑ፥ ብቕድስናን ብፅድቅን ብዘይ ነቐፋን ከም ዝነበርና፥ ንስኻትኩምን እግዚኣብሄርን ምስክር ኢኹም። 11-12#ኤፌ. 4፡1፥ ቈላ. 1፡10፥ 2 ተሰ. 2፡14። ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር፥ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ፥ ከመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፀናንዐኩምን ነተባብዐኩምን፥ ከም ዝነበርና ትፈልጡ ኢኹም። 13#ገላ. 1፡11፥ ፊልጵ. 2፡13። ነቲ ኻባና ዝሰማዕኹምዎ ቓል እግዚኣብሄር ምስ ተቐበልኩምዎ፥ ከምቲ ኣባኻትኩም ኣብ ኣመንቲ ዝሰርሖ ዘሎ፥ ከምቲ ሓቁ፥ ከም ቃል እግዚኣብሄር እምበር፥ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፥ ንሕና እንተየቋረፅና ንእግዚኣብሄር ነመስግኖ ኣለና። 14#ግ.ሓ. 17፡5፥ 2 ተሰ. 1፡4-5። ኣሕዋተይ፥ ንስኻትኩም ነተን ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነብራ፥ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ መሲልኩምወን ኢኹም። ከምቲ ንሳተን ብኣይሁድ መከራ ዝተቐበላ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም፥ መከራ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ። 15ኣይሁድ፥ ንጐይታና ኢየሱስን፥ ንነቢያትን ቀተልዎም፤ ንኣና ኸዓ ኣሳጐጉና፤ ንእግዚኣብሄርውን የሕዝኑን፥ ንኵሉ ሰብውን ይፃረሩን ኣለዉ። 16#ሉቃ. 11፡52፥ ማቴ. 23፡32፥ ግ.ሓ. 7፡52፥ 13፡45፥50። ኣህዛብ ምእንቲ ኽድሕኑ፥ ንሕና ወንጌል ከይንሰብከሎም ብምኽልካሎም፥ በዙይ ከዓ ኸም ቀደሞም፥ መስፈሪ ሓጢኣቶም ይመልኡ ኣለዉ። ግና ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ድሮ ወሪዱ ኣሎ።
ናፍቆት ጳውሎስ
17እንተ ኾነ ኣሕዋተይ፥ ንሕና ግና ብልብና ምሳኻትኩም እኳ እንተ ሃለና፥ ብኣካል ንሓፂር ጊዜ ኻባኻትኩም ተፈሊና ስለ ዝነበርና፥ ገፅኩም ክንርኢ ብዙሕ ናፍቖትን ሃረርታን ነይሩና። 18ስለዙይ ናባኻትኩም ክንመፅእ ደሊና ኔርና፤ ኣነ ጳውሎስ እኳ ሓደ ጊዜ፥ ክልተ ጊዜ ኽመፅእ ፈቲነ ነይረ፤ ግና ሰይጣን ኣዐንቀፈኒ። 19ተስፋና ወይ ሓጐስና ወይ ከዓ ኣብ ካልኣይ ምፅኣቱ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታና ኢየሱስ እንምክሐሉ፥ ኣኽሊልና መን ድዩ? ንስኻትኩምዶ ኣይኮንኩምን? 20#2 ቆሮ. 1፡14፥ ፊልጵ. 4፡1። ብርግፅ ክብርናን ሓጐስናን፥ ንስኻትኩም ኢኹም።
Currently Selected:
1ይ ተሰሎንቄ 2: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: