1ይ ሳሙኤል 6
6
ታቦት እግዚኣብሄር ናብ እስራኤል ከም ዝተመለሰ
1ታቦት እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ሸውዓተ ወርሒ ምስ ገበረ፥ 2ፍልስጥኤማውያን ነቶም ካህናትን ጠንቈልትን ፀዊዖም፦ “ንታቦት እግዚኣብሄር እንታይ ንግበሮ? ኸመይ ጌርና ናብ ቦታኡ ኸም እንመልሶ ኣፍልጡና” በልዎም።
3ንሳቶም ድማ “ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንተ ሰደድኩምዎ፥ ጥራሑ ኣይትስደድዎ፤ መስዋእቲ በደል ደኣ ምለሱሉ፤ ሽዑ ኽትፍወሱ ኢኹም፤ ብብርቱዕ ዝቐፅዐኩምውን ብምንታይ ምኽንያት ምዃኑ ኽፍለጠኩም እዩ” ኢሎም መለሱሎም።
4እቶም ፍልስጥኤማውያን ከዓ “እቲ መስዋእቲ በደል እንመልሰሉኸ ኸመይ ዝበለ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎም።
ንሳቶም ድማ ኸምዙይ በልዎም፦ “እቲ መዓት ንዅልኻትኩምን ንሹመኛታትኩምን ሓደ ዓይነት እዩ እሞ፥ ከም ቍፅሪ እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓሙሽተ ምስሊ ሕበጥን፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓሙሽተ ምስሊ ኣናፁን ኣቕርቡ። 5እምበኣርከስ ምስሊ እቲ ሕበጥኩምን ምስሊ እተን ንሃገር ዘጥፍኣ ኣናፁን ግበሩ፤ ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ኽብሪ ሃብዎ፤ ምናልባሽ እቲ ኢዱ ኻብ ልዕሌኹምን፥ ካብ ልዕሊ ኣማልኽትኹምን፥ ካብ ልዕሊ ምድሪኹምን የቕልል ይኸውን። 6ከምቲ ግብፃውያንን ፈርዖንን ልቦም ዘትረሩ፥ ስለ ምንታይ ልብኹም ተትርሩ ኣለኹም? እግዚኣብሄር ንኣኣቶም ብብርቱዕ ምስ ቀፅዖምዶ ኣይኮነን ክኸዱ ዝሓደግዎም እሞ፥ ንሳቶም ድማ ዝኸዱ?
7“ሕዚ ኸዓ ሓደ ሓድሽ ሰረገላ ሰሪሕኹም፥ በርዑት ተቘሪነን ዘይፈልጣ ኽልተ ዘጥብዋ ኣላሕም ውሰዱ እሞ፥ ነተን ኣላሕም ኣብቲ ሰረገላ ፅመድወን፤ ነተን ብተያተን ከዓ ፈሊኹም ካብ ድሕሪአን ናብ ቤት ምለስወን። 8ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ወሲድኩም ኣብቲ ሰረገላ ግበርዎ፤ እቲ ንመስዋእቲ በደል እትመልሱሉ ኣቕሑ ወርቂ ኸዓ ኣብ ሳፁን ጌርኩም ኣብ ጐድኑ ኣንብርዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ፤ 9ናበይ ከም ዝኸይድ ድማ ረአይዎ። ናብ ሃገሩ ዝወስድ መንገዲ ሒዙ ናብ ቤት ሳሚስ እንተ ደየበ፥ ሽዑ እዝ ብርቱዕ መቕፃዕቲ እዙይ ዘውረደልና እግዚኣብሄር እዩ፤ እንተ ዘይኮነ ግና፥ እዝ መዓት እዙይ ባዕሉ ዝኾነ እምበር፥ ዝወቕዐና ናቱ ኢድ ከም ዘይኮነ ኽንፈልጥ ኢና።”
10እቶም ሰባት ከዓ ኸምኡ ገበሩ። ነተን ክልተ ዘጥብዋ ኣላሕም ወሲዶም ኣብቲ ሰረገላ ፀመድወን፤ ነተን ብተያተን ድማ ኣብ ቤት ዓፀውወን። 11ንታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ሳፁንን ምስቲ ብወርቂ ዝተሰርሐ ምስልታት ኣናፁን ምስልታት ሕበጥን ኣብቲ ሰረገላ ፀዓንዎ። 12እተን ኣላሕም ድማ፥ እምባሕ እናበላ፥ በቲ ጐደና የማነ ፀጋም እንተይበላ፥ ናብ ቤትሳሚስ ናብ ዝወስድ መንገዲ ኣቕኒዐን ከዳ። እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ከዓ ኽሳዕ ወሰን ቤትሳሚስ ደድሕሪአን ከዱ።
13እቶም ሰብ ቤት ሳሚስ ድማ ኣብቲ ውሽጢ ለሰ፥ ስርናይ ይዓፅዱ ነበሩ። ኣዒንቶም ቈላሕ ኣቢሎም ከዓ ነቲ ታቦት ረአይዎ እሞ ተሓጐሱ። 14እቲ ሰረገላ ድማ ናብ ግራት ኢያሱ በዓል ቤት ሳሚስ መፂኡ፥ ኣብ ጥቓ ዓብዪ እምኒ ቖመ። ዕንፀይቲ እቲ ሰረገላ ፈሊፆም ከዓ ንተን ኣላሕም ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡሉ። 15ሌዋውያን ከዓ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን፥ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣቑሑ ወርቂ ዘለዎ ሳፁንን ኣውሪዶም፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ እምኒ ኣንበርዎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ እቶም ሰብ ቤት ሳሚስ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕረቡ፤ መስዋእቲ እውን ሰውኡ። 16እቶም ሓሙሽተ ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ነዝ ዅሉ ምስ ረአዩ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ኣስቀሎና ተመለሱ።
17እቲ ፍልስጥኤማውያን ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ በደል ዝመለሱሉ ኻብ ወርቂ ዝተሰርሐ ምስሊ ሕበጥ፥ ሓደ ብስም ኣዛጦን፥ ሓደ ብስም ጋዛ፥ ሓደ ብስም ኣስቀሎና፥ ሓደ ብስም ጌት፥ ሓደ ብስም ኣቃሮን ዝተልኣኸ ነበረ። 18እተን ብወርቂ ዝተሰርሓ ኣናፁ ድማ ኻብተን ዕሩዳት ከተማታት ጀሚረን ክሳዕ ቝሸታት፥ ብቝፅሪ ዅለን እተን ሓሙሽተ ኸተማታት ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ዝተልኣኻ ነበራ። እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ዝተቐመጦ ዓብዪ እምኒ፥ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ግራት ኢያሱ በዓል ቤት ሳሚስ ዘሎ ምስክር እዩ።
19ካብ ሰብ ቤት ሳሚስ ናብ ውሽጢ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዝጠመቱ ቐሰፎም፤ ካብቲ ህዝቢ ድማ ኻብ ሓሙሽተ ሽሕ፥ ሰብዓ ሰብ ቀተለ። እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕሰፍቲ ስለ ዝቐሰፎ ድማ እቶም ህዝቢ በኸዩ። 20እቶም ሰብ ቤት ሳሚስ ከዓ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ቅዱስ ኣምላኽ እዙይ፥ መን ክቐውም ይኽእል? እዝ ታቦትከ ኻባና ወፂኡ ናብ መን ክኸይድ እዩ?” በሉ።
21ነቶም ኣብ ቂርያትይዓሪም ዝነብሩ ሰባት ከዓ፥ “ፍልስጥኤማውያን ንታቦት እግዚኣብሄር መሊሶምዎ እዮም እሞ፥ ወሪድኩም ናባኻትኩም ኣደይብዎ” ኢሎም ልኡኻት ሰደዱሎም።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 6: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: