1ይ ሳሙኤል 8
8
ደቂ እስራኤል ንጉስ ይገበረልና ኸም ዝበሉ
1ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሳሙኤል ምስ ኣረገ፥ ንደቁ ኣብ እስራኤል ፈረድቲ ገበሮም። 2ስም እቲ በዅሪ ወዱ ኢዩኤል፥ ስም እቲ ኻልኣዩ ኸዓ ኣቢያ ነበረ፤ ንሳቶም ኣብ ቤርሳቤህ ፈረድቲ ነበሩ። 3እቶም ደቁ ግና ብመንገዱ ኣይከዱን፤ ናብ ስስዕና ደኣ ዘምበሉ፤ ጉቦ እናተቐበሉውን ፍርዲ የቐይንኑ ነበሩ።
4ሽዑ ዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ናብ ኣርማቴም መፁ፤ 5“እንሆ፥ ንስኻ ኣሪግካ ኢኻ፤ ደቅኻ ኸዓ ብመንገድኻ ኣይከዱን። እምበኣር ሕዚ ኸም ኵሎም ኣህዛብ ዝፈርደልና ንጉስ አንግሰልና” በልዎ። #ዘዳ. 17፡14።
6“ዝፈርደልና ንጉስ ሃበና” ምስ በሉ ግና፥ እዝ ነገር እዙይ ንሳሙኤል ኣሕዘኖሞ ናብ እግዚኣብሄር ፀለየ። 7እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ከይነግስ፥ ንኣይ እዮም ዝነዓቑ እምበር፥ ንኣኻ ኣይኮኑን ዝነዓቑ እሞ፥ ኵሉ እዞም ህዝቢ ዝበሉኻ ቓሎም ስማዕ። 8ኣነ ንኣኣቶም ካብ ግብፂ ኻብ ዘውፃእኹዎም መዓልቲ ጀሚሮም፥ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፥ ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸም ዘምለኹ፥ ንኣኻውን ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ። 9ሕዚ እውን ቃሎም ስማዕ፤ ግና ፅኑዕ ምስክርነት መስክረሎም፤ ናይቲ ኣብ ልዕሊኣቶም ዝነግስ ንጉስ ስርዓትውን ንገሮም።”
10ሳሙኤል ድማ ነቶም ንጉስ ከንግሰሎም ዝለመኑ ህዝቢ፥ ኵሉ እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ነገሮም። 11ከምዙይ ከዓ በሎም፦ “እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝነግስ ንጉስ ከምዙይ ክገብረኩም እዩ፦ ነወዳትኩም ወሲዱ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክገብሮም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ቐቅድሚ ሰረገላኡ ኽጐዩ እዮም። 12ንባዕሉ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሓምሳን፥ ክገብሮም እዩ። ግራቱ ዝሓርሱን ዓፂዱ ዝዓፅዱን፥ ኣፅዋር ውግኡን ኣቕሓ ሰረገላኡን ዝሰርሑ ክኾኑ እዮም። 13ነዋልድኩም ከዓ ሽቱ ኸቃምማን ፀብሒ ኽሰርሓን እንጀራ ኽስንክታን ክወስደን እዩ። 14እቲ ዘዝበለፀ ገራሁኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኣታኽልቲ ዘይትኹምን ወሲዱ ድማ ንኣገልገልቱ ኽህቦም እዩ። 15ኣስራት ዝሩእኹምን ወይንኹምን ወሲዱ ኸዓ ንሹመኛታቱን ንኣገልገልቱን ክህቦም እዩ። 16ኣገልገልትኹምን ኣግራድኩምን፥ ዘዝበለፁ ኸፍትኻትኩምን #8፡16 ከፍትኻትኩምን፦ ብዕብራይስጢ “ኣጓብዝኩምን” ይብል። ኣእዱግኩምን ወሲዱ ድማ ኣብ ስራሑ ኸውዕሎም እዩ። 17ካብ ኣባጊዕኹምን ኣጣልኩምን ኣስራት ክወስድ እዩ፤ ንስኻትኩምውን ባሮቱ ኽትኮኑ ኢኹም። 18በታ መዓልቲ እቲኣ፥ በቲ ዝሓረኹምዎ ንጉስ ናብ እግዚኣብሄር ክተእውዩ ኢኹም፤ ግና በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ኣይሰምዐኩምን እዩ።”
19እቶም ህዝቢ ግና ንቓል ሳሙኤል ምስማዕ ኣበይዎ። “ኣይፋሉን፥ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይሃልወና። 20ንሕና ኸዓ ኸምቶም ኵሎም ኣህዛብ ክንኸውን፥ ንጉስና ኽፈርደልናን ቀቅድሜና ወፂኡ ድማ ውግእና ኽዋግአልናን ኢና እንደሊ” በሉ።
21ሳሙኤል ዅሉ ዘረባ እቲ ህዝቢ ሰሚዑ ንእግዚኣብሄር ነገሮ። 22እግዚኣብሄር ከዓ ንሳሙኤል “ቃሎም ስማዕ እሞ ንጉስ ኣንግሰሎም” በሎ።
ሳሙኤል ድማ ንሰብ እስራኤል “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናብ ከተማኡ ይኺድ” በሎም።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: