1ይ ሳሙኤል 31
31
ሳኦል ከም ዝሞተ
(1 ዜና. 10፡1-12)
1ፍልስጥኤማውያን ድማ ንእስራኤል ተዋግእዎም። ሰብ እስራኤል ከዓ ኻብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፤ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ኣብ እምባ ጊልቦዓ ወደቑ። 2ፍልስጥኤማውያን ከዓ ንሳኦልን ንደቁን እግሪ እግሮም ሰዓብዎም። ንደቁ ዮናታንን ንኣሚናዳብን ንሜልኪሳንን ቀተልዎም። 3እቲ ውግእ ከዓ ንሳኦል በርትዖ፤ ፍላፃ ዝውርውሩ ሰባት ኣርኪቦም ስለ ዝወግእዎ ድማ እምብዛ ተጨነቐ።
4ሳኦል ድማ ነቲ ኣፅዋሩ ዝፀውር፥ “እዞም ዘይግሩዛት መፂኦም ወጊኦም ከየላግፁለይስ፥ ሰይፍኻ ምዘዝ እሞ ብእኡ ቕተለኒ” በሎ። እቲ ተሸካሚ ኣፅዋሩ ግና እምብዛ ፈሪሑ ነበረ እሞ ኣበዮ። ሽዑ ሳኦል ኣብ ልዕሊ ሰይፉ ወዲቑ ሞተ። 5እቲ ተሸካሚ ኣፅዋሩ ኸዓ ሳኦል ምሟቱ ምስ ረአየ፥ ንሱ ድማ ናብ ሰይፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ። 6በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን እቲ ኣፅዋሩ ዝሽከምን ኵሎም ሰባቱን ብሓደ ሞቱ።
7እቶም ኣብ ማዕዶ እቲ ለሰን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ዝነበሩ ሰብ እስራኤል ድማ ሰራዊት እስራኤል ከም ዝሃደሙ፥ ሳኦልን ደቁን ከዓ ኸም ዝሞቱ ምስ ረአዩ፥ ነተን ከተማታት ሓዲጎምወን ሃደሙ። ፍልስጥኤማውያን ከዓ መፂኦም ተቐመጥወን።
8ንፅባሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኽገፍዎም መፁ፤ ንሳኦልን ንሰለስቲኦም ደቁን ኣብ እምባ ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም። 9ርእሱ ቘሪፆም ከዓ ኣፅዋሩ ገፈፍዎ። ኣብ ቤት ጣዖታቶምን ኣብቲ ህዝብን ከበስሩ ድማ ናብ ዙሪያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ሰደድዎ። 10ነቲ ኣፅዋሩ ኸዓ ኣብ ቤት ጣዖት ኣስታሮት ኣንበርዎ። ነቲ ሬሳኡ ግና ኣብ ቅፅሪ ቤትሳን ሰቐልዎ።
11እቶም ኣብ ኢያቢስ ገለዓድ ዝነብሩ ህዝቢ፥ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ሰምዑ። 12ኵሎም ጀጋኑ ሰባት ድማ ተሲኦም ምሉእ ለይቲ ግስግስ ሓዲሮም ነቲ ሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ካብ ቅፅሪ ቤትሳን ወሰድዎ። ናብ ኢያቢስ መፂኦም ከዓ ኣብኡ ኣቃፀልዎ። 13ነቲ ኣዕፅምቶም ወሲዶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ኢያቢስ ዘላ ኦም ቀበርዎ። ሸውዓተ መዓልቲ ኸዓ ፆሙ።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 31: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: