1ይ ሳሙኤል 30
30
ዳዊት ንኣማሌቃውያን ከም ዘጥፍኦም
1ዳዊትን ሰቡን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ፂቅላግ መፁ። እንሆ ኣማሌቃውያን ንደቡብን ንፂቅላግን ድማ ሓደጋ ኣውዲቖምለን ነበሩ። ንፂቅላግ ከዓ ዘሚቶም ብሓዊ ኣቃፂሎምዋ ነበሩ። 2ነንስትን ኣብኣ ንዝፀንሑ ዅሎምን ካብ ኣናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ ማሪኾምዎም ነበሩ፤ ግና ማሪኾም ደኣ መንገዶም ከዱ እምበር፥ ሓደ ዝቐተልዎ ሰብ እኳ ኣይነበረን።
3ዳዊትን ሰዓብቱን ናብ ፂቅላግ ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ፥ ብሓዊ ተቓፂላ፥ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ተማሪኾም ከይዶም ነበሩ። 4ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ሓይሊ ኽሳዕ ዝስእኑ ዓው ኢሎም በኸዩ። 5#1 ሳሙ. 25፡42-43። ክልቲአን ኣንስቲ ዳዊት፥ ኣሒኖዓም በዓልቲ ኢይዝራኤልን፥ ኣቢግያ ሰበይቲ ናባል በዓል ቀርሜሎስ ዝነበረትን ከዓ ተማሪኸን ነበራ። 6ነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ኣወዳቱን ኣዋልዱን መሪርዎ ስለ ዝነበረ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ንዳዊት ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ እሞ፥ የመና ጨነቖ። ዳዊት ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኹ ልቡ ኣፅንዐ።
7ዳዊት ንኻህን ኣብያታር ወዲ ኣቢሜሌክ “በይዛኻ ኤፉድ ኣምፅአለይ” በሎ። ኣብያታር ከዓ ነቲ ኤፉድ ናብ ዳዊት ኣምፅኦ። #1 ሳሙ. 22፡20-23። 8ዳዊት ድማ፥ “ነቶም ዝዘመቱ ጭፍራስ ክስዕቦምዶ? ኸርክቦምዶኸ እኽእል እየ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ።
እግዚኣብሄር ድማ “ብርግፅ ክተርክቦም፥ ብርግፅውን ነቲ ምርኮ ኽትመልሶ ኢኻ እሞ፥ ሰዓቦም” በሎ።
9ሽዑ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰባትን ከዱ፤ ኣብ ሩባ በሶር ምስ በፅሑ ኸዓ ገሊኣቶም ሰባት ኣብኡ ተረፉ። 10እዚኣቶም ደኺሞም ንሩባ በሶር ምስጋር ስኢኖም ንድሕሪት ዝተረፉ ኽልተ ሚእቲ ሰባት እዮም። ዳዊትን ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባትን ግና ሰጊሮም ሰዓቡ።
11ኣብ በረኻ ድማ ሓደ ግብፃዊ ሰብኣይ ረኺቦም ናብ ዳዊት ኣምፂኦም፥ እንጀራ ሃብዎ፤ ማይውን ኣስተይዎ። 12ቍራስ ጎጎ በለስን ክልተ ዘለላ ወይንን ድማ ሃብዎ። ንሱ እንጀራ እንተይበልዐን ማይ እንተይሰተየን ሰለስተ መዓልቲ ገይሩ ነበረ እሞ፥ ምስ በልዐ ነፍሱ ናብ ባዕሉ ተመለሰት።
13ዳዊት ነቲ ግብፃዊ “ንስኻ ናይ መን ኢኻ? ኻበይከ መፂእኻ?” በሎ።
ንሱ ኸዓ “ኣነ ግብፃዊ፥ ሓሽከር ሓደ ኣማሌቃዊ ሰብኣይ እየ። ሓሚመ ስለ ዝነበርኩ ቕድሚ ሰለስተ መዓልቲ ጐይታይ ሓዲጉኒ ኸይዱ። 14ንሕና ንደቡብ ከሬጣውያንን ንምድሪ ይሁዳን ንደቡብ ካሌብን ሓደጋ ኣውደቕናለን፤ ንፂቅላግ ኸዓ ብሓዊ ኣቃፀልናያ” በለ። 15ዳዊት ድማ “ናብቶም ሰራዊት ክትመርሐኒዶ ትኽእል ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ናብቶም ሰራዊት ክመርሐካስ፥ ከይትቐትለኒ፤ ናብ ኢድ ጐይታይውን ኣሕሊፍካ ኸይትህበኒ፤ ብኣምላኽ መሓለለይ” በሎ።
16ንሱ መሪሑ ምስ ወሰዶ ኸዓ እንሆ፥ በቲ ኻብ ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ካብ ሃገር ይሁዳን ዝዘመትዎ ብዙሕ ምርኮ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ፋሕ ኢሎም ይበልዑን ይሰትዩን የብዕሉን ነበሩ። 17ዳዊት ድማ ፅልግልግ ክብል እንተሎ ጀሚሩ፥ ክሳዕ ንፅባሒቱ ምሸት ወግኦም። ብዘይ እቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ኣግማል ተቐሚጦም ዝሃደሙ ኣጓብዝ፥ ካብኣቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣየምለጠን። 18ዳዊት ከዓ ነቲ ዅሉ ኣማሌቃውያን ዘሚቶምዎ ዝነበሩ ኣምለሰ፤ ንኽልቲአን ኣንስቱውን ኣምለሰን። 19ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ ካብ ኣወዳት ኮነ ኻብ ኣዋልድ፥ ካብቲ ዅሉ ተዘሚቱ ዝነበረ፥ ሓደኳ እንተየትረፈ ዳዊት ኣምለሶ። 20ዳዊት ድማ ንዅለን ኣባጊዕን ከፍትን ዘመተን፥ ኣገልገልቱ ኸዓ ንኣኣተን ቀቅድሚ ዳዊት እናኾብኰቡ “እዚኣተን ምርኮ ዳዊት እየን” ይብሉ ነበሩ።
21ዳዊት ድማ ናብቶም ደኺሞም ምስዓብ ዝሰኣኑ እሞ ኣብ ሩባ በሶር ዘትረፎም ክልተ ሚእቲ ሰባት መፀ። ንሳቶም ከዓ ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ክቕበልዎም ወፁ። ዳዊት ድማ ናብቶም ህዝቢ ቐሪቡ “ደሓን” ምህላዎም ጠየቐ። 22ሽዑ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝኸዱ፥ እቶም ክፉኣትን፥ መዕገርገርትን ዝኾኑ ሰባት፥ “እዚኣቶም ምሳና ስለ ዘይከዱ፥ ካብዝ ዘምለስናዮ ምርኮ ኣይንህቦምን ኢና። ነፍሲ ወከፎም ኣንስቶምን ደቆምን ጥራሕ ሒዞም ይኺዱ” በልዎ።
23ዳዊት ግና “ኣሕዋተይ፥ እግዚኣብሄር ሓልዩናን፥ ነቲ መፂኡና ዝነበረ ዘማቲ ጭፍራ ድማ ኣብ ኢድና ሂቡናን እዩ እሞ፥ በቲ ንሱ ዝሃበናስ ከምዙይ ኣይትግበሩ። 24በዝ ነገር እዙይ ደኣ መን ክሰምዐኩም እዩ? ግደ እቶም ኣብ ውግእ ዝወዓሉን፥ ግደ እቶም ኣቑሑ ዝሓለዉን ሓደ እዩ እሞ፥ ኵሎም ማዕረ እዮም ዝማቐሉ” በሎም። 25ዳዊት ድማ ኻብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ነዙይ ኣብ እስራኤል ሕግን ስርዓትን ገበሮ።
26ዳዊት ናብ ፂቅላግ ምስ መፀ ኸዓ፥ ነቶም ፈተውቱ ዓበይቲ ይሁዳ “ካብ ምርኮ እቶም ፀላእቲ እግዚኣብሄር እንሆ ገፀ በረኸት” ኢሉ ኻብቲ ምርኮ ሰደደሎም።
27ነቶም ኣብ ቤቴል፥ ኣብ ደቡብ ዘላ ራሞት፥ ኣብ የቲር፥ 28ኣብ ዓሮዔር፥ ኣብ ሲፍሞት፥ ኣብ ኤሽትሞዓ፥ 29ኣብ ራካል፥ ኣብ ከተማታት የራሕምኤላውያን፥ ኣብ ከተማታት ቄናውያን፥ 30ኣብ ሔርማ፥ ኣብ ቦርዓሻን፥ ኣብ ዓታኽ፥ 31ኣብ ኬብሮን ዝነበሩን፥ ነቶም ኣብተን ዳዊትን ሰቡን ዝነበሩለን ኵለን ቦታታት፥ ገፀ በረኸት ሰደደሎም።
Currently Selected:
1ይ ሳሙኤል 30: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in